እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ብኢሜይል ድሙ ብምልኣኹ ይቕረታ ሓቲቱ
ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ብስሕተት ፒጃማ ዝተኸደነት ድሙ ብኢሜይል ብምልኣኹ ይቕሬታ ሓቲቱ።
እዚ "ኣኼባ" ዝብል ርእሲ ዝሓዘ ኢሜይል፡ ቑጽሮም ናብ ዘይተፈለጠ ተቐበልቲ ከምዝተልኣኸ፡ ኣብ ካንቤራ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ኣረጋጊጾም።
እቲ ዝተልኣኸ ኢሜይል፡ ስእሊ፡ ፒጃማ ዝተኸደትን፡ ኣብ ሸሓነ በሽኩቲ ዝሓዘትን ድሙ'ውን ዝሓዘ'ዩ።
በዚ ይቕረታ ዝሓተተ ኤምባሲ ኣሜሪካ ድማ፡ "ናይ ስልጠና ስሕተት'ዩ" ኢሉ።
"እዚ ዘሕርቕ ኢሜይል ዝበጽሐኩም ሰባት ይቕረታ ንሓትት፡ ኢሉ ወሃቢ ቓል ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ኣውስትራሊያ ጋቪን ሳንደዎል።
"እቲ ግጉይ መልእኽቲ ኢሜይል፡ ብሓደ ሓድሽ ኣባልና ኣብ እዋን ስልጠና ዘጋጠመ ስሕተት'ዩ" ብምባል ንኣሶሽዬትድ ፕሬስ ተዛሪቡ።
ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ንክልተ ዓመት ኣምባሳደር ከይመደበት ጸኒሓ'ያ።