መረፃ ኣይቮሪኮስት፡ ፕረዝደንት ኣይቮሪኮስት 94 ሚእታዊት ድምፂ ብምርካብ ተዓዊቱ

ደገፍቲ ኣላሳኔ ኦታራ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ደገፍቲ ኣላሳኔ ኦታራ ኣብ ፕረዝደንታዊ መረፃ ንሳልሳይ እብረ ክወዳደር ተፈቒድሉ'ዩ ነይሩ ይብሉ

ፕረዝደንት ኣላሳኔ ኦታራ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ እታ ሃገር ከይወዳደሩ ኣብ ዝኣደምሉ ኣካትዓይ ፕረዝደንታዊ መረፃ፡ ንሳልሳይ እብረ ተዓዊቱ።

እቲ ፕረዝደንት ካብ ሓፋሻዊ ድምፂ መረፃ 94 ሚእታዊት ከምዝረኸበ ድማ፡ ኮምሽን መረፃ እታ ሃገር ዕላዊ ጌሩ ኣሎ።

ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኣይቮሪኮስት 54 ሚእታዊት ጥራሕ ዘድመፀ ኮይኑ፡ ቤት-ምኽሪ (ካውንስል) ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር፡ ነቲ ውፅኢት ከምዝቕበሎ ኣፍሊጡ።

ቀንዲ ተቓወምቲ ውድባት ኣይቮሪኮስት፡ ሓድሽ መረፃ ዘወሃህድ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዘጣይሹ፡ ትማሊ ሰኑይ ገሊፆም ነይሮም።

ሕፁያት ተቓወምቲ ውድባት፡ ፓስካል ንጉሳን ሄንሪ ኮናን፡ ደገፍቶም ኣብዚ ፕረዝደንታዊ መረፃ ድምፆም ከይህቡ፡ ኣገንዚቦም'ዮም።

ክልቲኦም ሕፁያት ተቓወምቲ ውድባት ኣብዚ መረፃ ንሕድሕዶም 1 ሚእታዊትን 2 ሚእታዊትን ድምፂ ክረኽቡ ከለዉ፡ ራብዓይ ተወዳዳሪ ኮኡዲዮ ኮናን ቤርቲን ድማ፡ 2 ሚእታዊት ድምፂ ከምዝረኸበ ተገሊፁ።

እቶም ተቓወምቲ፡ ፕረዝደንት ኣላሳኔ ኦታራ ንሳልሳይ እብረ ምምራፁ፡ ዘይሕጋዊ ምዃኑ እዮም ዝገልፁ።

ፓስካል ንጉሳን፡ "ኣላሳኔ ኦታራ ፕረዝደንት እታ ሃገር ምዃኑ፡ ነታ ሃገር ናብ ኲናት ሕድሕድ እዩ ዘጥሕላ" ኢሉ።

ደገፍቲ እቲ ፕረዝደንት ግና፡ ንርኢቶ እቶም ተቓወምቲ ኣይቕበልዎን።

ገዛኢ ውድብ እቲ ፕረዝደንት ድማ፡ ተቓወምቲ " ነታ ሃገር ንምንዋፅ" ዝገብርዎ ሃቀነ ደው ከብሉን፡ ኣብ 2010 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተፈጠረ ሕድሕድ ኲናት ከይድገምን ኣጠንቂቑ።

ፕረዝደንት ኣላሳኔ ኦታራ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ፕረዝደንታዊ መረፃ ንሳልሳይ እብረ ከምዝወዳደር ዕላዊ ምግባሩ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ናዕብን ተቓውሞን፡ ህይወት 16 ሰባት ምጥፍኡ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም እቲ ፕረዝደንታዊ መረፃ እንትካየድ ድማ፡ ብዉሑዱ 9 ሰባት ከምዝተቐተሉ፡ ኤኤፍፒ ፀብፂቡ።

ኣላሳኔ ኦታራ ተመሓይሹ ዝፀደቐ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ዝነበረ ገደብ ግዘ ብምልዓል፡ ናይ ምውድዳር መሰል ከምዝሃቦ እዩ፡ ዝሙግት።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ዝቕፅል ፕረዝደንታዊ መረፃ ከምዘይወዳደርን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣማዱ ኩሊባሊ ሕፁይ ፕረዝደንት ኮይኑ ከምዝወዳደርን ምፍላጡ ይዝከር።

ይኹን'ምበር፡ ፕረዝደንት ኦታራ ኮነ ብዙሓት ዘተስፈውሉ ኣይሰመረን፤ ኣማዱ ኩሊባሊ ብምሟቱ፡ እቲ ፕረዝደንት ንሳልሳይ እብረ ንባዕሉ ሕፁይ ጌሩ ኣቕሪቡ።