ኪም ካርዳሽያን ምስ ካንየ ዌስት ንምፍልላይ 'ናይ ፍትሕ ወረቐት ኣእትያ'

ኪም ካርዳሽያን ምስ ካንየ ዌስት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኪምን ካንየን ኣርባዕተ ቆልዑ ኣለዎም

ኪም ካርዳሽያን ካብ ፍሉጥ ስነ-ጥበባዊ ራፐር ካንየ ዌስት ክትፋታሕ ከም ዝሓተት መራኸቢ ብዙሓን ኣሜሪካ ጸብጺበን።

ንሳቶም ንከባቢ ሸውዓተ ዓመታት ብሓባር ኣብ ሓዳር ዝጸንሑ ኮይኖም ኣርባዕተ ቆልዑ ወሊዶም ኣለው።

ኣብ መንጎኦም ዘይምርድዳእ ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ክውረ ከምዝጸንሐን እቲ ዜና ድማ ንፈለማ ብመርበብ ሓበሬታ ቲኤምዚ'ዩ ተዘርጊሑ። ንሳቶም ግን ዛጊት ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን።

ክልቲኦም በብመገዶም ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ፍሉጣት ሰባት እዮም።

ኪም፡ ፈለማ በቲ ኣብ ቴለቪዥን ብዛዕባ ስድራቤታ ብእተቕርቦ ተኸታታሊ መደባት ኣብ 2007 እያ ህቡብነት ኣጥርያ።

ንሳ ኣብ መተግበሪታት ሞባይልን ስነጽባቐን ዝርከብዎም ካልእ ዓውድታት ቢዝነስ'ውን ተዓዊታ እያ። ከባቢ 780 ሚልዮን ዶላር ሃብቲ ከም ዘለዋ ፎርብስ ይሕብር።

ኣብ ሙዚቃ ራፕ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ካንየ ዌስት ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ሓደ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝጥቀሱ ኮይኑ ኣሎ። ካንየ ተዓዋቲ ግረሚ ኣዋርድ ኮይኑ ኣብ ዓውዲ ፋሽን'ውን ዝተዓወተ ዲዛይነር እዩ።

ክልቲኦም ናብ ሓዳር ቅድሚ ምምርሖም ንዓመታት ብምሕዝነት ክጸንሑ እንከለው፤ ካንየ ኣብ 2010 ኣብቲ ኪም እተቕርቦ ናይ ቴለቪዥን ምርኢት ቀሪቡ ነይሩ።

ቦኽሪ ጓሎም፡ ኖርዝ ሰነ 2013 ድሕሪ ምውላዳ ድሕሪ ሓደ ዓመት፤ ካነየ ንኪም ንመርዓ ኣብ ዝሓተተሉ፡ ንፍሉጥ ሜዳ ኩዕሶ ሰኪዐት ሳንፍራንሲስኮ ጃያንትስ ተኻርዩ፡ ብኦርኬስትራ ሙዚቃ ተሰንዩ ኣብ ቅድሚ ስድራቤታ እዩ ገይርዎ።

Skip Instagram post
ንትሕዝቶ Instagram ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Instagram ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Instagram ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of Instagram post

ግንቦት 2014 ኣብ ጥልያን ክምርዓው እንከለው እናተሰዓዓሙ ዝተወስደ ስእሊ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ኢንስታግራም ብብዝሒ ላይክ ዝተገበረ ስእሊ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ወዶም ሰይንት ዌስት ተወሊዱ። ብድሕሪኡ ግና ኪም ኣብ እዋን ሕርሲ ብዘጋጠማ ናይ ጥዕና ጸገማት ክልተ ደቆም ብመተካእታነት ማለት ብማህጸን ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝውለዱ እዮም ጌሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካንየ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ንምዃን እኳ እንተተወዳደረ ኣይሰለጦን። ንሱ፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ኣብ ዝገበሮ መደረታት ብዙሕ ዘስደምም ዘረባ ከምዝተዛረበን፤ ኪም ብዛዕብኡ መብርሂ ክትህብ ከምዝተገደደትን ይፍለጥ።

ንሳ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ሰብኣያ ናይ ስነ-አእምሮኣዊ ጸገም ከም ዘለዎ ድሕሪ ምንጋር፡ "በሊሕ ግና ዝተሓላለኸ ሰብ" ምዃኑ ብምግላጽ ህዝብን መራኸቢ ብዙሓንን ጸገሙ ክርድኡሉ ሓቲታ።