ኤርትራ፡ ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ልዕለይ "ወፍሪ ጸለመ" የካይድ ኣሎ ክትብል ከሲሳ

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል

ሁማን ራይትስ ዎች ዝተባህለ ተጣባቒ ሰባዊ መስላት ንኤርትራ ናይ "ምጽላም ወፍሪ" የካይድ ኣሎ ክትብል ኤርትራ ከሲሳ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ተጣባቒ ጉጅለ ንትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ግጉይ ሓበሬታ ሂቡ ክብል ከሲሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ውርሒ'ውን፡ ኣብ ልዕሊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር) ተመሳሳሊ ክሲ ኣቕሪቡ ነይሩ።

እቲ ትካል ኣብ ኤርትራ "ህዝቢ ናይ ምጉሕጓሕ" ስትራተጂ ይኽተል ኣሎ ክብል እቲ ሚኒስተር ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ምንባሩ ይዝከር።

ወታሃደራት ኤርትራ ብሓይሊ ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ትግራይ ወሲዶም ዝብሉ እሙናት ጸብጻባት ከምዝበጽሕዎ ሕቡራት ሃገራት ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ።

እቲ ትካል ስደተኛታት፡ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ዝውሕዙ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ዕቑባ ክወሃቦም ዝምሕጸን ፖሊሲ ምኽታሉ ንመንግስቲ ኤርትራ ባህ ኣየበሎን።

ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ትማሊ ረቡዕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ወተሃደራት ኤርትራ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ካብ ትግራይ ከምዝወሰዱ ጭብጢ ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ፈደራልን ትግራይን ብ4 ሕዳር ኵናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣስታት 100 ሽሕ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ተዓቚቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ምእታዎም ይፍለጥ።

ብፍላይ ኩነታት ናይቶም ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ዝርከቡ ኣሻቓሊ ኮይኑ ከምዘሎን፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ዘለውዎ ክኣቱ ከምዘይተፈቕደሉን ክሕብር ጸኒሑ'ሎ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መጀመርታ ዝተወልዐ ኵናት ከምዝተሳተፈ'ኳ ዝግለጽ እንተኾነ፡ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ግን ሓቅነት የብሉን ብምባል ይነጽግዎ።

ሁማን ራይትስ ዎች ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሰባዊ መሰል፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምግሃስ መሰረታዊ ሰባዊ፣ ፖለቲካዊን ሲቪላውን መሰላት ዜጋታቱ ክኸስዎ ምጽንሖም ይፍለጥ።

መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝኾኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ መንግስቲ ዝኽተሎ ግዱድን ገድብ ኣልቦን ዕስክርናን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ናብ ስደት ከምዘምርሑ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።