ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ምንባራ 'ከይፈለጠት' ምስ ብጸይታ ዝተቛየቐት ናሚብያዊት ጋዜጠኛ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/Shut it all down
ክልተ ኣቕረብቲ ዜና ቴለቪዥን ናሚብያ ብቐጥታ ኣብ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መደብ ዘጋጠመን ስግንጢር ኣዘራራቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልኦት ኣቕረብቲ ዜና'ውን ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ነቲ ፍጻመ ብምድጋም ክጨርቁ ገይሩ ኣሎ።
ኣቕራቢት ዜና መደበር ቴለቪዥን ኤንቢሲ ኤልማሪ ካፑንዳ ኣርእሰተ ዜና ብምንጋር ንዝርዝራቱ ጋዜጠኛ ስፖርት ጀሲካ ካይሙ ክትቕጽል ኣብ ዝሓተተትሉ፡ ጀሲካ "ኖ ከምኡ ኣይኮናን እንገብር። ሰላምታ ምስ ኣቕረብክለይ ባዕለይ እየ ዝቕጽል" ኢላታ።
ሽዑ ኤልማሪ ብምግራም "ጀሲካ ኣብ መስመር ኢና ዘሎና" ብምባል እቲ መደብ ብቐጥታ ይመሓላለፍ ከም ዘሎ ከተዘኻኽራ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ዘሎ ቪድዮ ይርአ።
ነዚ ስዒቡ ኣብ ናሚብያን ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃን ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት '#ጀሲካ ኣብ መስመር ኢና ዘሎና' ዝብል ጥብቆ ኣብ ጽሑፋቶም ይልጥፉ ኣለው።
Skip X post, 1ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
Warning: Third party content may contain adverts ብሓሙስ ጋዜጠኛታት መደበር ቴለቪዥን ኤስኤቢሲ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ተመሳሳሊ ተግባር ብምፍጻም ክጨርቁ ፈቲኖም።
Skip X post, 2ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
Warning: Third party content may contain adverts ገለ ጋዜጠኛታት እቲ ተግባር ጋዜጠኛታት ኤንቢሲ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መሃያ ብዝተሓሓዝ ምስ ዝገበርዎ ኣድማ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም።
ናሚብያዊት ጋዜጠኛ ጀሚማ ቢከስ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ፡ ጀሲካ እቲ መደብ ብቐጥታ ይፍኖ ምንባሩ ከም ዘይፈለጠትን ምስ ዳይሬክተር ካሜራ ትዘራረበሉ መስምዒ ኣብ እዝና ከም ዘይነበራን ገሊጻ።
ጋዜጠኛታት ኤንቢሲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበርዎ ኣድማ ምስ ቀረብ መሳርሒታት ዝተኣሳሰር እዩ።
ተጠቀምቲ ትዊተር ነቲ ኣጋጣሚ ይዘናግዑሉ ኣለው።
Skip X post, 3ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
Warning: Third party content may contain adverts ካልኦት ድማ ተመሳሳሊ ተግባር ብምድጋም '#ጀሲካ ቻለንጅ' ጀሚሮም ኣለው።
Skip X post, 4ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
Warning: Third party content may contain adverts