ኮቪድ-19፡ ፈተነ ክታበት ቻይና ኣብ ብራዚል ተቛሪጹ

ኣብ ብራዚል ክሊኒካዊ ፈተነ ዝግበረሉ ዘሎ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ቻይናዊ ትካል ሲኖቫክ፡ ‘‘ሓያል ጎናዊ ሳዕቤን’’ ስለዘጋጠመ ደው ክብል ተገይሩ።

ተቖጻጻሪ ጥዕና ብራዚል ኣንቪዛ፡ እቲ ክታበት 29 ጥቅምቲ ከምዝተፈተነ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ዝርዝር እቲ ፈተነ ግን ኣይሓበረን።

ክታበት ሲኖቫክ፡ ካብቶም ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ዝበጽሑ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ፈተነ ዝርከቡ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ሓደ እዩ።

ኮይኑ ግና፡ ቻይና ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንምዕባይ ብኣሻሓት ኣብ ዝቑጸሩ ሰባት እናተጠቐመትሉ ትርከብ።

ልዕሊ 5.6 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዝዋ ብራዚል፡ ካብ ሃገራት ኣመሪካን ህንድን ቀጺላ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዐት ሃገር እያ።

ኣስታት 163 ሽሕ ሰባት ከምዝትዋ ድማ ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የመልክት፡፡

እቲ ፈተነ ንምንታይ ተቛሪጹ?

ትማሊ ሰኑይ፡ ‘‘ እቲ ክታበት ሓያል ጎናዊ ሳዕቤን ድሕሪ ምውራዱ፡ ነቲ ክሊኒካዊ ፈተነ ደው ኣቢልናዮ’’ ብምባል ኣንቪዛ ተዛሪቡ።

ኣበይ ከምዝተፈተነን እንታይ ጎናዊ ሳዕቤን ከምዘውረደን ግን ኣይሓበረን።

ናይ መወዳእታ ፈተነ ክታበት ሲኖቫክ፡ ኣብ ሃገራት ኢንዶኔዥያን ቱርክን እውን ይካየድ እዩ ዘሎ፤ ነቲ ፈተነ ብዛዕባ ምቁራጸን ግን ኣይሓበራን።

ሓላፊ ናይቲ ኣብ ብራዚል ፈተነ ዘካይድ ዘሎ ትካል ምርምር ቡታንታን ዝኾነ ዲማስ ኮቫስ፡ ምቁራጽ እቲ ክታበት ምስ ሞት ዝተሓሓዝ ከምዝኾነ ንሚድያ እታ ሃገር ተዛሪቡ ዝነበረ ኮይኑ ሮይተርስ ግና ከምኡ ዘይምዃኑ ከምዝተዛረበ እዩ ዝገልጽ።

ምቁራጽ ክኒካዊ ፈተነ ሓድሽ ኣይኮነን፤ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝፍተን ዝነበረ ካልእ ክታበት፡ ኣብ ሓደ ተሳታፊ ብዝተርኣየ ሳዕቤን ጠጠው ክብል ተገይሩ ነይሩ እዩ።

እቲ ብኣስትራ ዘኔካን ኦክስፎርድን ዝምዕብል ዘሎ ክታበት ተቖጻጸርቲ ዘስዕቦ ሓደጋ የብሉን ምስበሉ ክቕጽል ተገይሩ እዩ።

ፕረዚደንት ብራዚል ጄየር ቦልሶናሮ፡ ቻይና ዝሰረሐቶ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዘይገዝእ ብምግላጽ ነቲ ናይ ኣስትራዜኔካ ከምዝመርጽ ተዛሪቡ እዩ።

ቻይናዊ ትካል መፍረዪ መድሓኒት ሲኖቫክ ባዮቴክ ዘማዕበሎ ኮሮናቫክ፡ ካብቶም ደረጃ ሰለስተ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ናይ መወዳእታ ከይዲ ምፍራይ ክታበት ዝበጽሑ ልዕሊ ዓሰርተ ዝኾኑ ክታበታት ኮቪድ-19 ሓደ እዩ።

እዚ ደረጃ ዕዉትነት እቲ መድሓኒት ዝረጋገጸሉ ወሳኒ ደረጃ እዩ።

ኣብ ብራዚል ዝካየድ ዝነበረ ፈተነ ክታበት ቻይና ዝተቛረጸ ፕፊዘር ዝተብሃለ ኣመሪካዊ ትካል 90 ምኢታዊት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎ ክታበት ከምዘማዕበለ ምስ ገለጸ እዩ።

ቻይና ካብቶም ንዜጋታታ ክትህቦም ዝጸንሐት ሰለስተ ኣብ ከይዲ ምርምር ዝርከቡ ክታበታት ኮሮናቫይረስ፡ ኮሮናቫክ እቲ ሓደ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሰበ ስልጣን ቻይና ፍቓደኛታት ዝኾኑ ሰባት ነቲ ክታበት ክወስዱ ከምዝኽእሉ ምስገለጹ፡ ቢቢሲ ብዙሓት ሰባት ኣብ ከተማ ዪዉ ክኽተቡ ተሰሊፎም ዘርእይ ምስሊ ኣካፊሉ ነይሩ፡።

ሲኖቫክ ዳርጋ ኩሉም ሰራሕተኛታቱን ቤተሰቦምን ነቲ ክታበት ከምዝወሰዱ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ቅድም ክብል ሓደ ቻይናዊ በዓል መዚ ኣብቲ ክታበት እዚ ዝበሃል ጎናዊ ሳዕቤን ከምዘይተርኣየ ተዛሪቡ ነይሩ።