በኣሉ ግርማ፡ ኣብ ዝኣተዎ ዘይተፈልጠ ስሙይ ኢትዮጵያዊ ደራሲ 'ኦሮማይ'

ምንጪ ስእሊ, Dawit
በኣሉ ግርማ፡ “ኦሮማይ” ዝተባህለት መጽሓፉ ምስ ጸሓፈ ካብ ስርሑ ከም ዝእለ ተገብረ፣ ጸኒሑ ኸኣ ሳምዕ ዘይብሉ ፈጺሙ ተሸርበ። ንምንታይ?
እታ “ኦሮማይ” ዝተባህለት መጽሓፉ ብዛዕባ ኣብ ፈለማ ሰማንያታት ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ከበድቲ ዉግኣት ኣብ ግምት ብምእታው’ያ ተጻሒፋ። ብ1982 ደርጊ ወትሃደራዊ ማእከል-ምምሕዳር ናብ ኣስመራ ብምግዓዝ እቲ ብ“ቀይሕ ኮኾብ” ዝፍለጥ ዝዓበየ ወትሃደራዊ ወፍሪ፡ ንብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ጨሪሱ ንምድምሳስ ዝዓለመ ወፍሪ፡ ከም ዘካየደ ዝዝከር’ዩ።
ደርጊ ማዕረ 120,000 ወተሃደራት ኣዋፊሩ፡ በኣሉ ግርማ ድማ ከም ሓላፊ ፕሮፓጋንዳ ናይ ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ ተመዚዙ ንኣስመራ ተጓዕዘ።
በኣሉ ግርማ ብእዋን ሻድሻይ ወራር ብሰለስተ ሸነኻት መጥቃዕትታት ክካየድ - ብባርካ፣ ናቕፋን ሰሜናዊ-ምብራቕ ሳሕልን ይዕዘብ ነበረ።
ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ብኽልቲኡ ሸነኻት - ኢትዮጵያን ኤርትራን - ብዙሕ ደም ፈሰሰ፤ ደርጊ ንተጋድሎ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምጽናትን ንህዝቢ ኤርትራ ክኸስብን ዘውጽኦም መደባት ክፈሽሉ’ውን ባዕሉ በኣሉ ግርማ ብቐረባ ክዕዘብ ከኣለ።
እቶም ዉግኣት ናይ ምርብራብ መልክዕ ሒዞም ነበሩ፤ ሓንሳብ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ደፊኦም ቦታታት ይቈጻጸሩ፣ ጸኒሖም ከኣ ብተጋደልቲ ተደፊኦም ይወጹ። ህዝቢ ኸኣ ረብረበ። እቲ ዓቢ ዉግኣ ክሳብ 1983 ቀጸለ፣ እቲ ወራር ግን ኣብ ዕላምኡ ክበጽሕ ኣይከኣለን።
እቲ ዉግእ ብሓይልን ዕጥቅን ጥራይ ዘይኰነስ ብዉጹእ ጥምየት ተሰንዩ ብምምጽኡ ብዙሕ ዕንወት’ኳ እንተኸተለ ኣብ መጠረስትኡ ግን ከሸፈ። ሰነዳት ታሪኽ ከም ዘርእይዎ፡ ሽዑ ንሱዳን ዝሃደመ ህዝቢ ኤርትራ ቍጽሩ 350,000 ይበጽሕ።
እቶም ሽዑ ዝካየዱ ዝነበሩ ዉግኣትን ዉጽኢታቶምን ወይ ከኣ ከንቱነት ናይቲ ዉግእ ምስ ረኣየ’ዩ በኣሉ ግርማ “ኦሮማይ” ዝበለ። ትርጕሙ፡ “ጕዳይ ኤርትራ ዉዱእ ጕዳይ’ዩ” ከም ማለት’ዩ።
ትሕዝቶ “ኦሮማይ”
“ኦሮማይ” ደቂ ኣስመራ ዝጥቀምሉ ዘይግዙር-ኣዘራርባ’ዩ ። ካብ ጣልያንኛ ‘oramai’ ዝብል ቃል ዝተወርሰ ቍንቍኛ ምዃኑ’ዩ፣ ትርጕሙ ድማ “መላሲ የብሉን” ከም ማለት’ዩ።
እታ ብ1983 ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ዜቃጭጭ ጸብጻብ ወፈራ “ቀይሕ ኮኾብ” ዝሓዘለት ኰይና ንኣባላት ደርጊ እትወቅስ መጽሓፍ’ያ።
