ኣውሮጳዊ ሕብረት 300 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክገዝእ ተሰማሚዑ

ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብቲ ተፈቲኑ ጽቡቕ ውጽኢት ዘርኣየ ክታበት ኮሮናቫይረስ ናይ ባዮኤንቴክን ፒፍዘርን 300 ሚልዮን ብልቃጥ ክገዝእ ተሰማሚዑ።

ነቲ ክታበት ካብ መወዳእታ እዚ ዓመት ጀሚሩ ክቅበሎ ከምዝጅምር’ውን እቲ ክታበት ዘማዕበለ ትካል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኪኖ ‘መስርሓት ተኸቲሉ’ ምባል ብኸመይ ናብ ኩለን ሃገራት ከምዘኸፋፍሎ መብርሂ ኣይሃበን።

እዚ ክታበት ኣብ ወወዳእታ ዝገበሮ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ፡ 90 ሚእታዊት ካብቶም እዚ ክታበት ዘተወሃቦም ካብ ኮቪድ ክከላኸለሎም ብምኽኣሉ ንዓለም ዓቢ ብስራት’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ነቲ ክታበት ዘማዕበሉ ትካላት ባዮኤንቴክን ፒፍዘርን ብሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ነቲ ክታበት ኣብ 43,500 ሰባት ፈቲነሞ ክሳብ ሕጂ ዘሰክፍ ነገር ከምዘይረኣይሉ ምግላጽም ይዝከር።

እቲ ትካል: ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ጥቕሚ ክውዕል: ኣፍልጦ ክውሃቦ ከምዝሕትትን ቅድሚ እዛ ዓመት ምዝዛማ ዝተወሰኑ ሰባት እቲ ክታበት ክብጽሖም ከምዝኽእልን እዩ ዝሕብር።

ኮምሽነር ጥዕና ኣውሮጳዊ ሕብረት ስቴላ ካይራኪደስ እቲ ኣውረጳዊ ሕብረት ነቲ ክታበት ንምዕዳግ ዝበጽሖ ስምምዕ “ኣዝዩ ኣገዳሲ” ብምባል እያ ገሊጻቶ።

“ትርጉም እቲ ስምምዕ ነቲ ክንበጽሖ ዝደለና፡ ቀሪብናዮ ከምዘለና ዘርኢ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ክታበት ምሉእ ኣፍልጦ ምስ ተወሃቦ ጥራይ ናብ ሃገራት ከምዝዕደል ኣስሚራትሉ።

ስቴላ: እቲ ክታበት ናብ ሃገራት ብኸመይ ከምዝመቓራሕ ከይገለጸት “መጀመርታ ካብ ትካል መድሃኒት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣፍልጦ ክውሃቦ ኣለዎ፡ ብድሕሪ እዚ መስርሓት ተኸቲሉ ክዕደል እዩ፡ እዚ ክታበት ኣብ ሓደ ለይቲ ንኮቪድ ዘጥፍእ ከምዘይኮነ ግን ኣይንረስዕ” ኢላ።

ኣጄንሲ ጥዕና ኣውሮጳዊ ሕብረት ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ውን 27 ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ መጀመርታ ናይዛ ትመጽእ ዓመት ጀሚረን ነቲ ክታበት ክርከበኦ ከምዝጅምራ ኣተንቢሁ’ሎ።

ዝበዝሓ ሃገራት ኣውሮጳ ብኻልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይጥቅዓ ምህላወን እዩ ዝፍለጥ፡ ስጳኛን ዓዲ ጣልያንን ካብ ዝሓለፈ ሳምንታት ዝበዝሐ ቁጽሪ ሞት እየን ዘመዝግባ ዘለዋ።

ዓዲ ጣልያን፡ ብረቡዕ ሞት 623 ሰባት ብምምዝጋባ ካብ 6 ሚያዝያ ንነጆ ኣብ ሓደ መዓልቲ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።