ኪም ካርዳሽያንን ካንየ ዌስትን ድሕሪ ፍትሕ፡ ደቆም ብሓባር ከዕብዩ ተሰማሚዖም

ኪም ካርዳሽያንን ካንየ ዌስትን 2020

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካንየ ዌስትን ኪም ካርዳሽያንን ንዝወለድዎም ኣርባዕተ ቆልዑ ብሓባር ከዕብዩ ተሰማሚዖም።

ካርዳሽያን ብ19 ለካቲት ናይ ፍትሕ ጥርዓን ናብ ቤትፍርዲ ዘቕረበት ኮይና፡ ካንየ ነዚ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ'ዩ ከም ዝተሰማምዐ ሓቢሩ፤ በዚ ድማ እቲ ንከባቢ ሸውዓተ ዓመታት ዝጸንሐ ሓዳሮም የኽትም ኣሎ።

ክልቲኦም ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓን፡ ኣብ ሓዳር ክቃደዉ ስለዘይከኣሉ ከፍርስዎ ከም ዝተሰማምዑ ሓቢሮም።

ካንየን ኪምን ሸውዓተን ሰለስተን ዓመት ዝዕድሚአን ክልተ ኣዋልድን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክልተ ዓመት ዝመልኦም ክልተ ኣወዳትን ቆልዑ ኣለዎም።

ኣብ ሓዳር ኣብ ዝነበሩሉ ዓመታት ክልቲኦም ብመሰረት ዝገበርዎ ስምምዕ ንብረቶምን ገንዘቦምን ፈላልዮም ይሕዙ ምንባሮም እቲ ኪም ንፍትሕ ኣቕሪባቶ ዘላ ጥርዓን የርእይ።

እቶም ተጻመድቲ በብዓውዶም ተፈላጥነት ዘጥረዩ ኮይኖም ብዙሓት ንሓዳሮም ብቕርበት ክከታተልዎ ጸኒሖም እዮም።

ጓል 40 ዓመት ኪም፡ ፈለማ በቲ ኣብ ቴለቪዥን ብዛዕባ ስድራቤታ ብእተቕርቦ ተኸታታሊ መደባት ኣብ 2007 እያ ህቡብነት ኣጥርያ።

ንሳ ኣብ መተግበሪታት ሞባይልን ስነጽባቐን ዝርከብዎም ካልእ ዓውድታት ዝገበረቶ ወፍሪ'ውን ተዓዊታ እያ።

ኪም እትውንኖም ብርክት ዝበለ ሚልዮናት ዶላራት ዘንቀሳቕሱ ክልተ ኩባንያታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቢልዮነራት ክትስራዕ ኣኽኢሎምዋ እዮም።

ኣብ ሙዚቃ ራፕ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ወዲ 43 ዓመት ካንየ ዌስት ኣብ ፋሽን ዲዛይን'ውን ዝና ኣጥርዩ እዩ። ንሱ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ሓደ ካብቶም ኣብ ናይ ሙዚቃ ዓለም ኣብ ቅድሚት ዝጥቀሱ ኮይኑ ኣሎ። ካንየ ተዓዋቲ ግረሚ ኣዋርድ ኮይኑ ኣብ ዓውዲ ፋሽን'ውን ዝተዓወተ ዲዛይነር እዩ።

ክልቲኦም ናብ ሓዳር ቅድሚ ምምርሖም ንዓመታት ብምሕዝነት ክጸንሑ እንከለው፤ ካንየ ኣብ 2010 ኣብቲ ኪም እተቕርቦ ናይ ቴለቪዥን ምርኢት ቀሪቡ ነይሩ።

ካንየ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ንምዃን ብውልቁ ተወዳዲሩ እኳ እንተነበረ ኣይተዓወተን።