ጥዑም ኣንደበት ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይን ፖለቲካዊ ባይታ ኢትዮጵያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ን17 መዓልታት ኣብ ዕጹዉ ገዛ ዓርሰይ ገምጊመ ናይ ለዉጢ ሓሳባት ሒዘ መጺአ ኣለኹ ዝበለ ኢህወደግ፡ ሓድሽ ቐዳማይ ሚኒስትር ሸይሙ።
ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን፣ ብግብረ ሽበራ ተፈሪዶም ዝተኣሰሩ ሰባት ዝርከቡዎም ክሶም ተቛሪጹ ተፈቲሖም። "ኢህወደግ ባህሪያዊ ለዉጢ የምጽእ'ዶ ይህሉ?" ዝብል ሕቶን ተስፋን ብዙሓት ኾይኑ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ኣብ ዉሽጢ ዓድን ወጻእን ዝነበሩ እሱራት ብምፍታሕ፣ ከይንበቡን ከይርኣዩን ዝተዓጸዉ ናይ ሕትመትን ኤሌክትሮኒክስን ሚዲያታት ክኽፈቱ ተገይሩ።
ምምሕያሽ ክግበረሎም ይግባእ ዝበሃሉ ዝነበሩ ኣዋጃት ራዕድን ካልኦትን ዝእርም ቤት ምኽሪ ብምጥያስ ብግበረ ራዕዲ ዝተሰየሙ ጉጅለታት ካብቲ ዝርዝር ክስረዙ፣ ምስ ኤርትራ ን20 ዓመታት ተበቲኹ ዝጸንሐ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስ በሪ ብምኽፋት፣ ኣብ ትካላት ደሕንነትን ምክልኻል ሃገርን ንዝነበሩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብምትካእ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ስጉምታት ብምዉሳድ ፖለቲካዊ ለዉጢ ምግባር ካብ ዝጅምር ሰለስተ ኣዋርሕ ተቖጺሮም።
እዞም ስጉምታት ነቲ ጸቢቡ ክበሃል ዝጸንሐ ባይታ ፖለቲካዊ ኣስፊሖም'ዶ ወይስ ህጸት ኣለዎም? ዘኹረምበጡ ጠቢሮም ሓድሽ ዝኾረየ ሓይሊ'ዶ ፈጠሩ ወይስ ንዝተበላሸወ ኣሰራርሓታት ከዐርዩ ጀሚሮም?

ምንጪ ስእሊ, FITSUM AREGA/TWITTER
"ዋግዋጎ ዘሎ ይመስለኒ"
ብራዕዲ ተኸሲሱ ዳግም ኣብ 2011 ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተፈሪዱዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ፖለቲከኛ ኣንዱኣለም ኣራጌ፡ መንግስቲ ብመስርሕ ይቕረታ ካብ ዝፈትሖም እሱራት ሓደ እዩ።
እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ዝወስዶም ዘሎ ስጉምታትን ዘስመዖ መደረን ዝምስገኑ'ዮም ዝብል ኣንዱኣለም፡ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ለዉጢ መሰረታዊ ለዉጢ ንምምጻእ በብብርኩ ዝፍጸሙ ነገራት ከምዘለዉ ዘመላኽቱ'ዮም ይብል።
"ሕዚ ወጋሕታ'የ ዝርኢ" ዝብል ኣንዱኣለም፡ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ዝወስዶም ዘለዉ ስጉምታትን ዝኣተዎ መብጽዕዓን ዝምስገን'ዩ ይብል።
"ዝወግሕ ዘሎ ይመስለኒ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ምቅዋም ጥራሕ ዘይኮነ ዝድገፍ ሓሳብን ሰብን እንትርከብ ምድጋፍ ከምዝኽእል የርኢ ኣሎ። ተቓዋሚ ክቃወም፣ ክእሰርን ክፍታሕን ዝጸንሐሉ ምኽንያት ዝድገፍ ሓሳብ ብምስኣኑ ከምዝኾነን ኢትዮጵያዉያን ምኽያታውያን ከምዝኾንናን ዘርኢ'ዩ" ክብል ይገልጾ።
ንዝሓለፉ ዓመታት ብዙሓት ብምእሳር፣ መሰል ዝግድቡ ኣዋጃት ብምጽዳቕ "ዓፋኒ፣ ኣሸባርን ኣካል ሰብ ዘጉድልን ስርዓት'ዩ ነይሩና" ክብል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ነቲ ዝመርሖ ግንባር ገሊጹዎ'ዩ።