እታ መጽሓፍ ብዕድል’ያ ኣብ ምሕታም በጺሓ እምበር ደርጊ ኣቐዲሙ ክእግዳ ምኸኣለ ነይሩ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ኣለዉ። ኣይኰነን ግን፡ እታ መጽሓፍ ምስ ተሓትመት ኣንበብቲ ንምግዛኣ ተጓየዩ፤ ደርጊ ድማ ብሸነኹ ንኽእግዳ ተጓየየ።

ምንጪ ስእሊ, Dawit
እቲ እገዳ ንባዕሉ ነታ መጽሓፍ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንኽትሽየጥ ሓገዛ። ኦሮማይ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ’ተን ብሉጻት መጻሕፍቲ ኰይና ጸብለል በለት።
“እታ መጽሓፍ ነቲ ዝፈሸለ ዓቢዪ ወተሃደራዊ ወፈራ ከም ዘሎዎ ኮፍ ኣቢላ ኣቐመጠቶ” ትብል ተመራማሪትን ጸሓፊትን ሩት ኢዮብ።
ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ እታ መጽሓፍ ንኵነታት ኤርትራ እተጋልጾ፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብግቡእ ኣይፈልጦን ነበረ። ነቶም ህይወቶም ነቲ ቃልሲ ብምውፋይ ዝጋደሉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብ“ተገንጽልቲ ወረበላታት” ኢዩ ዝፈልጦም ዝነበረ።
በኣሉ ግርማ ንኤርትራ ዝኸደሉ ምኽንያት ንዕላማታት ወፈራ ደርጊ ይኣምነሉ ስለ ዝነበረ’ዩ። ነቲ ዘስካሕክሕ ዉግእ ብቐረባ ምስ ረኣዮ ግን ሓሳቡ ለወጠ - እቲ ሽቶ ናይቲ ወፍሪ ብወትሃደራዊ ኣእሙሮኣዊ ኣቛሙ ብልሹውን ከንቱን ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ።
እቲ ወፍሪ ብሃንደበት ጠጠው ምስ በለ መንግስቱ ሃይለማርያም ኣልዒሉ ንኣዲስ ኣበባ ተመልሰ። በኣሉ ግርማ ግን ኣብ ኣስመራ ተሪፉ ነታ መጽሓፉ ክጽሕፍ ጀመረ።
ደርጊ ንወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ ሽቶኡ ወቒዑ እናበለ ክዕንድርን ፕሮፓጋንዳ ክነዝሕን በዓሉ ግን ሓሶት ካብ ዝብል ኣቛሙ ነቲ ዛንታ ክጽሕፎ ጀመረ።
በኣሉ ንኦሮማይ ብመልክዕ ናይ ፍቕሪ ዛንታ ቀሪጹ ነቲ ዝተኻየድ ዕንወት ኵሉ ዳሕደሖ። ኢትዮጵያውያን ከኣ ካን ገረሞም።
ኣብቲ መጽሓፍ ዝሰፈሩ ተዋሳእቲ በቶም ብተምሳል ናይ’ቶም ብቐረባ ዝፈልጦም ሓለፍቲ ደርጊ ኣዋሃሂዱ’ዩ ጽሒፉዎ። ንኣብነት ሜጀር ዳዊት ወልደግዮርጊስ (ሽዑ ኣማሓዳሪ ኤርትራ ዝነበረ) ከም ሰሎሙን በትረጊዮርጊስ ኰይኑ ይትረኸሉ፣ ኮሎኔል ተስፋየ ወልደሰላሴ (ናይ ደርግ ሓለቓ ጸጥታ) ድማ ከም በትሩ ተሰማ ኰይኑ ቐሪቡ። ብቐንዱ ግን በኣሉ ንባዕሉ ብስም ጸጋየ ኣብቲ ዛንታ ቀንዲ ተዋሳኣይ ኰይኑ ቀሪቡ።
ሓፈሻዊ ትልሚ ናይቲ ዛንታ
ጸጋየ ዝተባህለ ጋዜጠኛ እቲ ቀንዲ ተዋሳኣይ ኰይኑ ንኣስመራ ብደርጊ ተላኢኹ ይኸይድ። ተልእኾኡ ኸኣ ብቀይሕ ኮኾብ ዘርኢ ወትሃደራዊ ወፈራ ናይ ፕሮፓጋንዳ ዛንታታት ንክጽሕፍ ነበረ።
