ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ብኢሜይል ድሙ ብምልኣኹ ይቕረታ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, US state department
ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ብስሕተት ፒጃማ ዝተኸደነት ድሙ ብኢሜይል ብምልኣኹ ይቕሬታ ሓቲቱ።
እዚ "ኣኼባ" ዝብል ርእሲ ዝሓዘ ኢሜይል፡ ቑጽሮም ናብ ዘይተፈለጠ ተቐበልቲ ከምዝተልኣኸ፡ ኣብ ካንቤራ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ኣረጋጊጾም።
እቲ ዝተልኣኸ ኢሜይል፡ ስእሊ፡ ፒጃማ ዝተኸደትን፡ ኣብ ሸሓነ በሽኩቲ ዝሓዘትን ድሙ'ውን ዝሓዘ'ዩ።
በዚ ይቕረታ ዝሓተተ ኤምባሲ ኣሜሪካ ድማ፡ "ናይ ስልጠና ስሕተት'ዩ" ኢሉ።
"እዚ ዘሕርቕ ኢሜይል ዝበጽሐኩም ሰባት ይቕረታ ንሓትት፡ ኢሉ ወሃቢ ቓል ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ኣውስትራሊያ ጋቪን ሳንደዎል።
"እቲ ግጉይ መልእኽቲ ኢሜይል፡ ብሓደ ሓድሽ ኣባልና ኣብ እዋን ስልጠና ዘጋጠመ ስሕተት'ዩ" ብምባል ንኣሶሽዬትድ ፕሬስ ተዛሪቡ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ንክልተ ዓመት ኣምባሳደር ከይመደበት ጸኒሓ'ያ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







