ቅልውላው ትግራይ፡ ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸሙ መርትዖ ተረኺቡ
- Author, Africa Eye
- Role, ቢቢሲ
ቢቢሲ ኣይ ዘካየዶ መርመራ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ዘረጋግጽ መርትዖ ረኺቡ። እቲ መርትዖ እቶም ብውሕዱ 15 ዝኾኑ ሰባት ዝተቐትልሉ ቦታ ብትኽክል ኣበይ ምዃኑ'ውን ዘቃልዕ እዩ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ሓሙሽተ ብተኸታታሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስልታትታት (ቪድዮታት) ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ስሒቡ ነይሩ።
እቲ ቪድዮታት: ስሩዕ ወተሃደራዊ ክዳንን ዕጥቅን ዝገበሩ ሰባት ንወተሃደራዊ ክዳን ዘይገበሩ ሰባት ናብ ገደል እናወሰድዎምን፡ ካብ ቀረባ ርሕቀት ብጥይት ቀቲሎም ነቶም ዝሞቱ በቲ ገደል እናኣጽደፍዎምን ዘርእይ እዩ።



እቲ ቅትለት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ጥቓ ማህበረ ደጎ እትብሃል ከተማ ከምዝተፈጸመ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ ቦታ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓይልታት ህወሓት ዝዋግእሉ ዘለዉ እዩ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ብዓቕሚ ሰቡን ብዝሒ ኣጽዋራቱን ዝሓየለን ዝበዝሐን ዝብሃል ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞምን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህወሓት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣወጀን'ዩ ኵናት ጀሚሩ።
እቲ ኵናት ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ንኽፈናቐሉ ምኽንያት ከምዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ብዘይካ እዚ ልዕሊ 70 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ክስደዱ እንከለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ልዕሊ 4 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ክኾኑ ገይሩ'ዩ።


እቲ ቅትለት ኣበይ ከምዝተፈጸመ ንምፍላጥ . . .
መርምራዊ ጉጅል ቢቢሲ ኣይ፡ ምስ ቤሊንካትን ኒውሰንን ዝተብሃሉ ናይ 'ሚድያ ኣውትለት' መርመርቲ ብምዃን እቲ ቅትለት ኣበይ ከምዝተፈጸመ ንምፍላጥ ምጽራይ ጀሚሮም።
እቶም መጀመርታ ነቲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝለጠፍዎ ሰባት እቲ ቪድዮ ኣብ ጥቓ ከተማ ማህበረ ድጎ ዝተሳእለ ምዃኑ ይሕብሩ ነይሮም።
ቢቢሲ ኣይ ነቲ ኣብቲ ቪድዮታት ዝርአ ቅርጺ መሬት፡ ናይ ሓመድ ጽርግያ፡ ኩርባታትን ጸድፍታትን ብምርኣይ፡ ናይቲ ኸባቢ ናይ ሳተላይት ስእሊ ብምኽፋት ምስቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ቦታ ዝመሳሰል ቦታታት ምንዳይ ጀሚሮም።




ኣንፈትን ቁመትን ጽላሎት ናይቶም ብረት ዝዓጠቑ ሰባት: እቲ ቅትለት ሰዓት ክንደይ ከምዝተፈጸመ ንምፍላጥ ሓጋዚ እዩ ነይሩ። ነቲ ሰንሰለታዊ ቅርጺ ናይቲ ገደል ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተዘርግሐ ምዃኑ ካብቲ ጽላሎት ናይቶም ሰብ ብረት ክትርዳእ ስለትኽእል: ኣፍሪካ ኣይ እቲ ቅትለት ተፈጺምሉ ክኸውን ዝኽእል ቦታ ንምልላይ ኣንፈት ሂቡ።
እቲ ኣብተን ቪድዮታት ዝረአ ጥርዚ ናይቲ ጎቦታት ኣብ ልዕሊ ኣብ ሳተላይት ዝተረኸበ ስእሊ ናይቲ ከባቢ ብምድራብ ከም ዝነጻጸር ተገይሩ። ኣብኡ ዝርአ ንቑጽ ሩባ: ቆጽለ-መጽሊን ምስሊ ኣግራብን ድማ ሓደ ዓይነት ኮይኑ ተረኺቡ።




