ሓንቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኣደ 10 ቆልዑ ከምዝተገላገለት ጸብጻባት ሓቢሮም

ምንጪ ስእሊ, AFrican News Agency [ANA}
ሓንቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኣብ ሓደ እዋን 10 ዕሸላት ከምዝተገላገለት ሰብመዚ’ታ ሃገር ኣረጋጊጾም። ምውላድ ናይዞም 7 ኣወዳትን 3 ኣዋልድን ሓድሽ ናይ ዓለም ክብረወሰን ዘመዝገበ ፍጻመ ኮይኑ’ሎ።
በዓልቤት ናይታ ጎሲያመ ታማራ ሲቶለ ዝተባህለት ኣደ፡ ብምውላድ ናይዞም ኣስታት ሓደ ደርዘን ዝኾኑ ደቁ ከምዝተሓጎሰ ብምግላጽ፡ 8 ጥራይ ተጸብዮም 10 ምርካቦም ግን ከምዝገረሞም ተዛሪቡ።
“ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን’ዮም። ተሓጒሰ ኣለኹ። ስምዒተይ ገንፊሉ’ሎ። ክዛረብ ኣይክእልን’የ” ኢሉ ከምዝተዛረበ ፕሪቶሪያ ኒውስ ዝተባህለ ጋዜጣ ጸብጺቡ።
ሓደ ብዓልስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ ምውላድ ናይቶም ቆልዑ ንቢቢሲ ከረጋግጽ እንከሎ፡ ካልእ ብዓልስልጣን ግን፡ ነቶም ቆልዑ ከምዘይራእዮም ተዛሪቡ።
ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣባል ናይቲ ቤተሰብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ኣደ 10 ቆልዑ ከምዝተገላገለት ብምርግጋጽ፡ እቶም ሓሙሽተ ብንቡር ክውለዱ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ሓሙሽተ ድማ ብመጥባሕቲ ከምዝተወልዱ ጠቒሱ።
እቲ ናይ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት ክብረወሰን ዓለም ዝውስን መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም [ጒነስ ዎርልድ ረከርድሰ] ዝተባህለ ትካል፡ ነቲ ጉዳይ ይምርምሮ ከምዘሎ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ 2009፡ 8 ቆልዑ ዝወለደት ኣመሪካዊት እታ ዝበዝሑ ቆልዑ ኣብ ሓደ እዋን ዝተገላገለት ኣደ ተባሂላ ክብረወሰን ሒዛ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓሊማ ሲሰ ዝተባህለት ጓል ሃገረ ማሊ ድማ፡ 9 ቆልዑ ኣብ ሞሮኮ ተገላጊላ ምንባራ ይዝከር።
ብዙሓት ድቂ ዝሓዘ ጥንሲ፡ ግዚኡ ከይበጽሐ ከምዝብርዕን፡ ኣብ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ጉዳያት ጥዕና ዝኾነት ሮዳ ኦዲያምቦ ተረድእ።
ልዕሊ 3 ቆልዑ ዝሓዘ ወሊድ ዘይልሙድን፡ መብዛሕትኡ እዋን ብናይ ፍርያምነት ሕክምናዊ ደገፍ ዝፍጠር ምዃኑ ይግለጽ። እንተኾነ ግን፡ ናይዞም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ቤተሰብ፡ ጥንሲ ባህርያዊ ምዃኑ’ዮም ዝዛረቡ።
ጸሎትን ድቃስ-ኣልቦ ለይትን
ጓል 37 ዓመት ጎስያመ ታማራ ሲቶለ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን፡ ክልተ ማናቱ ወሊዳ ዝነበረት’ያ። ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ደቂ 6 ዓመት ኮይኖም ኣለዉ።
እዛ ኣብ መበል 29 ሰሙና ብሰኑይ ምሸት ኣብ ርእሰከተማ ፕሪቶርያ ዝሓረሰት ኣደ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዘላ ተገሊጹ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ንፕሪቶርያ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ጥንሳ “ኣብ ፈለማ ከቢድ” ከምዝነበረን፡ ብሰላም ክትገላገል ትጽሊ ምንባራን፡ ብሻቕሎት ድቃስ-ኣልቦ ለይትታት ከምዘሕለፈትን ተዛሪባ ነይራ።
“ማህጸን ከመይ ኢሉ ክኣኽሎም’ዩ? ክድሕኑ ድዮም?” ብምባል ትጭነቕ ከምዝነበረትን፡ እንተኾነ ግን ማህጸና ይሰፍሕ ምንባሩ ሓካይም ተስፋ ይህቡዋ ነይሮም።
ሸሞንተ ድቂታት ሒዛ ምንባራ ምስተፈልጠ፡ ናይ ኣእጋር ቃንዛ ኣጋጢሙዋ ነይሩ። ክልተ ካብቶም ድቅታት ኣብ “ዘይግቦኦም ቱቦ ከምዝነበሩ” ሓካይም ምርግጋጾም’ውን ኣይቕሰናን።
“ንሱ ተፈቲሑ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት’የ ዘለኹ። ደቀይ ክርኢ ድማ ተሃዊኸ ኣለኹ” ክትብል ኣብቲ እዋን ነቲ ጋዜጣ ተዛሪባ ነይራ።
ብዓልቤታ’ውን፡ ብሓጎስ ኣብ ወርሒ ዝተሰቕለ ኮይኑ ተሰሚዕዎ’ሎ። “ሓደ ካብ ሕሩያት ደቂ ኣምላኽ ኮይኑ’ዩ ዝስማዓኒ ዘሎ። ዘመስግኖ ተኣምራት’ዩ” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







