ኤርትራውያን ስደተኛታት ‘ቆጽለ መጽሊ ክበልዑን ዑቋር ማይ ክሰትዩን ተገዲዶም’- ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, © UNHCR/Chris Melzer
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኩነታት ናይቶም ኣብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ክፈልጥ ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ።
ኣፈኛ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክሪስ መልዘር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብኦም ኣብ ከባቢ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ፋሕ ኢሎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ኣፍሊጡ።
“ዝበዝሑ ዝብላዕ የብሎም፡ መጽለሊ የብሎም፡ ኣብ ፈቐድኡ’ዮም ዝድቅሱ። ዝስተ የብሎምን፡ ዝዓቖረ ረሳሕ ማይ’ዮም ዝሰትዩ” ዝበለ እቲ ኣፈኛ፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቖም ከም ዘለዉ ተዛሪቡ።
“ገለ ካብኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኸዱ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ናብተን ኣብ ደቡብ ዝርከባ መዓስከራት ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይኑ ወጺኦም።”
እቲ ትካል ናብ ክልቲአን መዓስከራት ክበጽሕ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ፍቓድ ከም ዘይረኸበ ኣፍሊጡ።
ኣብ ክልቲአን መዓስከራት ኣስታት 20,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ነይሮም።
ኣብ ሽመልባ 8000 ኣብ ሕጻጽ ድማ 12,000 ምንባሮም እቲ ትካል ገሊጹ። ብዙሓት ካብኦም ቆልዑ ምዃኖም’ውን ክሪስ መልዘር ጠቒሱ።
ዋላ’ኳ ባዕሎም ከረጋግጽዎ እንተዘይክኣሉ፡ ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ካብቶም መዓስከራት ወጺኦም ፋሕ ከም ዝበሉ ገለ መሰኻኽር ዓይኒ ዝኾኑ ስደተኛታት ከም ዝሓበርዎም ተዛሪቡ።
ገለ ካብቶም ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉን ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ከም ዝተወስዱን ዝገልጹ ጸብጻባት ከም ዝብጽሖም ዝገለጸ መልዘር፡ እቲ ኣሻቓሊ ጸብጻብ ሓቂ እንተ ኾይኑ “ከቢድ ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕጊ” ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ኣብተን 25,000 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚቦምለን ዘለዋ መዓስከራት ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓኒን ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ብምትሕብባር ናይ መግቢን ካልኦት መሰረታዊን ነገራት ሓገዝ ከብጽሑ ከም ዝኸኣሉ እቲ ኣፈኛ ሓቢሩ’ሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ሃዲሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ብሓይሊ ናብተን መዓስከራት ምምላሱ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘይድግፎ መልዘር ገሊጹ።
ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኑ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ወጺኦም ፋሕ ከም ዝበሉን፡ ገሊኦም ከም ዝተመልሱን፡ ካልኦት ግን ፈለማ ሰላም ክረጋገጽ ኣለዎ ብሃልቲ’ዮም ክብል ተዛሪቡ።
ብሰንኪ'ቲ ብ4 ሕዳር እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፡ እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ተዓቚቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ መዓስከራት ኣብቲ ኵናት ዝካየደሉ ቦታ ስለ ዝርከብ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዛት ክበጽሖም ብዘይምኽኣሉ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣብቲ ኲናት ዝተጀመረሉ ትግራይ ዘዕቆቡ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነይሮም።
ብሰንኪ እቲ ወተሃደራዊ ጎንጺ ከቢድ ሰብኣውን ጸጥታውን ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ናብ ካልእ ክልላት ኢትዮጵያን ኣዲስ ኣበባን ብዙሓት ከም ዝሃደሙ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምንጭታት ይገልጹ።
ኩነታት ትግራይ
እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲን ሓይልታት ህወሓትን ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት ኣብቲ ክልል ዓቢ ሰባዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይግለጽ።
ትካላት ረድኤትን ቀይሕ መስቀልን፡ ነቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ እኹል ፍቓድ ከምዘይብሎም እዮም ዝገልጹ።
ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ'ውን ብወገኑ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ኣብ ትግራይ ሓገዝ ዘድልዮም ሚልዮናት ሰባት ክበጽሓሎም ብዘይምኽኣሉ እቲ ኩነታት እናበኣሰ ይኸይድ ምህላው ገሊጹ።
ቅድም ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት 2.5 ሚልዮን ከም ዝኾኑን ኣድላዪ ዘበለ ሓገዛት ይገብር ምህላው'ውን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ልዕሊ 60 ሽሕ ናብ ሱዳን ክኣትዉ እንከለዉ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተፈናቒሎም ኣለዉ። ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ሰባት'ውን ህጹጽ ረዲኤት ከምዘድልዮም ሰብመዚን ሕቡራት ሃገራትን ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ዝርከብዎም ሓያሎ ወገናት፡ ኣብቲ ኲናት ብሄር መሰረት ዝገበረ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጻት፡ ዝምታን ጭውያን ይፍጸሙ ምህላዎም ዝገልጹ ጸብጻባት ከምዘሻቐልዎም ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ መራሒ ህወሓት ዝኾነ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ንሓደ ናይ ማሕበራዊ ሜድያ ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ገበናት ”ምጽናት ዓሌት” ይካየድ ኣሎ ክብል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ ነይሩ።
ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ቢልለኔ ስዩም ብወገና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝቐረበ ክስታት፡ መሰረት ከምዘይብሉን፡ ነቲ ብህውሓት ዝፍጸም ዝነበረ ከበድቲ ገበናት ንምሽፋን ዝተዋህበን'ዩ ክትብል ነጺጋቶ'ላ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ጸኒሖም ድሕሪ ምጽናሕ ብ3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ብምባል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።
ኣብ መወዳእታ ውርሒ ሕዳር እቲ “ስርሒት ምኽባር ሕጊ” ብዝብል ዝተወልዐ ኲናት ብዓወት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝተወድአ’ኳ እንተ ተገልጸ፡ እቲ ረጽሚ ጠቕሊሉ ከምዘይተወደአ ይግለጽ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ኣቶ ስዩም መስፍን ዝርከብዎም ነባራት መራሕቲ ህወሓት ክቐትል እንከሎ፡ ከም ኣቶ ስብሓት ነጋ ዝበሉ ካልኦት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ።
ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ “መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ዝረጋገጽ” መኸተኦም ክቕጽሉ ምዃኖም ገሊጹ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