ዝርአ ዘሎ ለዉጢ ፈለማ'ዉን ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝነበረን ብነዊሕ ከይዲ ብመምርሒ፣ ደንብን ፖሊሲን ገለ እዋን ድማ ብሓይልን ዉሳነን እናተጨፍለቐን እናሃሰሰን ዝመጸ ከምዝኾነ ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሙሼ ሰሙ ይዛረብ።
"እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝተቐመጡ ሰብኣዉን ዲሞክራሲያዉን መሰላት ክኽበሩ፣ ብዘይ ፍርዲ ምእሳርን ሓታቲ ዘይብልኻ ምትራፍን፣ ምዉቃዕን ኣካል ምጉዳልን ዝኣመሰሉ እቲ ሕገ መንግስቲ ዘይድግፎም ተግባራትን ሓሳባትን ክሰዓሩ'ዩ ዝገብር ዘሎ" በሃሊ'ዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስርዓት ለዉጢ ከምዝመጽአ ዝዛረብ ኣካያዲ ስራሕ ኦሮሚያ ሚዲያ ኔትዎርክ ጃዋር መሓመድ፡ እቲ ፖለቲካዊ ምህዳር ይሰፍሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
"ናብ ዲሞክራሲ እንገብሮ ስግግር ብናህሪ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብቲ ገዛኢ ግንባር ፅዕንቶ ብምፍጣር ተቓወምቲ ውድባት እናሓየሉ ነቲ ስግግር ዝኸውን ዓቕሚ እናዕበዩ ክኸዱ ምግባር ኣድላዪ'ዩ" ክብል ብቐጻልነት እቲ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ባይታ ዝሰፍሐሉ ሃዋህዉ የመላኽት።

ኣብ 100 መዓልታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ....
ልዕሊ 1500 እሱራት ተፈቲሖም
264 ዝተዓጸዋ መርበባት ሓበሬታ ተኸፊተን
ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ 3 ቢሊዮን ዶላር ገንዘብ ንኢትዮጵያ ሂባ
4 ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ሰልፊ ድጋፍ ኣብዪ ኣሕመድ ተሳቲፉ ተባሂሉ
መዓልታዊ 450 በርሚል ጭቃ ነዳዲ ከምዝፈሪ ተሓቢሩ
ኣብ ኣርባዕተ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

እቲ ፖለቲካዊ ባይታ ከመይ ይዕቀን?
ብዙሓት ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም። ብሓሳብን ዕጥቅን ክቃለሱ ካብ ዓዲ ዝወጽኡ ሓይልታትን ዉልቀ ሰባትን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ይኣትዉ ኣለዉ።
"ራዕዳውያን" ብዝብል ኣብ ጸሊም መዝገብ ዝሰፈሩ ፖለቲካዊ ትካላት ክሶም ተላዒሉ ብናጽነት፣ ብሰላማዊ መገዲ ክቃለሱ ከምዝኽእሉ ጻዉዒት ቐሪቡሎም።
ኾይኑ ግና፡ "ሕዚ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ባይታ ዝተሓዋወሰ'ዩ" ዝብል ኣንዱኣለም፡ ነገራት መልክዕ ሒዞም ይኸዱ ከምዘየለዉ ይዛረብ።
"ብሓደ ገጽ ሓሳባት ክኽፈቱ ሰብ ናጻ ኾይኑ ክዛረብ ዝብሉ ወግዓዊ መግለጺታት ኣለዉ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ብዙሕ ግዜ ክቃለስ ዝጸንሐ ህዝቢ ኢትዮጵያ መሰሉ ክኽበር ዓብዪ ድሌት ኣሎ። እዞም ነገራት ግና መልክዕ ብዝሓዘ መገዲ እንተይኮነስ ኣብ ኣየር ተንሳፊፎም'ዮም ዝርኣዩኒ" ይብል።
ኩሎም ክፍቀዱ ግዜ ክወስድ ይኽእል ይኸዉን ብዝብል ምኽንያት ናጻ ፕሬስ ከም ኣብነት ዘልዕል ኣንዱኣለም፡ ፍልይ ዝበሉ ሓደሽቲ ለዉጢታት'ኳ እንተዘይመጽኡ ሕዚ ግና ሰብ ካብ ፍርሕን ስግኣትን ተናጊፉ ብናጽነት ዝዛረበሉ ኩነታት ይርኣይ ኣሎ በሃሊ'ዩ።
"መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎ ቁርጸኝነት ብጽሑፍን ኣዋጅን ተደጊፉ ዝጸደቐ ኣይኮነን። ካብ ጥዑም ኣንደበት እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ወጻእ መልክዕ ዝሓዘ ነገር የለን። ብኹሉ ኣንፈት ግና ናይ ናጽነት ኣየር ይነፍስ ኣሎ። እዚ ኣበይ ይበጽሕ? ዝግድቡ ነገራትከ ይህልዉ'ዶ? ዝብል ግልጺ ኣይኾነን" ክብል ይገልጾ።
ዋና ዳይሬክተር ክርስቲያናዊ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ማሕበራትን ዶክተር መሸሻ ሸዋረጋ ብወገኖም፡ ዲሞክራሲያዊ ባይታ ንምስፋሕ ኣብ ዝግብር ጉዕዞ፡ መሰል መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን ጉድኣት ኣካልን ምኽባር፣ ጎንጺታት ምፍታሕ፣ ንገበርቲ ሰናይ ትካላት ዝምልከቱ ድንጋገታት ክመሓየሹ'ዮም ኢልና ንሓስብ ይብሉ።

ኣብቶም ዝሓለፉ 100 መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣዩ ፍሉያት ፍጻመታት
- ሽብርተኛ ተባሂሎም ዝነበሩ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ዉድባት ናብ ዓዲ ተመሊሶም ናብቲ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ክሕወሱ ይዳለዉ'ለዉ
- ኣብ ኣደባባይ ከይምብልበሉ ዝተኸልኸሉ ባንዴራታት ኣብ ህዝባዊ ሰልፊታት ምርኣዮም
- ዕድል ዝረኸበ ምስ ቐዳማይ ሚኒስትር "ሰልፊ" ፎቶ ክሰኣል ይኽእል
- እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ደም ለጊሱ
- ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነፍሲ ወከፍ ፍጻመ በብደቒቑ "ትዊት" ይገብሩ'ለዉ
- መንግስቲ ዘመሓድሮም ገዘፍቲ ትካላት ዉልቀ ሰብ ሃፍቲ ክኣትዉዎም'ዮም ተብሂሉ

ካብዚ ሓሊፉ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዜጋታት መሰሎም ክሓቱ ስለዝሰርሓ እቲ ዲሞክራሲያዊ ባይታ ኣብ ምስፋሕ ሓጋዚ ተራ ክህልወን ተስፋ ንገብር ኢሎም።
"ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዜጋታት ሕገ መንግስቲ ዝሃቦም መሰል ክጥቀሙ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ይህቡን ኣብ መረጻ'ዉን ይሳተፉን ነይሮም። እቲ ኣዋጅ ካብ ዝወጽእ ንደሓር ካብ ዝተኸልኸሉ ነገራት ሓደ ግና እዚ'ዩ። እዚ እንተድኣ ተመሓይሹ ብዘይ ምሽቑራር መሰላቶም ስለዝረጋገጽ ዲሞክራሲያዊ ባይታ ኣብ ምስፋሕ ዓብዪ ስራሕ ክሰርሑ'ዮም" ይብሉ ዶክተር መሸሻ።
እቲ ፖለቲካዊ ምህዳር ሰፍሐ'ዶስ ሃጸጸ?
ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ "ኢህወደግ እቲ ሕገ መንግስቲ ንምኽባር ድልዉነት ብምስኣኑ፣ ንስልጣኑ ብዝነበሮ ስስዐ ዓርሰ ምትእምማኑ ብምሽርሻሩ ዝተፈጠሩ ጸገማት ናብ ዝነበሩዎ ናይ ምምላስ ስራሕ'ዩ ነይሩ" ይብል ኣቶ ሙሼ።
ኣብ ቀጻሊ ድማ ብሕጊ ዝተጸመዱ ፖለቲካዊ ዉድባት ዝጣየሹሎም ሕግታት፣ ኣንጻር ግብረ ራዕዲ ዝኣመሰሉ ሕግታት መሰልን ረብሓን ዜጋታት ብዘይጭፍልቕ መልክዑ ክሰፍሩ ምግባር ኣድላዪ'ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለዎ።
ኣብዚ ከይዲ ግና በቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝዉሰዱ ዘለዉ ስጉምታት ኣመና ሃጺጾም ዝብል ስምዕታ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይለዓል'ዩ።