ጸጋየ ኣብ ኣስመራ ምስ በጽሐ ነቲ ህዝቢ ዘሕልፎ ዝነበረ ሽግር ከስተብህል ጀመረ - ህዝቢ፡ ብመዘዝ ተጋደልቲ፡ ተሸቝሪሩ ይነብር ከም ዝነበረ፡ ብዋሕዲ መግብን ነዳድን ይሳቐ ከም ዝነበረ።
ይዅን’ምበር፡ እቲ ህዝቢ ነቲ ኵነታቱ ተጻዊሩ ሰላምን ሕብረትን ከም ዝደሊ ገይሩ የቕርቦ። ናብ ሓደ እንግዶት ምስ ከደ ድማ ምስ ፊያመታ ጂላ እትበሃል ጎርዞ ጓል ይራኸብ፣ ምስኣ ኸኣ ፍቕሪ ይሕዞ። ኣብኡ ምስ ሓደ ብኦሮማይ ቅጽል-ስም ዝፍለጥ ሰላይ በርሀ ዝበሃል ድርብ-ሰላይ ሻዕብያ ይራኸብ። ፊያመታ ሕጽይቲ ኦሮማይ’ያ ነይራ፣ ምስ ጸጋየ ክተዕልል ምስ ርኣየ ግን ሕማቕ ይስምዖ ... እቲ ዛንታ ብከምዚ ኣገባብ ጀሚሩ ኣብ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ጕዳያት ይኣቱ።
ናብ ዛንታ በኣሉ ግርማ ንመለስ ...
በኣሉ (1938-1984) ኣብ ሓጺር ዕድሜኡ’ዩ ሞይቱ። ዝናኡ ግን ድሕሪ ሞቱ ምስኡ ኣይሞተን፣ በቶም ዝደረሶም መጻሕፍቲ ኣቢሉ ስሙ ህያው ኰነ ክበሃል ይከኣል።
እዚ ኣብ ሱፐ-ቦሩ ዝበሃል፡ ብብዝሒ ቡን ዝዝርኦ ቦታ - ኣብ ኢሉባቡር ክሊ ኦሮሚያ - ዝተወልደ፡ ብባህልን ቋንቋን ኦሮሞ ተኾስኵሱ ዝዓበየ፡ ብግዕዝ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ-መዝሙር እናንበበ ኣብ ጊዜ ንኡስ ዕድሜኡ ዝተማህረ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣድማዒ ትምህርቱ ዘጠናቐቐ (ዊንጌት ኣልኣይ ደረጃ)፡ ናይ ጋዜጠኝነት ትምህርቱ ብመጀመርታ ኣብ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ፡ ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብምኻድ (ሚሺጋን ዩኒቨርሲቲ) ብፖለቲካዊ ሳይንስን ጋዜጠኝነትን ናይ ማስተርስ መዓርግ ዝረኸበ ትኩር ሰብ ነበረ።
ብስሳታት፡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ኣብ ሚኒስትሪ-ሓበሬታ ከም ኣዳላዊ ናይ “የዛሬቱ ኢትዮጵያ” – [ብኣምሓርኛ ዝሕተም ዝነበረ ሰሙናዊ ጋዜጣ] ኮይኑ ክሰርሕ ጀመረ። ብ1965 ዋና ኣዳላዊ ናይ “ኣዲስ ሪፖርተር” - ብእንግሊዘኛ ዝዳሎ ዝነበረ ሰሙናዊ ጋዜጣ፤ ብድሕሪኡ ኸኣ ከም ኣዳላዊ ናይ “ኢትዮጰያን ሄራልድ” ኰይኑ ኣገልጊሉ።
ብእዋን ደርጊ ብስራሕ ንኤርትራ ምስ ተላእከ ደፊሩ በቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ኤርትራ መጽሓፍ ዝጸሓፈን፣ ኣብ 46 ዕድሚኡ ኸኣ ህይወቱ ብኣሊፍ ዝጠፍአት ዉሩይ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛን ደራስን ነበረ።