ደረቕ ሩባ፡ ዕሙር ኣትክልትን ኣብቲ ካባቢ ዝርኣዩ ኣግራብን ኸኣ እቶም ካልእ ከም መመሳሳሊ ኣብቲ ቪድዮ ዘሎ ምስልን ካብ ሳተላይት ዝተረኸበ ስእልን እዩ።
ቢቢሲ ኣይ ንሓደ ነባሪ ከተማ ማህበረ ድጎ ብቴለፎን ኣዘራሪቡ ነይሩ፡ ንሱ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ጥሪ 73 ደቂ ተባዕትዮ ካብታ ከተማን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ዓድታትን ክመዝወሰዱ፡ ሰለስተ ኣዝማዱ'ውን ምስኦም ከምዝነበሩ ብምሕባር: ክሳብ ሕጂ ድሃይ ከምዘይብሎም ገሊጹ።
ቢቢሲ ኣብ ጥቓ ከተማ ማህበረ ድጎ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ዝነብር ሓደ ሰብ'ውን ኣዘራሪቡ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ሓዉ ምስቶም ብጅምላ ዝተቐተሉ ከምዝኾነ እዩ ዝሕብር።
ንሱ'ውን እቲ ቅትለት ኣብ ጥቓ ከተማ ማህበረ ድጎ ከምዝተፈጸመን: እዋኑ ኸኣ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ምዃኑ ተመሳሳሊ ምስክርነት ሂቡ።
"ኣብቲ ገደል እዮም ቐቲለሞም" ክብል'ውን ተዛሪቡ።
ንግዳያትን ነቶም ቅትለት ዝፈጸሙ ወተሃደራትን ንምልላይ . . .
ቢቢሲ ውልቃዊ መንነት ናይቶም ኣብቲ ቪድዮ ዝርኣዩ ዕጡቓት ወተሃደራት ከላሊ ኣይክኣለን፡ እንተኾነ እቲ ተኸዲነሞ ዝነበሩ ወተሃደራዊ ክዳንን ኣብ ክዳን ናይ ምናቶም ዝተለጠፈ ባንዴራ ኢትዮጵያ ዘለዎ ወተሃደራዊ ምልክትን (መለለዪ) ምስቲ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኽደንዎ ዝመሳሰል እዩ።
ካልእ እቶም ኣብ ቪድዮ ዝርኣዩ ተኸዲነሞ ካብ ዝነበሩ ምስ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘመሳስሎም ኣብ ወተሃደራዊ ክዳኖም ዘሎ ቅርጽን ዓይነት ጁባታትን'ዩ።