"ንዉሕ ንዝበለ ግዜ ክለዓሉ ክንጸጉ ዝጸንሑ ኣጀንዳታት ስለዝኾኑ ዝቐልጠፈ ኣይመስለንን" ዝብሉ ዶክተር መሸሻ ከቢድ ሕቶ እናልዓሉ ዝመጽኡ ኣዋጃትን ይድፍኡ ዝነበሩ ጉዳያትን ስለዝኾኑ እቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ዝነኣድ'ዩ ይብሉ።
"ኮይኑ ግና ተጀሚሩ እምበር ኣይተዛዘመን። ለዉጢ ናይዞም ኣዋጃት ክሳብ ኣበይ'ዩ? ዘካትዑን ዘጨቓጭቑን ዝነበሩ ጉዳያት በየናይ ኣድማስ'ዮም ክልወጡ? ዝብሉ ጉዳያት ብተስፋ እንጽበዮም ገና ብሕጂ ክስርሑ እንጽበዮም እዮም" ይብሉ።
"ዝሃጸጸ ነገር የለን" ዝብል ኣቶ ሙሼ ብወገኑ፡ እቲ ዝነበረ ስርዓት ኣልቦነት ስርዓት ክትሕዝ ዝገብር ዘደንቕ ስራሕ ክስራሕ ግድን ስለዝነበረ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልክዕ'ዮም ዝብል ኣረኣእያ ኣለዎ።
"ዜጋታት ብዝተፈላለየ መገዲ እናተጠርጠሩ ክእሰሩ እንከለዉ ንፈልጥ ኢና። ክትሰምዖም ዘደንጽዉ፡ እምበርከ ኣብዛ ሃገር ድዩ ዘብሉ ነገራት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ተፈጺሞም'ዮም። እዞም ነገራት ዝልዉጥ ስራሕ ንምስራሕ ዉዓል ሕደር ምባል ኣየድልን። ከም ናተይ ኣረኣእያ እዞም ሰባት ካሕሳ'ዉን የድልዮም'ዩ" ክብል ይሙግት።
ኣብዚ ከይዲ ዘሎ ናህሪ የስግአኒ'ዩ ዝብል ኣካያዲ ስራሕ ኦኤም ኤን ጃዋር መሓመድ መሰረት ዝሓዘ ለዉጢ ክኸዉን ከምዘለዎ ይገልጽ።
"ኩሉ ነገር ካብ ታሕቲ መሰረት እናሓዘ፣ እናጠንከረ ስለዘይከደ እቲ ለዉጢ ዝኸደሉ ዘሎ ናህሪ የተሓሳስበኒ'ዩ። ናህሪ ጥቕሚ ከምዘለዎ ኹሉ ጉድኣት'ዉን ኣለዎ'ዩ። ቐጻሊ ተሳትፎ ሙሁራትን ካልኦት ኣካላትን የድሊ'ዩ" ይብል።

ጉዳይ ደሕንነትን ምርግጋእን ከ?
ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ገና ዘይተዛዘመ ዓቐበት ኣለዎ። እቲ ሕዚ ዘሎ ለዉጢ ብዓይኒ ጥርጣረ ዝርኢ ወይ ክቕበሎ ዘይደሊ ሓይሊ ኣሎ።
እዞም ደንገርገራት ክሳብ ዝጸርዩ ዝኽፈል መስዋእትነትን ዝግበር ቃልስን ሒዙዎ ዝመጽእ ዉጽኢት ክህሉ ይኽእል ዝብሉ ብዙሓት'ዮም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ግጭትን ዘይምርግጋእን፣ ጥቕዓትን ዜጋታትን ሕቶ ባንዴራን ቐጻሊ ትኹረት ዝሓቱ ጉዳያት'ዮም።
እዞም ፍጻሜታት መልክዕ እንተድኣ ዘይሒዞም ግና ነቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ዉልቀ መላኺ ክገብሩዎ ይኽእሉ'ዮም ክብል ስግኣቱ የቐምጥ ጃዋር መሓመድ።
"እታ ሃገር ናብ ዕግርግር ከይተምርሕ፤ ከምኡ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር በዚኦም ተገዲዱ ሓይሊ ናብ ምጥቃምን ምልክን ዝኸደሉ ዕድል ክህሉ ይኽእል። ካብዚ ሓሊፉ ግና ንዕኡ ገልቢጦም ናብ ሓድ ሕዳዊ ኵናት ከየእትዉና ይሰግእ'የ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, FITSUM AREGA/TWITTER
ልዕልነት ሕጊ
"መንግስቲ ፍቓድ ህዝቢ ከኽብር፣ ረብሓ ህዝቢ ክሕሉ ኣለዎ" ዝብል ኣንዱኣለም፡ ድሕሪ ሕዚ ፖለቲካዊ ጠላዕ ዘይኾነ ድልየት ህዝቢ እናሰምዐ፣ ረብሓ ህዝብን ሃገርን፣ መሰልን ናጽነትን ዘኽብር መንግስቲ ክኸዉን ኣለዎ" ይብል።
ጃዋር መሓመድ ብወገኑ ሰላማዊ መገዲ ቃልሲ ክላለ ናይ ኣተሓሳስባ ለዉጢ ኣብ ምምጻእ ክስራሕ ይግባእ በሃሊ'ዩ።
እዚ ኩሉ ንክዕወት ግና ሕዚ ካብታ ሃገር ሃለዋቶም ጠፊኡ ዘሎ ምክእኣል፣ ምክብባርን ሓድነትን ናብ ዝነበሩዎ ንምምላስን እቲ ዝመጽእ ፖለቲካዊ ለዉጢ መልክዕ ክሕዝ ድማ ትዕግስቲ፣ ጽንዓትን ክትትልን ከምዘድሊ እቶም ሰብ ሞያ የገንዝቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







