ጋዜጣታት ኣውሰትራሊያ ዝተደምሰሰ ጽሑፍ ብምሕታም ን 'ሚስጢራውነት' ተቓዊመን

ጋዜጣታት ኣውሰትራሊያ ኣብ መሪሕ ገጸን ዝተደምሰሰ ጽሑፍ ብምሕታም ተቓውሞአን ይገልጻ
መግለጺ ስእሊ, ጋዜጣታት ኣውሰትራሊያ ኣብ መሪሕ ገጸን ዝተደምሰሰ ጽሑፍ ብምሕታም ተቓውሞአን ይገልጻ

ጋዜጣታት ኣውስትራሊያ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅየዳታት ፕሬስ ንምቅዋም፡ ኣብ ቀዳማይ ገጾም ዝተደምሰሰ ጽሑፍ ሓቲሞም።

እቶም ጋዜጣታት፡ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሕታሞም፡ ዝተደምሰሰን 'ሚስጢር' ዝብል ቀይሕ ማሕተም ዝዓረፎን ጽሑፍ፡ ኣብ ቀዳማይ ገጾም ሒዞም ወጺኦም።

እቲ ተቓውሞ፡ ሕግታት ብሄራዊ ድሕነት ኣውስትራሊያ ንምቅዋም ዝዓለመ ኮይኑ፡ እቶም ሕግታት ጋዜጠኛታት ዝሰርሑዎም ጸብጻባት ዘዐንቀፉን፡ ኣብታ ሃገር "ሚስጥራዊ ባህሊ" ዝፈጠሩን'ዮም ብምባል'ዩ።

መንግስቲ ብወገኑ፡ ደጋፊ ናጽነት ፕሬስ'ኳ እንተኾንኩ፡ "ማንም ሰብ ግን ልዕሊ ሕጊ ኣይኮነን" ኢሉ።

ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ኮርፖሬሽን ብሮድካስት ኣውስትራሊያ [ኤቢሲ]ን ኣብ መንበሪ ሓደ ጋዜጠኛ ኒውስ ኮርፕ ኣውሰትራሊያን ዘካየዶ ሃንደበታዊ ወፍሪ፡ ሓያል ቁጥዐ ኣልዒሉ ነይሩ።

እቶም ትካላት ሚዲያ ከምዝበልዎ፡ እቲ ወፍሪ ዝተኻየደሎም፡ ካብ ፈለጥቲ ውሽጢ ምንጭታት ብዝረኸብዎ ሚስጢራዊ ሓበሬታ፡ ዘቃልዕ ጸብጻብ ስለዝሰርሑ እዩ።

እቲ ሓደ ጸብጻብ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ገበናት ኲናት ዘቃልዕ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልእ ድማ ሓደ ኤጀንሲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣውስትራሊያ ክስልል ዝገበሮ ፈተነ ዝሕብር'ዮም ነይሮም።

እዚ ሎሚ መዓልቲ፡ ዝተደምሰሱ ጽሑፋት ብምሕታም ተጀሚሩ ዘሎ ጎስጓስ፡ ብዙሓት ማዕኸናት ቴሌቪዥን፣ ራድዮን መርበብ ሓበሬታን ዝተጸምበሩዎ ተቓውሞ'ዩ።

ዋና ኣቦ መንበር ኒውስ ኮርፕ ኣውስትራሊያ ሚካኤል ሚለር፡ ጋዜጣታት ኣውስትራልያ ዝሓተምኦ ዝተደምሰሰ ዘይርአ ጽሑፍ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ትዊተሩ ጠቂዑ።

ህዝቢ፡ "ካባይ እንታይ'ዮም ክሓብኡ ዝፍትኑ ዘለው?" ኢሉ ክሓትት ኣለዎ ድማ ኢሉ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ዳይሬክተር ኤቢሲ ዴቪድ ኣንደርሰን ብወገኑ፡ "ኣውስትራልያ እታ ኣብ ዓለምና ምስጢራዊት ዝኾነት ዴሞክራሲያዊት ሃገር ከይትኸውን ዘስግእ እዩ" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ስኮት ሞሪሰን፡ ናጽነት ፕሬስ ንዲሞክራሲ ኣውሰትራሊያ ኣገዳሲ'ዩ፤ እንተኾነ "ልዕልነት ሕጊ ክኽበር ግድን እዩ" ኢሉ።

"እዚ ድማ ንዓይ፣ ንዝኾነ ጋዜጠኛን ካልእን ይሓውስ" ኢሉ።

ጸብጻባት ናጽነት ፕሬስ እታ ሃገር፡ ኣብቲ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ኤውሮፓውያን ናብ ባይቶ ክቐርብ'ዩ።

ጠለብ እቶም ሚዲያታት እንታይ'ዩ?

እቶም ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ጽኑዕ ሕጊታት እናተተግበረ ከምዝመጸን፡ እዚ ድማ ንስራሕቲ መርመራዊ ጋዜጠኝነት ብኣሉታ ከምዝጸለዎን ንናይ ህዝቢ "ናይ ምፍላጥ መሰል" ከምዝሸርሸሮን ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓድሽ ጸረ-ስለላ ሕጊ ምስ ወጽአ፡ እቲ ሕጊ ንጋዜጠኛታትን ሚስጢር ዘቃልዑ ሰባትን ብፍሉይ ክጥምቶም ማዕኸናት ሚዲያ ክሓትታ ጸኒሐን እየን።

እተን ትካላት፡ ጸለመ ከምኡ ድማ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ናጽነት ዝምልከቱ ካልኦት ሕግታት ክመሓየሹ'ውን ይጠልባ።