ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዝከየድ ፆታዊ ዓመፅ ከምዝወሰኸ ተገሊፁ

ክርስትያናዊ ትካል ገባሪ ሰናይ ዎርልድ ቪዥን፡ ሓንቲ ሞዛምቢካዊት ቆልዓ ኣብዚ ዓመት ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዘ በብ ሽድሽተ ሰዓት ኣፈላላይ ከምዝተዓመፀት ገሊፁ።
ብውሑዱ 99 ሚእታዊት ግዳያት፡ ኣጓላት ምዃነን ድማ፡ ንፖሊስ ብምፅራሕ እቲ ትካል ገባሪ ሰናይ ሓቢሩ።
ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ግዝኣታት ማፑቶን ጋዛን ከምኡ እውን ኣብ ሰሜናዊ ናምፑላን ልዑል ቁፅሪ ፆታዊ ዓመፅ ተመዝጊቦም እዮም።
ኣብ ግዘ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ ኣንፃር ህፃናት ዝግበር ዓመፅ ከምዝወሰኸ ዎርልድቪዥን ሓቢሩ።
ወለዲ ህፃናት፡ ሸቕሊ ኣልቦ ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ፡ ኣለይቲ ህፃናትን ሞግዚታትን'ውን፡ ህፃናት ክዕመፁ ናይ ባዕሎም ግደ ከምዘበርከቱ እቲ ገባሪ ሰናይ ገሊፁ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