እንዳለጌታ ከበደ፡ “ሕይዎቱና ሥራዎቹ” ዝተባህለ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ደራሲ ኮይኑ ጽፉፍ ታሪኽ ህይወት በኣሉ ግርማ ኣቕሪቡ’ዩ። ብፈቃዱ ኣዘዘ ዝቐረበ ኣብ ኢንሳክሎፒድያ-ኤትዮፒካ ሰፊሩ ዝርከብ ግሩም ሓተታ ከኣ ኣሎ። ከምኡ’ውን ኣብ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ-ምርምር ብዛዕባ በዓሉ ዝተጻሕፉ ዓንቀጻት ክንረክብ ንኽእል።
በኣሉ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ’ዩ ደሪሱ፤ ካብኦም “የቀይ ኮከብ ጥሪ”፡ “ሃዲስ”፡ “ደራሲው”፡ “ክኣድማስ ባሻገር”፡ “የሕሊና ደወል” ዕዉታት መጻሕፍቱ ክጥቀሱ ይከኣል። እታ ዝዓበየትን ምስ ደርጊ ኣብ ነገር ዘእተወቶን፡ መጥፍኢቱ ዝኾነት ኸኣ እታ “ኦሮማይ” ዘርእስታ መጽሓፍ’ያ።
በኣሉ ግርማ ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ
እንዳለጌታ ከበደ ከም ዘዘንተዎ፡ ኣብኡ ንበኣሉ ህንዳዊ’ዩ። ኣቦኡ ናይ ንግዲ ሰብ’ዩ ነይሩ፣ ሓደ መዓልቲ ንኢሉባቡር ብስራሕ ምስ ከደ ንያደነ ዝተባህለት ጓል-ኣባት ይራኸብ፣ ርክቦም ከኣ ቀጸለ። ጸኒሑ ኸኣ በኣሉ ይውለድ።
በኣሉ ምስ ኣቦኡ ጽኑዕ ርክብ ኣይነበሮምን፤ ምኽንያቱ ንዕኡን ኣዲኡን ገዲፉዎ ንኣዲስ ኣበባ ስለዝኸደ። እቲ ህንዳዊ ኣቦኡ ካልእ ሓዳር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነይሩዎ።
ወይዘሮ ያደነ፡ በኣሉ ምስ ጎበዘ ዝሓሸ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረክብ ኢለን ንወደን ናብ ኣቦኡ - ኣዲስ ኣበባ - ይልእክኦ። ሽዑ በኣሉ ቋንቋ ኦሮም’ምበር ቋንቋ ኣምሓርኛ ክዛረብ ኣይክእልን ነበረ።
እቲ ዘሕዝን ነገር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጸ ኣቦኡ ብጽቡቕ ኣይተቐበሎን። ሓደ ግርማ ዝበሃሉ ሰራሕተኛ ናይቲ ህንዳዊ ኣቦኡ፡ ንበኣሉ ተረኪቦም ከም ዉላዶም ከዕብይዎ ወሰኑ፤ ብስሞም ከኣ በኣሉ ግርማ ተባህለ።
ንፉዕ ተማሃራይ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ልዕልቲ ዘነበወርቅ ተመዝገበ፤ ኣብኡ’ዩ ምሓርኛ ዝተማህረ። ኣብ ስነጽሑፍ ኢትዮጵያ፡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ከበርክት ዝኸኣለ ዓቢ ደራሲ ንክኸውን ድማ በቕዐ።
እቲ ዝተረፈ ታሪኽ’ዩ።
ኦሮማይ ብሓደ ኢትዮጵያዊ ስለ ዝተጻሕፈት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ንኵነታት ኤርትራ ክርድእዎ ኸኣሉ። ንበኣሉ ግርማ ግን ኣብ ሓዊ ኣእተወቶ። ብ1984 መእተዊኡ ከይተፈልጠ ሓቒቑ ተረፈ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







