ፍልጥቲ ራፐር ኒኪ ሚናጅ ንትሬሲ ቻፕማን 450 ሽሕ ዶላር ክትከፍላ ተስማሚዓ

ኒኪ ሚናጅ ንትሬሲ ቻፕማን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኒኪ ሚናጅ ንትሬሲ ቻፕማን

ራፐር ኒኪ ሚናጅ፡ ምስ መሰል ቅዳሕ ብዝተሓሓዝ ምስ ኒኪ ሚናጅ ዘለዋ ሞገት ንምዕራፍ 450 ሽሕ ዶላር ክተከፍላ እያ።

ትሬሲ ቻፕማን፡ ኒኪ ሚናጅ ገለ ክፋል እቲ ‘‘ቤቢ ካን ኣይ ሆልድ ዩ ቱናይት’’ ዝብል ደርፋ ከምዝተጠቐመትሉ ብምግላጽ ኣብ 2018 ከሲሳታ ነይራ።

እቲ ገለ ክፋል ደርፊ ትሬሲ ቻፕማን ወሲዱ ዝተባህለ ‘‘ሶሪ’’ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ደርፊ ኒኪ ሚናጅ ናብ ሰማዕቲ ኣይበጸሐን፤ ኮይኑ ግና ሞሊቑ ኣብ ሬድዮ ዲጄ ፋንክማስተር ፍሌክስን ማሕበራዊ ሚድያን ብስፍሓት ተሰሚዑ እዩ።

ቻፕማን፡ እቲ ደርፊ ንፍሌክስ ኣካፊላቶ ብዝብል ዝኸሰሰታ ኮይና ሚናጅን ፍሌክስን ግን ነቲ ክሲ ነጺጎምዎ።

‘‘ሶሪ’’ ኒኪ ሚናጅ ኲን ዘርእስቱ ራብዓይ ካሴታ ኣብ 2018 ኣብ እትቐድሐሉ እዋን፡ ምስ ራፐር ናስ እዮም ጽሒፎምዎ።

ነታ ደርፊ፡ ኣብታ ጀማይካዊ ሼሊ ተንደር ዝሰራሓ መርኣያ ተመርኲሶም እዮም ኣዳልዮምዋ፤ እታ መርኣያ ንገዛእ ርእሳ ኣብታ ብ1988 ሽልማት ግራሚ ዝወሰደት ‘‘ቤቢ ካን ኣይ ሆልድ ዩ ቱናይት’’ እትብል ደርፊ ትሬሲ ቻፕማን ተመርኲሳ ከምእተሰርሐት ግን ኣይፈለጡን፡፡

ኣብተን ደርፊታት ዝነበረ ምምስሳል ምስኣስተባሃልሉ ግን፡ ካብ ቻፕማን ፍቓድ ንምርካብ ተደጋጋሚ ሕቶ ኣቕሪቦም፡ ነጺጋቶም፡፡

ትሬሲ ቻፕማን ኣብ ስራሕታ ፍቓድ ፈፂማ ከይምዘይትህብ እዮም ጠበቓታታ ዝዛረቡ፡፡

ቅድም ክብል ዳይና፡ ኒኪ ሚናጅ ነቲ ደርፊ ብውሱን መልክዑ ጥራሕ ከምዝተጠቐመትሉን እቲ ደርፊ ንጥቕሚ ትሬሲ ቻፕማን ዝጎድእ ብዛዕባ ምዃኑ ዝኾነ መርትዖ ከምዘየለን ወሲና ዝነበረት ኮይና፡ ጠበቓታት ሚናጅ እውን ደረፍቲ ፍቓድ በዓል ዋና እንተረኺቦም መርኣያ(ሳምፕል) ንምስራሕ ክፍቀደሎም ከምዝግባእ ተኸራኺሮም ነይሮም፡፡

ቤት ፍርዲ እቲ ንመርኣያ ዝተሰርሐ ደርፊ ከመይ ኢሉ ክወጽእ ከምዝኸኣለን መሰል ዋንነት ዝጥሕስ ብዛዕባ ምዃኑን እናመርመረ ጸኒሑ እዩ፡፡

ኮይኑ ግና ትሬሲ ቻፕማን ካብ ኒኪ ሚናጅ ዝቐረበላ ካሕሳ ንምቕባል ፍቓደኛ ብምዃና እቲ መስርሕ ፍርዲ ክዕጾ እዩ።