ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ሃገራዊ ባይቶ ንፕረዚደንት ናይ ምኽሳስ መሰል ክህልዎ ሓሳብ ቀሪቡ

ደቡብ ሱዳን

ልኡኻት ናይቲ ብዛዕባ ደቡብ ሱዳን ዋዕላ ሃገራዊ ዘተ ከካይዱ ዝጸንሑ ጉጅለ፡ እተን ክልተ ባይቶታት ናይታ ሃገር ንፕረዚደንትን ንምክትሉን ናይ ምኽሳስ መሰል ክህልወን ዝብል ለበዋ ኣሕሊፎም።

እቲ ክካየድ ዝቐነየ ዓውደ ዘተ ዕደመ ስልጣን ፕረዚደንት ሓደ እብረ: ሓሙሽተ ዓመት ኮይኑ ክልተ ግዜ ክምረጽ ዕድል ክህልዎን ኣብ ስልጣን ዝጸነሐ ፕረዚደንት ኣብ ግዚኡ ግሉጽን ቅኑዕን ፕረዚደንታዊ መረጻ ተኻየዱ ስልጣኑ ብሰላም ከረክብ ዝብል ለበዋ’ውን ኣቐሚጡ ኣሎ።

እቶም ዋዕላ ሃገራዊ ዘተ ካካይዱ ዝጸንሑ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ጎነጻዊ ሓይሊ ዝጥቀሙ ዘለዉ ዕጡቓት ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ቦታ ከይውሃቦም’ውን ተማሒጺኖም ኣለዉ።

እቲ በቶም ዋዕላ ሃገራዊ ዘተ ከካይዱ ዝጸንሑ ጉጅለ ዝቐረበ ለበዋታት ‘ኣካታዕቲ ነጥብታት ኣለዎ’ ብምባል ካብ ብዙሓት ተዋውሞታት የጋጥሞ ኣሎ።

ኣብቲ ብሰሉስ ዘተዛዘመ ዓወደ ዘተ፡ ኣቦ ወንበር ናይቲ ዋዕላ ኣንገሎ በዳ: ንፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ረኺቡ ኣብ ዘዘራረበሉ “እዚ በዞም ዋዕለኛታት ዝቀረበ ለበዋታት ዋላ እኳ ኣካታዕቲ ነጥብታት እንተሃለውዎ በጃኻ ኣተግብሮ” ኢልዎ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ብወገኑ እቲ ዝቐረበ ለበዋታት ኣብ ምንዳፍ ሃገራዊ ቅዋም ከም መራሒ መስመር ኮይኑ ከምዘገልግል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ኣብ መዕጸዊ እቲ ዓውደ ዘተ ቀሪቡ ኣብ ዘስመዖ መደረ’ውን “እዚ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ ኪኖ እቲ ዘለዎ ሕጋዊ ተቐባልነት፡ እቲ ዝነበረ ናይ ሓባር ስምምዕ በዚ ሕጂ ዝተገበረ ሃገራዊ ዘተ ምልእ ንምሉእ ክንትክኦ ክንህቅን የብልና” ኢሉ ነይሩ።