ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ዘቕረቡዎም ሹመኛታት ሚኒስትራት ቃለ መሓላ ፈጺሞም

ምንጪ ስእሊ, EBC
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎም መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ሽግሽግን ሹመትን ሚኒስትራት ኣጽዲቑ።
ዝርዝር ሕጹያት ሹመት ዘቕረቡ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዝነበረ ጸብጻብ ኣፈጻጽማ ሚኒስትር ኣብያተ ጽሕፈታት ብምግምጋም ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት ብኣግባቡ ንምምላስ፡ ሽግሽግ ሚኒስትራት ምክያድ ኣድላዪ ኾይኑ ከምዝተኣመነሉ ኣብሪሆም።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ጸገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ዓቅሚ ምህናጽን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ምዕባይ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምእማን 6 ሚኒስትራት ቅድም ኢሉ ካብ ዝነበርዎ ሚኒስትር ቤት ጽሕፈት ክዘዋወሩ፣ 10 ድማ ሓደሽቲ ሹመኛታት ኣቕሪቦም። ብመሰረት እዚ፡
1 ኣይተ ሽፈራዉ ሽጉጤ ወላሳ፡ ሚኒስትር ሕርሻን ሃብቲ እንስሳን
2 ሲራጅ ፈጌሳ ሸረፋ፡ ሚኒስትር መጓዓዝያ
3 ዶክተር ሂሩት ወልደማርያም፡ ሚኒስትር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን
4 ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ፡ ሚኒስትር ልምዓት መንግስቲ
5 ኣይተ ዑመር ሑሴን፡ ብመዓርግ ሚኒስትር፡ በዓል መዚ ግምሩክን እቶትን
6 ወይዘሮ ኡባ መሓመድ ሑሴን፡ ሚኒስትር፡ መራኸቢ፣ ሓበሬታን ኢንፎርሜሽንን
7 ዶክተር ኣምባቸዉ መኮንን ሲሳይ፡ ሚኒስትር ኢንዳስትር
8 ኣይተ ሞቱማ መቃሳ፡ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር
9 ወይዘሮ ፎዚያ ኣሚኒ፡ ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን
10 ኣይተ ኣሕመድ ሸዴ መሓመድ፡ ሚኒስትር ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ
11 ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ፡ ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኣባይትን
12 ኣይተ መለሰ ኣለም በርበሮ፡ ሚኒስትር መዓድንን ኢነርጅን
13 ኣቶ ብርሃኑ ጸጋዬ ኣበራ፡ ጠቅላይ ኣቃቢ ሕጊ
14 ወይዘሮ ያለም ጸጋይ ኣስፋዉ፡ ሚኒስትር ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን
15 ኣይተ መላኩ ኣዲስ፡ ሚኒስትር ንግዲ
16 ዶክተር ኣሚር ኣማን፡ ሚኒስትር ጥዕና

ምንጪ ስእሊ, ZACHARIAS ABUBEKER
ቐይሕ መስመር ንግዕዝይና
እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ዘቕረቡዎ ሹመት ሚኒስትራት ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ሕቶታት ቐሪቦምሎም'ዮም።
ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣብ ሰለስተ ዓመት ዉሽጢ ሰለስተ ግዜ ሚኒስትራት ተሸይሞምሉ፣ ትልሚ ዕብትን መሰረታዊ ዝላን ክልተ መጻወቲ ኾይኑ፣ ሚኒስትራት ቐልጢፎም ይለዋወጡ ኣለዉ፣ ኣወዳድባ ዉጽኢት መሰረት ዝገበረ ክኸዉን ኣለዎ፣ ንኣብ ምዕባይ ዝርከባ ክልላትን ኣጋር ዉድባትን ዝወሃብ ትኩረት ክዉስኽ፣ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ'ዉን ክዓቢ ኣለዎ ዝብሉ ርኢይቶታትን ሕቶታተን ይርከቡዎም።
ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ንዝቐረበሎም ሕቶን ርኢይቶን እንትምልሱ፡ ቑጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባእ ሹመት ካቢኔ ከምዝዘንግዐ ተዛሪቦም። እቲ ሎሚ ዝቐረበ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ጥራሕ ዝቐርብ ክመዝኾነ ብምግላጽ፡ ብመዓርግ ሚኒስትር ዝሽየማ ደቂ ኣንስትዮ ክህልዋ'የን ኢሎም።
ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ክልላት ክወሃብ ዝግብኦ ትኹረት ተዛሚዱ ንዝተልዓለ ሓሳብ ቕቡል'ዩ ብምባል፡ ትኣካለት ልምዓት ካብዘን ክልላት ብዝመጽኡ ሰባት ክምርሑ ምግባር ከምዝተጀመረን፡ ንቕድሚት ዓቕሚ ብመሰረት ዝፈቕዶ ከምዝስራሕን ተዛሪቦም።
ካብዚ ሓሊፉ ግና ኢሎም ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብዪ፡ እታ ሃገር ዘለዋ ሃብቲ ተጠቒምካ ካብ ድኽነት ንምንጋፍ፣ ባህሊ ስራሕ ንምዕባይ፣ መንፈስ መገልገላይነት ዘለዎም ኣመራርሓ ንምፍላይ ጻዕሪ ከምዝተገበረን ተሞክሮ ዘለዎም ኣመራርሃ ክመጹ ከመዝተገበረን ኣብሪሆም።
ንቕድሚት፡ ሃብትን ንብረትን ህዝብን ሃገርን ዘዕኒ ዘሎ ግዕዝይናን ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘቕርቦ ቅርታ ኣአወሃህባ ኣገልግሎትን ቐይሕ መስመር ዝተቐመጦም ብሻላ ማላ ዘይሕለፉ ጉዳኣት ከምዝኾኑ ኣስሚሮምሉ።
"ህዝቢ ዘመድ ኣዝማድን ገንዘብን ኣሊሹ ክግልገል ዝገብር ኣሰራርሓ ክህሉ ምግባር ኮነ ግዘ፣ ገንዘብን ንብረትን ዘዉድም ተግባር ግዕዝይና ዝተፈለየ ኽትትል ዘድልዮም ቀይሕ መስመር ዝተቀመጦም ጉዳያት'ዮም"።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







