ቢልየነር፡ በዓልቲ ቤት ጄፍ ቤዞስ ነበር፡ ንናይ ሳይንስ መምህር ተመርዕያ

በዓልቲ ቤት ጄፍ ቤዞስ ዝነበረት ማኬንዚ፡ ደቃ ኣብ ዝመሃርሉ ቤት ትምህርቲ ሳይንስ ንዝምህር ዳን ተመርዕያ።

ምንጪ ስእሊ, GIVING PLEDGE

መግለጺ ስእሊ, ማኬንዚ ምስ ሓድሽ በዓል እንዳኣ ዳን

በዓልቲ ቤት ጄፍ ቤዞስ ዝነበረት ማኬንዚ፡ ደቃ ኣብ ዝመሃርሉ ቤት ትምህርቲ ሳይንስ ንዝምህር ውልቀሰብ ተመርዕያ።

ማኬንዚ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት እያ፡ ምስ ቁፅሪ ሓደ ሓፍታም ዓለም ዝኾነ ጄፍ ቤዞስ ተፋቲሓ።

ካብ ሞንጎ ሃፋትም ዓለም ሓንቲ ዝኾነት ማኬንዚ፡ ዛጊድ ኣርባዕተ ቢልየን ዳላር ብመልክዕ ረድኤት ለጊሳ እያ።

'ጊቪንግ ፕሌጅ' ኣብ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ግብረ ሰናይ እዩ፡ ቢልየነር ማኬንዚ፡ ንመመህር ሳይንስ ዳን ጄዌት ከምዝተመርዓወት ዕላዊ ኮይኑ ዘሎ።

ማኬንዚ ኣብ ዘውፅኣቶ መግለፂ፡ “ዳን ብጣዕሚ ፅቡቕ ሰብ እዩ፤ ክልቴና ሕጉሳት ኢና” ክትብል፡ ብዛዕባ ሓዳራ ተዛሪባ።

ከም ትንበያ መፅሄት ፎርብስ፡ ማኬንዚ ኣስታት 53 ቢልየን ዳላር ሃፍቲ ትውንን።

ማኬንዚ፡ ካብዚ ሃፍታ፡ ንትካላት ግብረ ሰናይ ከምትልግስ ድማ፡ተመፃቢዓ እያ።

ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሑ ትካላት፣ ባንክታት ምግብን ናይ ፀለምቲ ኮሌጃትን፡ሓገዝ ንክትገብር ቃል ካብ ሞንጎ ዝኣተወትሎም እዮም።

ምስ ጄፍ ቤዞስ ን25 ዓመታት ኣብ ሓዳር ዝፀንሐት ማኬንዚ፡ ቤዞስ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ትካል ኣማዞን እንከጣይሽ ሓጊዛቶ እያ።

ማኬንዚ ክልተ ልበ ወለድ መፃሕፍቲ ዘሐተመት እንትትኾን፡ መፅሓፋ ዝሽየጠሉ ኣማዞን፡ “ኣብ ሲያትል ምስ ኣርባዕተ ደቃን በዓል እንድኣ ዳንን ከምትነብር” ይገልፅ።

ሓድሽ በዓል ገዝኣ ዳን ከኣ፡ ደቂ ማኬንዚ ኣብ ዝመሃርሉ ሓደ ናይ ሃፋትም ቤት ትምህርቲ፡ መምህር ሳይንስ ከምዝኾነ ይሕብር።

ጄፍ ቤዞስን ማኬንዚን፡ ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን እንክፋትሑ፡ ቤዞስ ቁፅሪ ሓደ ሃፍታም ዓለም ኔሩ።

ኣብ ኣማዞን ዘለዎ 16 ሚእታዊት ብፅሒት ድማ፡ ፍልፍል ሃፍቱ ኔሩ።

ን25 ዓመታት ዝፀንሐ ሓዳሮም እንትፈርስ፡ ማኬንዚ ካብ ብፅሒት ኣማዞን 4 ሚእታዊት ወሲዳ እያ።

መስራቲ ኣማዞን ጄፍ ቤዞስን፡ ወናኒ ኩባንያ ተስላ ኢሎን ማስክ፡ እናተባረዩ ሃፋትም ዓለም ብምዃን ይነሓነሑ ኣለዉ።

ቢልየነር ማኬንዚ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን መበል 22 ሃፍታም እንትትኾን፡ በዓል ቤታ ነበር ጄፍ ቤዞስ ድማ፡ 177 ቢልየን ዳላር ብምውናን ቀንዲ ሃብታም ዓለም እዩ።

መርበብ ሓበሬታ 'ጊቪንግ ፕሌጅ' ፡ ቅድሚ 11 ዓመታት ብ ቢልን ሚሊንዳ ጌትስን ከምኡ’ውን፡ ብሃፍታም ዋረን ባፌትን፡ ካብ ሃፍቶም ክልግሱ ንዝደልዩ ሃፋትም እዩ ተጣይሹ።

ሃፍታም ዓለም ጄፍ ቤዞስ፡ ዛጊድ ናብዚ ትካል ኣይተፀንበረን።