ቦርድ መረፃ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከብ እስክንድር ነጋ ሕፁይ ጌሩ ክምዝግብ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK
ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከብ ኣመራርሓ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ፡ ኣብ መረፃ ንክሳተፍ ከምዝምዝግቦ እቲ ውድብ ገሊፁ።
ብመንግስቲ እታ ሃገር ንሓደ ዓመት ተኣሲሮም ዝርከቡን ኣብ መረፃ እታ ሃገር ክወዳደሩ ሕፁያት ኮይኖም ክቐርቡ ካብ ሞንጎ ዝተብሃሉን፡ ኣመራርሓ ባልደራስ ኣይተ እስክንድር ነጋ፣ ስንታየሁ ቸኮል፣ ኣስቴር ስዩምን ኣስካለ ደምሌን እዮም።
ብመሰረት እዚ ትማሊ ኣብ ዝነበረ መጋባእያ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ዝተረኸበት ኣካቢት ቦርድ መረፃ እታ ሃገር ብርቱካን ሚደቅሳ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዘለዉ ኣመራርሓ ኣብ መረፃ ሕፁያት ኮይኖም ክምዝገቡ እቲ መጋባእያ ዝሃቦ ውሳነ ይፍፀም ከምዘሎ ተዛሪባ።
ብርቱካን ሚደቅሳ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣብ ዝሃበቶ መስክርነት፡ ውድብ ባልደራስ ኣብ መረፃ ክቐርቡ ዝደልዮም ሕፁያት ከፍልጥ እቲ ቦርድ ከምዝተሓተተን፡ ኣድላይ ዘበሉ ኩሉ ድማ ይፍፀም ከምዘሎ ነቲ ቤት-ፍርዲ ገሊፃ።
ቅድም ክብል ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ በዓል እስክንድር ነጋ ሕፁያት ኮይኖም ተመዝጊቦም ክወዳደሩ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ዘሕለፎ ውሳነ ንምፍፃም ከምዝፅገሞ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
ቡርትካን ሚደቅሳ፡ መስራትን ፕረዝደንትን ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣይተ እስክንድር ነጋ ሓዊሱ ኣርባዕተ ኣባላት እቲ ውድብ ንክሳተፉ፡ እቲ ቦርድ 1 ነጥቢ 3 ሚልዮን ወረቐት ምውጋዱን ብ 5 ሚልየን ብር ተወሳኺ ወፃኢ እቶም ሕፁያት ንምክታት ይሰርሕ ከምዘሎ ምዝራባ፡ ባልደራስ ገሊፁ።
ነዚ ውሳነ ስዒቡ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ባልደራስ ኣይተ ገለታው ዘለቀ፡ እቲ ውድብ ጎስጓስ መረፃ ካብ ዝተጀመረሉ ግዘ ጀሚሩ፡ ዝተኣሰሩ ኣባላቱ ኣብ ግምት ብምእታው ጎስጓስ ከምዘካየዱን፡ ድሕሪ እዚ ውሳነ ከኣ እቲ ጎስጓስ ኣበቲዖም ከምዝቕፅልሉን ንቢቢሲ ገሊፁ።
“ንበዓል እስክንድር ስለዝተበየነ ዘይኮነስ፡ ምእንተ ፍትሒ ክበሃል ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ዳያኑ’ውን፡ ከምዚ ቆራፅ ውሳነ ክህቡ ይግባእ፤ በቲ ውሳነን እቲ ከይዲ ብኸምዚ ብምዕፃዉን ሕጉሳት ኢና ኢሉ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል።
ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ፡ ኣይተ እስክንድር ነጋ ሓዊሱ ካልኦት ኣመራርሓ እቲ ውድብ’ውን ሕፁያት ኮይኖም ክቐርቡ ንቦርድ መረፃ ምሕታቱ ይዝከር።
እቲ ቦርድ ግና፡ እቶም ኣመራርሓ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ስለዝርከቡ፡ ኣብቲ መረፃ ሕፁያት ኮይኖም ክምዝገቡ ከምዘይኽእሉ ብምግላፅ፡ ነቲ ሕቶ ነፂግዎ ኔሩ።
ንውሳነ እቲ ቦርድ ዘይተቐበለ ውድብ ባልደራስ፡ ነቲ ሕቶ ኣመልኪቱ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ልዕሊ ቦርድ መረፃ እታ ሃገር ኣብ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ፌደራል ክሲ እንተመስረተ፡ እቲ ቤት-ፍርዲ ግና ንውሳነ እቲ ቦርድ ኣጠንኪርዎ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
እንተኾነ፡ ባልደራስ ነቲ ጉዳይ ናብ ጠቕላላ ቤት-ፍርዲ ካልኣይ መጋባእያ ወሲዱ ብዘቕረቦ ጥርዓን፡ እቲ ቤት-ፍርዲ ንዝቐረቡ ጥርዓናት ብምምርማር፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣመራርሓ ባልደራስ ሕፁያት ኮይኖም ተመዝጊቦም ክወዳደሩ ከምዝኽእሉ ምብያኑ ይዝከር።
ኣይተ እስክንድር ነጋን ካልኦት ኣባላት ውድብ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራስን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ፡ ቅትለት ስሙይ ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ምስ ዝተፈጠረ ናዕቢ ብዝዛመድ ምስተኣሰሩ፡ ጉዳዮም ኣብ ቤት-ፍርዲ እናተኻተተሉ ይርከቡ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







