ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ንሓይልታት ትግራይ ዳግማይ ገደብ መዓልቲ ሂቡ

ምንጪ ስእሊ, SIMONA GRANATI - CORBIS
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን መሪሕነት ህወሓትን ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ኢዶም ክህቡ ናይ መወዳእታ ዝበሎ ዕድል ከምዝተወሃቦም ኣፍሊጡ።
ንሱ፡ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ንመቐለ ኣብ ክባ ዘእተዉሉ ካልኣይ ምዕራፍ ብዓወት ሰራዊቱ ከምዝተዛዘመ ብምግላጽ፤ እቲ ሳልሳይ ምዕራፍ ዝኸውን ነቶም ተደለይቲ ዝበሎም ኣብ መቐለ ዝርክቡ መራሕቲ ህወሓት ምሓዝ ከምዝኸውን ሓቢሩ።
እንተኾነ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሰለስተ ግንባራት ተጠርኒፉ ናብ መቐለ ንምምጻእ ኣብ ዝገበሮ ምንቅስቓስ ከቢድ ስዕረትን ዕንወትን ስለዘጋጠሞ ይበታተን ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ሎ።
“ብግንባራት ራያ፣ ዓድዋን ዕዳጋ ሓሙስን ኣቢሉ ናብ መቐለ ዝግስግስ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ከቢድ መጥቃዕቲ ስለዝተፈጸሞ ከምዝተበታተነ” ዘመልከተ እቲ መግለጺ ሓፋሽ ህዝቢ ነቲ ዝተበተነ ሓይሊ ኣብ ምጥቃዕ ክዋፈር ጸዊዑ’ዩ።
እቲ ኲናት ዛጊት ህይወት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዘጥፍአን ኣሽሓት ንኽስደቱ ምኽንያት ከምዝኾነን ይግለጽ።
ሕቡራት ሃገራት’ውን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥም ከምዝኽእል ስግኣቱ እናገለጸ ይርከብ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ነታ ልዕሊ 500 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ መቐለ ኣብ ዘሕለፎ መጠንቀቕታ፡ እቲ ዝቕጽል ስጉምቲ ብታንክታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ከምዝኸውንን ነበርቲ ንነብሶም ከድሕንን ኣታሓሳሲቡ’ሎ።
ወሃቢ ቓል ናይቲ ኣብ ግንባር ራያ ዘሎ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ተደለይቲ ኣሕሊፎም ክህቡ ብምሕታት፡ "ብድሕሪኡ ግን ምሕረት ኣይክህሉን” ክብል ኣብ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር መልእኸቲ ኣሕሊፉ።
ነዚ መግለጺ ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ፖለቲከኛታትን ዓለምን ዝነቕፍዎ ዘለዉ ኮይኖም: ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ከምኡ’ውን ኣማኻሪ ጉዳያት ድሕነት ሃገር ኮይና ዘገልገለት ሱዛን ራይስ “ብኻልእ ኣገላልጻ ገበናት ኲናት’ዩ” ክትብል ነዚ መጠንቀቕታ ኮኒናቶ’ላ።
ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ልዕልና ይረክብ ከምዘዘሎ ንወኪል ዜና ሮይተር ሓቢሩ’ሎ።
“ሽሾ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ሸሾ ሰራዊት እንተልኣኹ’ኳ ከትርፎም ግን ኣይከኣለን” ኢሉ ዶክተር ደብረጽዮን ነቲ ወኪል ዜና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ።
ቀጻሊ ትልሚ ኣብዪ?
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈላለያ ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊቱ ከምዝኣተዋ እናገለጸ ይርከብ። እንተኾነ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርኔትን ብምቁራጹ ነዚ መግለጺታት ካብ ሳልሳይ ኣካል ምጽራይ ኣይተኽኣለን ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ እቲ ኲናት ብዝርርብ ንኽፍታሕ ዝጽዕሩ ሰለስተ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራሕቲ ዝነበሩ ኣፍሪቃውያን ፖለቲከኛታት መዚዙ’ዩ።
ኣብ ውሽቲ ሒደት መዓልታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሑ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።
እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ጉዳይ “ሕጊ ንምኽባር” ንምኽባር ዝካየድ ውሽጣዊ ጉዳይ ከምዝኾነ ብምግላጽ ሕቶ ዘተ ከምዘይቅበል እደናገለጸ እዩ ዝርከብ።
ኣመዓባብላ እቲ ኩናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ መረጻ እውን ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።
ዶ/ር ኣቢዪ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተኸላሊኦም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።
ዶክተር ኣብዪ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣዘዘ እቲ ኲናት ሳልሳይ ሰሙኑ ሒዙ ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።
እንተኾነ፡ ተወከልቲ ትግራይ ካብቶም ኣብያተ ምኽሪ ካብ ዝወጽኡ ጸኒሖም እዮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







