ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ምንባራ 'ከይፈለጠት' ምስ ብጸይታ ዝተቛየቐት ናሚብያዊት ጋዜጠኛ

ክልተ ኣቕረብቲ ዜና ቴለቪዥን ናሚብያ ብቐጥታ ኣብ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መደብ ዘጋጠመን ስግንጢር ኣዘራራቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልኦት ኣቕረብቲ ዜና'ውን ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ነቲ ፍጻመ ብምድጋም ክጨርቁ ገይሩ ኣሎ።

ኣቕራቢት ዜና መደበር ቴለቪዥን ኤንቢሲ ኤልማሪ ካፑንዳ ኣርእሰተ ዜና ብምንጋር ንዝርዝራቱ ጋዜጠኛ ስፖርት ጀሲካ ካይሙ ክትቕጽል ኣብ ዝሓተተትሉ፡ ጀሲካ "ኖ ከምኡ ኣይኮናን እንገብር። ሰላምታ ምስ ኣቕረብክለይ ባዕለይ እየ ዝቕጽል" ኢላታ።

ሽዑ ኤልማሪ ብምግራም "ጀሲካ ኣብ መስመር ኢና ዘሎና" ብምባል እቲ መደብ ብቐጥታ ይመሓላለፍ ከም ዘሎ ከተዘኻኽራ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ዘሎ ቪድዮ ይርአ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ናሚብያን ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃን ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት '#ጀሲካ ኣብ መስመር ኢና ዘሎና' ዝብል ጥብቆ ኣብ ጽሑፋቶም ይልጥፉ ኣለው።

ብሓሙስ ጋዜጠኛታት መደበር ቴለቪዥን ኤስኤቢሲ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ተመሳሳሊ ተግባር ብምፍጻም ክጨርቁ ፈቲኖም።

ገለ ጋዜጠኛታት እቲ ተግባር ጋዜጠኛታት ኤንቢሲ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መሃያ ብዝተሓሓዝ ምስ ዝገበርዎ ኣድማ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም።

ናሚብያዊት ጋዜጠኛ ጀሚማ ቢከስ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ፡ ጀሲካ እቲ መደብ ብቐጥታ ይፍኖ ምንባሩ ከም ዘይፈለጠትን ምስ ዳይሬክተር ካሜራ ትዘራረበሉ መስምዒ ኣብ እዝና ከም ዘይነበራን ገሊጻ።

ጋዜጠኛታት ኤንቢሲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበርዎ ኣድማ ምስ ቀረብ መሳርሒታት ዝተኣሳሰር እዩ።

ተጠቀምቲ ትዊተር ነቲ ኣጋጣሚ ይዘናግዑሉ ኣለው።

ካልኦት ድማ ተመሳሳሊ ተግባር ብምድጋም '#ጀሲካ ቻለንጅ' ጀሚሮም ኣለው።