ሓደ ካብቶም ኣብቲ ቪድዩ ዝርኣዩ ወተሃደራት: ኣርማ ዘለዎ ሃሳስ ወተሃደራዊ ቆብዕ ዝገበረ ኣሎ፡ እቲ ኣርማ ኸኣ ምስ ናይ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመሳሰል እዩ።
እቶም ነቲ ቅትለት ዝፈጸሙ ወተሃደራት ሃገራዊ ቋንቋ ኢትዮጵያ ዝኾነ ቋንቋ ኣምሓርኛ እዮም ዝዛረቡ ነይሮም።
ኣብ መጀመርታ ናይተን ሓሙሽተ ቪድዮታት: እቶም ወተሃደራት ነቶም ሲቪላዊ ክዳን ተኸዲኖም ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ መሬት ኮፍ ኣቢሎም ከቢበሞም እንከለዉ ንሓድሕዶም ብኣምሓርኛ ክዘራረቡ ይስምዑ።
ኣብታ ካሜራ ዘይርአ ሓደ ወተሃደር "ነዞም ሰባት ናጻ ክንገድፎም የብልናን፡ ንሓደ'ውን ይኹን ክንምሕር የብልናን" ኢሉ ብኣምሓርኛ እናተዛርበ ይስማዕ እዩ።
ሓደ ካልእ ኸኣ: "እዞም ሰባት እዚኦም ክንቀትሎም እንከለና ብቪድዮ ክንስእሎም ኣለና" ይብል።
እተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ቪድዮታ:ት እቶም ሲቪላዊ ክዳን ዝተኸደኑ ብወተሃደራት ዝተኸበቡ መንእሰያት ብኣፈሙዝ እናተኸኾብኮቡ ናብ ሓደ ገምገም ናይ ገደል ክውሰዱ እንከለዉ እዮም ዝርኣዩ።
እቶም ዕጡቓትን ወተሃደራዊ ክዳን ዝገበሩን ወተሃደራት ብዙሓት ካብቶም ክኹብክዎም ዝጸንሑ ደቂ ተባዕተዮ ቀቲሎም ነቲ ሬሳ ናብቲ ገደል እናደፍእዎ እንከለዉ ኣብቲ ቪድዮ ይረኣዩ'ዮም።
ኣብቲ ቪድዮ ሓደ ወተሃደር ካብ ቀረባ ርሕቀት ኮይኑ ናብቶም ኣብቲ ገምገም ገደል ወዲቖም ዝነበሩ ክትኵስ ይርአ፡ ካልኦት ከኣ ነቶም ዝሞቱ ክጻረፉን ብእኦም ክላገጹን ይስምዑ።
ነቲ ቪድዮ ዝስእል ዝነበረ ሰብ "ነዚኦምሲ ላምባ ኣምጺእካ እንተ ተቃጽሎም ክንደይ ደስ ምበለኒ" ይብል'ሞ ካልእ ንዕኡ ትቕብል ኣቢሉ "ነዞኦም መቃጸሊ ዝኸውን ላምባ እንተዝህልወና ጽቡቕ ነይሩ፡ ልክዕ ከምዚ ህንዳውያን ዝገብርዎ ገይርና መቃጸልናዮም ነይርና" ይብል።
ውልቃዊ መንነት ናይቶም ሲቪላዊ ክዳን ተኸዲኖም እንከለዉ ዝተቐተሉ ሰባት ክፍለጥ ኣይተኸኣለን፡ ግና እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝዝረብ ቋንቋ ትግራኛ ክዛረቡ ይስምዑ እዮም።
ኣብቲ ስእሊ እቶም ነቲ ቅትለት ዝፈጸሙ ወተሃደራት እቶም ዝቐተልዎም ኣባላት ህወሓት እዮም ኢሎም ከምዝኣምኑ ክዛረቡ ይስምዑ'ዮም።
ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ብናይ ብዓለገ ቋንቋ ንህወሓት እናጸረፈ "እዚ መወዳእታ ናይ ወያነ እዩ" ክብል ይስማዕ።
"ምሕረት ኣይከነርእን ኢና" ክብል ከኣ ይውስኽ።


ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ላቲታ ባዳረር: ዳይረክተር ሁማን ራይትስ ዎች ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ።
ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብቲ ዞባ [ክልል ትግራይ] ኩሉ ዓይነት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተኻየደ ብምሕባር: ነቲ ቢቢሲ ኣይ መርመራ ዘካየደሉ ወተሃደራት ንሲቪላዊ ክዳን ዝተኸደኑ ደቂ ተባዕትዮ እናቐተሉ ዘርኢ ቪድዩ "ግሁድ ቅትለትን ዘሰንብድን'ዩ" ክትብ ገሊጻቶ።
"ብረት ዘይብሎም ሰባት እናተረሸኑ ኢና ርኢና።"
"እዚ ተወሳኺ መርመራን ምጽራይን ዘድልዩ ናይ ቅትለት ክስተት እዩ፡ ብመሰረት እዚ ኣብዚ ቪድዮ ዝርኣናዮ፡ እቲ ቅትለት ብናይ ኵናት ገበን ዘሕትት ክኸውን ይኽእል እዩ" ትብል ላቲታ ባዳረር።
ቢቢሲ ነቲ ብመርመራ ዝረኸቦ መርትዖታት መልሲ ንኽህበሉ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶኡ ኣቕሪቡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝዝርግሑ ቪድዮታትን ጥርዓናትን ከም መርትዖ ክውሰዱ ኣይክእሉን'ዮም" ድሕሪ ምባል፡ ክልል ትግራይ "ንዝኾነ ዘይሻራዊ ምጽራይ ክገብር ዝደሊ ክፉት'ዩ" ኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







