ሓደ ሕንጻይ፡ ንዋንኡ ካብ ባርዕ ኣድሒንዎ

ምንጪ ስእሊ, AUSTRALIAN BROADCASTING CORP
ሓደ ኣውስትራልያዊ፡ ለይቲ ብድቅሱ ኣብ ገዝኡ ባርዕ ምስ ተላዕለ ዘዕበዮ ሕንጻይ (ፓፓጋሎ) ካብ ድቃሱ ኣበራቢሩ ካብ ሞት ከም ዘድሓኖ ሓቢሩ።
እዚ ኣብ ኵንስላንድ ዝነብር ኣንቶን ንጉየን ዝተባሃለ ኣውስትራልያዊ ናብ ሮቡዕ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ፡ ከቢድ ድቃስ ጸቂጥዎ እንከሎ ኣብቲ ብዓል ክልተ ደርቢ ገዝኡ ባርዕ ሓዊ ከምዝተላዕለ ይጠቅስ።
"ደቂሰ እንከለኹ ኤሪክ (ስም እቲ ሕንጻይ) ዝፈጠሮ ገልጠምጠም ሰሚዐ፡ ነዚ ስዒቡ ኤሪክ ዓው ኢሉ ክጽውዓኒ ጀሚሩ ድሓን ድዩ ኢለ ምስ ተበራበርኩ ትኪ ክጨንወኒ ጀሚሩ” ብምባል ኣንቶን ንጉየን ንኤቢሲ ሓቢሩ።።
ብምስዓብ “ብድሕሪ እዚ ንኤሪክ ብኢደይ ሒዘ ማዕጾ ከፊተ ወጺአ፤ ደገ ወጺአ ምስ ርኣኽዎ ኣብ ዳሕረዋይ ሸነኽ ናይ ገዛይ ባርዕ ይውስኽ ነይሩ” ኢሉ።
ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ ናብ ቤት ኣንቶቢ ንጉየን ምስ በጽሑ እቲ ባርዕ ኣዝዩ ተጓሃሂሩ ከም ዝጸንሖምን ምሉእ ንምሉእ ንክቆጻጸርዎ ልዕሊ ሓደ ሰዓት ከም ዝወሰደሎም ተሓቢሩ።
ኣንቶን ንጉየን ኣብቲ ገዛ ንበይኑ ዝነብር ዝነበረ ኮይኑ፡ ካብቲ ባርዕ ሳላ እቲ ሕንጻይ ዘበራበሮ ብዘይ ዝኾነ ጉድኣት ከም ዝወጽአ ንፖሊስ ሓቢሩ።
እቲ ቀጠልያ ሕብሪ ዘለዎ ሕንጻይ፡ ንኣንቶን ንጉየን ካብ ድቃሱ ንምብርባር ብተደጋጋሚ ‘ኣንቶን’ እናበለ ይጽውዕ ምንባሩ ኢንስፔክትር ምክልኻል ሓደጋታት ኵንስላንድ ካማሮን ቶማስ ገሊጹ።
እቲ ኢንስፔክትር ብምስዓብ “እቲ ገዛ ኣብ ውሽጡ ዝኾነ ባርዕ ወይ ትኪ ምስ ዝልዓል ምልክት ዝህብ መሳርሒ ኣለዎ። እዚ ሕንጻይ ግን ቅድሚ እቲ መሳርሒ ድምጺ ምግባሩ እዩ ንዋንኡ ኣተሲኡዎ” ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







