ኣብ ዓለም፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ልዕሊ 50 ሚልዮን በጺሑ

ብመሰረት ካብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 50 ሚልዮን ክብጽሕ እንከሎ ካብዚኦም፡ ልዕሊ 1.25ሚልዮን ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።

እንተኾነ፡ እኹል መርመራ ይግበር ስለዘየለ’ምበር እቲ ቁጽሪ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ።

ሓደ ርብዒ ካብዞም 50 ሚልዮን ኣብዚ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ምኳኖም’ውን ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብ ቀዳማይ ርብዒ እዚ ዓመት በዚ ለበዳ ብኸቢድ ተሃስያ ዝነበረት ኣውሮጳ ሕጂ’ውን ብካልኣይ ማዕበል ትሕመስ’ያ ዘላ።

ብሓፈሻ ኣብታ ኣህጉር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ 12.5 ሚልዮን ክበጽሕ እንከሎ ኣብታ ኣህጉር 305,700 ሞት ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣሜሪካ እታ በዚ ለበዳ ትመርሕ ዘላ ሃገር ኮይና፡ ኣሰታት 10 ሚልዮን በዚ ሕማም ዝተለኸፉ ኣለዉዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ተኸታታተሊ ሰለስተ መዓልታተ ድማ መዓልታዊ ልዕሊ 125,000 መልከፍቲ ከተመዝግብ ጸኒሓ።

ምሩጽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይድን፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዝፍለ፡ ተረርቲ ሕግታት ከምዘተኣታቱ’ዩ ተመባጺዑ ዘሎ።

ፈረንሳ፡ ቀዳም 86,852 ሰንበት ከኣ 38,619 ሓዲሽ መልከፍቲ ኣመዝጊባ፡ ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር እቲ ናይ ሰንበት ቁጽሪ መውሓዲኡ ምኽንያት ጸብጻብ ኣብ ምእካብ ምድንጓይ ስለዝነበረ ምኳኑ ብምጥቃስ ሰኑይ ምሉእ ሓበሬታ ከምዝውሃብ ጠቂሱ።

ንልዕሊ ሰሙን ኣብ ዕጽዋ ትርከብ ፈረንሳ ክሳብ ሎሚ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 40,439 በጺሑ ኣሎ።

እዚ ኣብ ፈረንሳ ተኣዊጁ ዘሎ ዕጽዋ ክሳብ 1 ታሕሳስ ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ሰባት ኣገደስቲ ነገራት ንክገዝኡ፡ ናብ ሕክማን ክኸዱን እቶም ኣብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ዘይክእሉ ናብ ስራሕ ንኽኸዱ ክወጽኡ ጥራይ እዩ ካብ ገዛ ክወጽኡ ዝፍቀዶም ዝፍቀዶም። ካብዚ ብተወሳኺ ሓደ ሰብ መዓልታዊ ንሓደ ሰዓት ኣካላዊ ምንቅቃስ ንኽገብር ካብ ገዛ ክወጽእ ይፍቀዶ።

እታ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝበዝሐ ሞት ኣመዝጊባ ዘላ ዓባይ ብርጣንያ 20,572 ሓዲሽ መልከፍቲ 156 ሞት ስለዘመዝገበት ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባ 49,044 በጺሑ ኣሎ።

ሃገረ ህንድን ብራዚልን’ውን እተን ልዑል ቁጽሪ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት እየን።

ኣብ ካልኦት ሃገራትከ

· ፖርቱጋል ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰዓት እቶ እቶ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

· ስዊዘርላንድ 200 ወተሃደራት ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ብምስልጣን ኣብ ሆስፒታላት ተወዚዖም ከምዝሰርሑ ገይራ ኣላ፡ እዚ፡ ቁጽሪ ሓዲሽ መልከፍቲ ስለዝወሰኸ ኣብ ሓካይም ዘሎ ጸቅጢ ስራሕ ንምፍኳስ ተባሂሉ ዝተገበረ እዩ።

· ኣልጀርያ ኣብ 20 ዝባታት እታ ሃገር ተግባራዊ ክኸውን ዝጸንሐ ሰዓት እቶ እቶ ኣብ ካልኦት ትሽዓተ ዞባታት’ውን ተግባራዊ ክኸውን እዩ፡ ኣልጀርያ 48 ዞባታት እዩ ዘለዋ።

· ጃፓን ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ኦሎምፒክ ከም መፈተኒ ኣርባዕተ ሃገራት ዝተሳተፈኦ ውድድር ጅምናስቲክ ኣአንጊዳ።

እቶም ተዋዳደርቲ መዓልታዊ መርመራ ኮሮናቫይረስ ይግበረሎም ነይሩ ውድድሮም ክሳብ ዝጅምር’ውን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክወድዩ ይግደዱ ነይሮም፡ ተዓዝብቲ ናብ ሜዳ ኣብ ዝኣትውሉ ምቆት ሰብነቶም ይልካዕ ምሉእ ኣካላቶም ድማ መመክኒ ቫይረስ ይንጸጎም ነይሩ።