ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ምስ ርዋንዳ ዘራኽባ ዶብ ዳግማይ ከፊታቶ

ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ነቲ ቀንዲ ኣብ ከተማ ጎማ ዝርከበ ምስ ርዋንዳ ዘራኽባ ዶብ ዳግማይ ከም ዝኸፈተቶ ሰብ መዚ ከተማ ጎማ ሓቢሮም።
እቲ ቀንዲ መራኸቢ መስመር ክልቲአን ሃገራት ዝኾነ ዶብ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ በቲ መስመር ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ጥራይ ክሓልፋ እዩ ክፍቀደን ጸኒሑ።
ታሕተዎት ሰብ መዚ ምምሕዳራት ክልቲአን ሃገራት ብሰኑይ ድሕሪ ምርኻቦም፡ ነቶም ብሰንኪ ምዕጻው እቲ ዶብ ዝያዳ ዝተሃሰዩ ተማሃሮን ሰራሕተኛታት ንምሕጋዝ እቲ ዶብ ክፉት ክኸውን ኣብ ምርድዳእ ከም ዝበጽሑ ተሓቢሩ።
ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከተማ ጎማ ትርከቦ ዞባ ሰሜን ኪቩ፡ ካብ ኩለን ዞባታት እታ ሃገር ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ዝርከብዎ ዞባ ኮይኑ፡ ርእሰ ከተማ ኪንሳሻ እታ ቀንዲ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ እታ ሃገር ምዃና እዩ ዝግለጽ።
ፕረዚደንት ፍሌክስ ትሺሰከዲ ንዝበዝሑ ምስታ ሃገር ዘራኽቦ ዶባት ኣብ ወርሒ መጋቢት ክዕጾ ድሕሪ ምእዛዙ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዳግማይ ከፊቱዎ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ንከተማ ጎማ ናብ ከተማ ጊሰኒ ናይ ርዋንዳ ዘራኽብ ዶብ ግን ተዓጽዩ ክጸንሕ ወሲኑ ነይሩ።
ብመሰረት ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝልዓለ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊባ።

- ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዛጊድ መልሲ ዘይረኸቡ ሕቶታት
- ስም ቢል ጌትስ፡ ስለምንታይ ምስ ሽርሒ ኮሮናቫይረስ ይለዓል?
- ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ክትጽሕፍ ዘይትደሊ ደራሲት
- ኮሮናቫይረስ፡ ብዕድመ ኣናእሽቱ ንዝኾኑ ክንደየናይ የስግኦም?


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







