ኤርትራዊት ስደተኛ ሚልካ ሙሴ ኣብ ናይሮቢ ምርኢት ቅዲ ክዳውንቲ ኣዳልያ

ሰብ፡ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ነታ 'ኣረጊት' ዝብላ ዓመት ንኽፋኖን፡ ነታ ሓዳስ ዓመት ንኽቕበልን ብጽንብልን ምትእኽኻብን እዩ ዘሕልፎ።
ዓመተ 2020 ኣብ ምፍናው ኮነ ን2021 ኣብ ምቕባል ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዙሕ ንጥፈታት እኳ እንተዛሕተለ ገለ ዓይኒ ዝስሕብ ንጥፈታት ግን ኣይተሳኣነን።
ኣብ 2018 ናብ ኬንያ ስደተኛ ኮይና ዝኣተወት ኤርትራዊት ሚልካ ሙሴ፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ 2015 ዝጀመረቶን ኣብ 2017 ብዲፕሎማ ዝተመረቐትሉን ሞያ 'ፋሽን ዲዛይን'፡ ኣብ ኬንያ ምስ መጽአት'ውን ብተግባርን ብትምህርትን ተማዕብሎ ስለዘላ፡ ውህሉል ውጽኢት ጻዕራ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ንሰባት ዓዲማ ኣርእያቶ።

ምንጪ ስእሊ, Milka
ኣብቲ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ዝተኻየደ ብሙዚቋ ዝተሰነየ ምርኢት ፋሽን ሾው ምስ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክንድቲ ዝድለ ሰብ እኳ ክእከብ እንተዘይከኣለ፡ ነቲ ተሳታፍይ ግን ዓይኒ ዝመልእ ምርኢት እዩ ነይሩ።
ሚልካ ሙሴ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ሓጺር ዕላል "ፍርቂ መዓልቲ ይምሃር ፍርቂ መዓልቲ ኸኣ ናይ ፋሽን ስርሓት ይሰርሕ" ብምባል ግዚኣ ንምህርትን ንስራሕን ኣዛኒቓ፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ኣንከላ ብዲፕሎማ ዝተመረቐትሉ ሞያ ኣብዚ ኣብ ስደት ኮይና'ውን ተማዕብሎ ከምዘላ ገሊጻ።
ዕላማ እዚ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ዘዳለወቶ ናይ ፋሽን ምርኢት ኸኣ ብኸምዚ ትገልጽ "ዕላማይ ባህልና ንምልላይ ኮይኑ፡ ኣነ ኸኣ ናብዚ ካብ ዝመጽእ ነቲ ናትና ባህላዊ ክዳን ምስ ናይ ኣፍሪካን ድረስ ሓናፊጸ እየ ዝሰርሖ በዚ ምርኢት ኣቢለ ኸኣ ፍርያተይ ከላሊ ኢለ'የ ኣካዪደዮ" ኢላ።

ኣብ ኣስመራ እንከላ ምስ ካልእ ብጾታ ኮይና ናይ ፋሽን ምርኢት ኣቕሪባ ምንባራ እትገልጽ ሚልካ እዚ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ዘቕረበቶ መደብ ንበይና ዘካየደቶ ናይ መጀመርታ ምርኢት ኮይኑ በቲ ምርኢት ዕግብቲ ምኳና ትገልጽ።
ሚልካ፡ ሶሻል ሚድያን ኦንላይንን "ቀንዲ ፍርያተይ ዝሸጠሉ'ዩ" ብምባል "ጎኒ ጎኒ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ቦታ ብኦንላይን'ውን ይሸይጥ እየ፡ ኣብ ካናዳ፡ ጀርመን፡ ስዊድንን ሆላንድን ኸኣ ፍርያተይ ዝሽየጠሉ ቦታታት ኣሎ፡ እቲ ዝበዝሐ ካብ ፍርያተይ ግን ብሶሻል ሚድያ እዩ ዝሽየጥ" ትብል።

"ብገንዘባዊ መዳይ ብዓል ቤተይ ጽቡቕ እዩ ዝድግፈኒ፡ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ንሸውዓተ ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢረ ኣለኹ፡ ካብዚአን እተን ሽዱሽተ ኣብዚ ባዕለይ ምሂረ ስራሕ ዘጀመርክወን እየን" ብምባል ብንኡስ ዓቕማ ፈጢራቶ ዘላ ናይ ስራሕ ዕድላት ንኻልኦት'ውን ዘተባብዕ እዩ ትብሎ።
ኣብ መጻኢ ዘለዋ መደባት ከተካፍል እንከላ ኸኣ "በዚ ዝምሃሮ ዘለኹ ናይ ፋሽን ዲዛይን ትምህርቲ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ክምረቕ እየ፡ ብድሕሪ እዚ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ነዚ ሕጂ ዝሰርሓሉ ዘለኹ ልቸንሳ ናብ ዓቢ ትካል ክቕይሮ እየ'ዩ መደበይ" ትብል።
ሚልካ ብምስዓብ "ኣነ ናብዚ ዓዲ ክምጽእ እንከለኹ፡ ንኬንያ ናብ ብዓልቤተይ ንክኸይድ ከም መሰጋገሪ እየ ኣብ 2018 መጺአያ ኣብዚ ክሳብ ዘለኹ ኸኣ ነቲ ሞያይ ክሰርሓሉን ሞያይ ንኸማዕብል ክምሃርን ኢለ እየ ትምህርትን ስራሕን ብሓደ ጀሚረዮ" ብምባል ንትምህርቲ ዘለዋ ህንጡይነት ኣካፊላትና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







