ንኮቪድ-19 ፈሪሑ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝተሓበአ ሰብ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ኮቪድ-19 ፈሪሑ ኣብቲ ኣዝዩ ጽኑዕ ሓለዋ ዘለዎ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቺካጎ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከይተፈለጠ ክንቀሳቀስ ዝጸንሐ ሰብ ከምዝተረኸበ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ገሊጾም።
እቲ ወዲ 36 ዓመት ኣዲትያ ሲንግ ዝብሃል ኮይኑ፤ ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተጠራጢሩ ውልቃዊ ሰነዳቱ ምስ ሓተቶ እዩ ተፈሊጡ። በቀዳም ኸኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።
ኣዲትያ ሲንግ፡ በቲ ሰራሕተኛ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ወረቀቱ ከርኢ ምስ ተሓተተ፡ ሰራሕተኛ እቲ መዓርፊ ነፈርቲ ምዃኑ ዘርኢ መለለዩ ወረቐት ኣርእይዎ፡ እታ መለለይት ወረቐት ግን ናይ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፍን ኣብቲ ትካል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ከምተጠፈአት ተመልኪታ ዝነበረትን እያ።
ፖሊስ፡ ኣዲትያ ሲንግ ካብ ሎስ ኣንጀሎስ 19 ጥቅምቲ ናብቲ ቦታ ከምዝመጽአ እዮም ዝሕብሩ።
ኣዲትያ ሲንግ ነታ መለለዩ ወረቀት ናይቲ ሓላፊ ኣብቲ መዓርፊ ነፈርቲ ከምዝረኸባን ብምኽንያት ኮቪድ-19 ናብ ገዝኡ ከይከይድ ፈሪሑ ኣብቲ መዓርፊ ነፈርቲ ክዕቆብ ከምዝመረጸ ነቶም ዝሓተትዎ ሓለፍቲ ከምዝገለጸሎም ኣብ ቺካጎ ትሪቡን ሰፊሩ ኣሎ።፥
ፈራዶን ኣኽበርቲ ሕግን በቲ ክስተት ኣዝዮም ከምዝተገረሙን፡ እሞ ድማ ኣብ ከም ቺካጎ ዝኣመሰለ ጽኑዕ ሓለዋ ዘለዎ መዓርፎ ነፈርቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከይተፈለጠ ምጽንሑ ከምዝተደነቁን ገሊጾም።
ኣዲትያ ሲንግ ካብ 19 ጥቅምቲ 2020 ክሳብ 16 ጥሪ 2021 እዩ ኣብቲ መዓርፊ ነፈርቲ ክነብር ጸኒሑ።
ኣዲትያ ሲንግ ነባርነቱ ኣብ ሎስ ኣንጆለስ ኮይኑ ንምንታይ ዕላማ ናብ ቺካጎ ከምዝምጽአ ገና ኣብ ምጽራይ እዩ ዘሎ።
ንኣዲትያ ሲንግ ኣብ ሓደ ጽኑዕ ሓለዋ ዘለዎ ስፍራ ብዘይ ፍዋድ ክነብር ጸኒሑን ንኡስ ስርቂ ፈጺሙን ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ኣሎ፡ ንግዚኡ ኸኣ ናብቲ መዓርፊ ነፈርቲ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ኣሎ፡ ነዚ እገዳ እዚ ጥሒሱ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ዝኣቱ ኸኣ 1000 ዶላር ክቅጻዕ ግዝያዊ ፍርዲ ተዋሂብዎ ኣሎ።
ዳኛ ኦርቲዝ "መዓርፎ ነፈርቲ ንድሕነት ተጠቀምቱ ክብል ጽኑዕ ሓለዋ ክህልዎ ትጽቢት ይግበረሉ እንተኾነ ኣዲትያ ሲንግ ነቲ ኣብቲ መዓርፊ ዘሕለፎ መዓልታት ኣብ ግምት ብምእታው ንሕብረተሰብ ዝጓዳእ ሰብ ከምዘይኮነ ኢና ክንርዳእ ክኢልና" ኢላ።
ምምሕዳር እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብወገኖም፡ ኩነታት ኣዲትያ ሲንግ ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣዲትያ ሲንግ ኣብቲ መዓርፊ ነፈርቲ ኣብ ዝነበረሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ሕሉፍ ኣሳእልን ሰነዳትን ብምፍታሽ ዝኾነ ዘብጽሖ ጸጥታዊ ጸጋማት ከምዘይነበረ ገሊጾም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







