እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ዓሶ ሓሚሞም
ኣቶ ሃብታሙ ሃይሉ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ነባሪ ከተማ ገንደ ውሃ'ዩ።
ንሱ ከም ዝብሎ እንተኾኑ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ቀረባ ሳምንታት ኣብቲ ከባቢ ቑጽሪ ሕሙማት ዓሶ ይውስኽ ኣሎ።
"ወሲኹ'ዩ። . . . ኩል ግዜ ኣብዚ ወቕቲ ብዙሓት ዓሶ ይሓሙ'ዮም። ናይ ሎሚ ግን ዝተፈለየ'ዩ" ኢሉ።
"ዝተፈለየ ምኽንያት የለን፤ ሕጂ'ውን ኬሚካል ተነጺጉን ሰኪዐት መከላኸሊ ጣንጡ ንሕብረሰተብ ተዓዲሉን'ዩ። ፍልይ ዝበለ ዝገብሮ መጠን ዝናብ ምውሳኹ'ዩ። ሓያል ዝናብ እዩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ንምርባሕ ጣንጡ ዓብዪ ዕድል'ዩ" ይብል።
ዋላ'ኳ ቑጽሪ ብሕማም ዓሶ ዝልከፉ ሰባት እንተወሰኸ፡ ብምኽንያት እቲ ሕማም ዝሞተ ሰብ ግን ከም ዘየለ ኣቶ ሃብታሙ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ከባቢ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ቑጽሪ ሕሙማት ዓሶ ይውስኽ ከም ዘሎ ኦፊሰር ዓሶ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ወረዳ መተማ ወይዘሮ የሺሃረግ ኣያነው ንቢቢሲ ገሊጻ።
እዚ ምስ ሕሉፍ ሓሙሽተ ዓመታት ብምንጽጻር ልዑል ወሰኽ ኣሎ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ግን እቲ ቑጽሪ ወሲኹ ከም ዝተራእየ ትገልጽ።
ሰሙናዊ ቑጽሪ መልከፍቲ ይውስኽ ዘሎ ኮይኑ ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ክብድ ከም ዝብል ሓቢራ።
ኣብቲ ከባቢ ዘለው ሸቃሎ ሓዊሱ ብዙሓት ዓሶ ከም ዝሓመሙ እትገልጽ እታ ኦፊሰር፡ እኹል እንተዘይኮነ'ውን ኬሚካል ይንጸግ ምህላው ጠቒሳ።
ብተወሳኺ እቲ ጸገም ንምፍታሕ ማይ ዝዓቖሩ ቦታታት ብምፍሳስን ብምድፋንን ከምኡ'ውን ዝተቓጸለ ዘይቲ ብምጥቃም ንምክልኻል ጻዕሪ ንገብር ኣለና ኢላ።
ኣብቲ ክልል ዝርግሐ ሕማም ዓሶ ይውስኽ ምህላው ዝገለጸት ኣተሓባባሪት ፕሮግራም ዓሶ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረሰተብ ክልል ኣምሓራ ወይዘሮ ማስተዋል ወርቁ ብወገና፡ ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ኣብ ዘለው ኣዋርሕ ዝርግሐ ሕማም ዓሶ ክውስኽ ከም ዝኽእል ሓቢራ።
ብምኽንያት ዝናብ ክረምቲ፣ ቅርጺ መሬት እቲ ክልል ንምርባሕ ዓሶ ምቹእ ምዃኑ፣ ስራሕቲ ምክልኻልን ኣጠቓቕማ ሰኪዐት መከላኸሊ ጣንጡን ምንካዩን፣ ዚያዳ እቲ ትኹረት ናብ ኮሮናቫይረስ ምዝንባሉን ልዑል ቑጽሪ መልከፍቲ ዓሶ ክምዝገብ ገይሩ'ዩ ትብል።
ከም ሓበሬታ ኢንስቲትዩት ጥዕና እቲ ክልል እንተኾይኑ፡ ኣብቲ ክልል ቑጽሪ ኣብ 2011 ዓ.ም ብሕማም ዓሶ ተለኺፎም ዝነበሩ ሰባት ኣብ 2012 ዓ.ም ብ66 ሚኢታዊት ወሲኹ እዩ።
ኣብቲ ክልል ነፍሰ ጾር ኣደታትን ልዕሊ 15 ዓመት ዝኾኑ መናእሰይን ዚያዳ በቲ ሕማም ይጥቅዑ ዘለው ኮይኖም፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ከም ዝተጠቕዑ እታ መተሓባበሪት ጠቒሳ።
88 ሚኢታዊት ዝርግሐ ሕማም ዓሶ ኣብ ዞባታት ደቡብ ጎንደር፣ ምዕራብ ጎንደር፣ ምብራቕ ጎጃም፣ ምዕራብ ጎጃም፣ ኣዊ፣ ከምኡ'ውን ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ዝተራእየ'ዩ።
ሕጽረት ምንጻግ ኬሚካልን ዝርግሐ ሰኪዐት መከላኸሊ ጣንጡን ከም ዘለው ብምዝኽካር ኬሚካል ክንጸገሎም ዝግባእ ከባቢታት ከም ዘይተነጸጉ ገሊጻ።
ኣብ 53 ወረዳታት ኬሚካል ክንጸግ ሕቶ ቀሪቡ'ኳ እንተነበረ፡ ብምኽንያት እቲ ዘሎ ሕጽረት ኣብ ትሸዓተ ወረዳታት'ውን ሙሉእ ንሙሉእ ክንጸግ ከም ዘይተኽኣለ ወይዘሮ ማስተዋል ሓቢራ።
ንዓሶ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ኣብ ሰለስተ ዓመት ሓደ ግዜ ሰኪዐት መከላኸሊ ጣንጡ ዝቕየር ኮይኑ፡ ን55 ወረዳታት ቅድም ክብል ዝነበረን ሰኪዐት መከላኸሊ ጣንጡ ክትካእ ተሓሲቡ ነይሩ።
ይኹን'ምበር፡ ወረዳታት መተማ፣ ገንደ ውሃን ፎገራ ጥራሕ እየ ተጠቀምቲ ኮይነን።