እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ስለዝወሰኸ፡ ጣልያን ጥቡቕ ስጉምትታት ትወስድ ኣላ
ኣብ ጣልያን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዳግም ይውስኽ ብምህላዉ፡ ዝርግሐ ናይ'ቲ ቫይረስ ንቁጽጻር፡ ሓደሽቲ ጥቡቕ መምርሒታትን ስጉምትታትን ይውሰድ ኣሎ።
እዞም ስጉምታት እንተተኻኢሉ “ሓድሽ ኣዋጅ ዕጽዋ ንምትራፍ፡ ኣገደስቲ እዮም” ክብል ቀዳማይ ሚኒስትር ጁሴፔ ኮንቴ ተዛሪቡ።
ከንቲባታት ናይ'ታ ሃገር፡ ድሕሪ ሰዓት ትሸዓተ ናይ ምሸት፡ ሰብ ንዝእከበሎም ቦታታት ናይ ምዕጻው ስልጣን ተዋሂብዎም ኣሎ።
ኣብያተ ምግቢ ዝኽፈተሉ ሰዓትን ብዝሒ ኣብ ሓደ ቦታ ክእከቡ ዝኽእሉ ሰባትን’ውን፡ ሓድሽ ጥቡቕ መምርሒ ክግበረሉ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ጣልያን ደግሲ ኮሮናቫይረስ ተራእዩ፡ መዓልታዊ ዝለዓለ ቑጽሪ መልከፍቲ ይምዝገብ ኣሎ።
ትማሊ ሰንበት ጥራይ፡ 11,705 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክትረክብ እንከላ፡ ብቀዳም ድማ 10,925 ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝሓመሙ ሰባት ተረኺቦም እዮም።
ኣብ'ቲ ቅድም ክብል ዝተርኣየ ሓያል ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ጥልያን ኣብ ኤውሮጳ ኣዝያ ዝተጠቕዐት ሃገር ምንባራ ይዝከር።
እታ ሃገር፡ ዛጊድ 410 ሽሕ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዘመዝገበት ኮይና፡ ልዕሊ 36 ሽሕ ሞት ብምምዝጋብ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ካልኣይቲ እያ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ጁሴፔ ኮንቴ፡ ኣብ'ቲ ብሰንበት ዝሃቦ መግለጺ “ግዜ ክነጥፍእ ኣይንኽእልን፤ ስለ'ዚ ሙሉእ ዕጽዋ ከወግዱልና ዝኽእሉ ንቑጠባና ዘይሃስዩ ስጉምታት ክንወስድ ኣለና። ነዚ መንግስቲ ድልው’ኳ እንተኾነ፡ ኩሉ ክኣ እጃሙ ክገብር ይግባእ” ኢሉ።
ወሲኹ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብግቡእ ምጥቃም፣ ኣካላዊ ርሕቀትካ ምሕላውን ኢድካ ምሕጻብን እቶም ቀንዲ መከላኸሊታት ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ስለዝኾኑ፡ ተግባራዊ ክኾኑ’ዮም ብምባል ኣዘኻኺሩ።
ካልኦት ጥልያን እትወስዶም ስጉምታት?
- ትምህርቲ ዝጅምረሉ ግዜ ቁሩብ ክዝንግዕ ብምግባር፡ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝያዳ ኣካላዊ ርሕቐት ዝሕለወሉ ኩነታት ምፍጣር
- ኣብያተ ምግብን መስተን ፍርቂ ለይቲ ዝዕጸው ኮይኖም፡ ካብ ሽዱሽተ ሰብ ንላዕሊ ኮይንካ ምእካብ ድማ ኣይፍቀድን
- ኣኼባታትን ጽምብላትን ተኣጊዶም ኣለው
- ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝሰረሓሎምን መሐምበሲ ቦታታትን ድማ፡ ሓደሽቲ መገዲታት ከተኣታትዉ ትጽቢት ይግበር
ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዘሎ ዝርግሐ ኮቪድ-19
ደግሲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮጳ ክርአ ጀሚሩ ኣሎ። በዚ ምኽንያት፡ ብዙሕ መርመራ ኮቪድ-19 የካይዳ ኣለዋ።
ፈረንሳ፡ ብሰንበት 30 ሽሕ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ክትረክብ እንከላ፡ ብቀዳም 32 ሽሕን 427 መልከፍቲ ኣመዝጊባ’ያ።
ንከተማ ፓሪስ ሓዊሱ ትሸዓተ ከተማታት ፈረንሳ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ኣዋጅ እቶ እቶ ኣዊጀን ኣለዋ።
ኩሉ ሰብ ዘእምን ምኽንያት እንድሕር ዘይብሉ፡ ካብ ቤቱ ክወጽእ ኣይኽእልን፤ ነዚ ዝጠሓሰ ድማ 158 ዶላር ይቕጻዕ።
ኣብ ቤልጅየም፡ ኣብያተ ምግብን መስተን ንሓደ ወርሒ ክዕጸው’ዮም። ከምኡ’ውን ካብ ፍርቂ ለይቲ ክሳብ ሰዓት 11፡00 ናይ ወጋሕታ፡ ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ ኣሎ።
ስዊዘርላንድ፡ ኣብዛ ሃገር’ውን ልዑል ቑጽሪ መልከፍቲ ይርኣይ ብምህላዉ፡ ሰባት ኣብ ዝእከቡሎም ከባቢታት፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክዝውተር ኣዚዛ ኣላ። ኣብ ሓደ ናይ ህዝቢ ቦታ ድማ፡ ልዕሊ 15 ሰባት ክእከቡ ኣይፍቀድን።
ቼክ ሪፐብሊክ፡ ናብ ሙሉእ ዕጽዋ ንምእታው ናይ ክልተ ሰሙን ግዜ ሂባ ኣላ።
እዛ ሃገር፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝለዓለ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ዘለዋ ኮይና፡ ዳርጋ መብዛሕትኦም ናይ መዘናግዒ ቦታታት ብምዕጻው፡ ትምህርቲ’ውን ብርሕቐት ክወሃብ ወሲና’ያ።
ኣየርላንድ፡ ሎሚ መዓልቲ ከበድቲ ስጉምታት ከተሕልፍ እያ ተባሂሉ ኣሎ።
ጀርመን፡ ብቀዳም ልዑል ብዝሒ መልከፍቲ ስለዘመዝገበት፡ መራሒተ መንግስቲ ኣንጌላ መርከል፡ ኩሉ ሰብ ካብ ቤቱ ከይወጽእን ኣገዳሲ እንተዘይኮይኑ ጉዕዞ ጠጠው ከብልን ተላብያ።