ፈረንሳይ 1,600 ስደተኛታት ካብ ግዝያዊ መዕቖቢ ኣውጺኣ

ስደተኛታት ኣብ ፓሪስ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፖሊስ ፈረንሳ[ይ]፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ዓዲ ካብ ዝነበሩ ክልተ ግዝያዊ መዕቖቢ፡ 1600 ስደተኛታት ናብ ካሊእ ስፍራ ኣግዒዛ።

እዞም ኣስታት 600 ዝኾኑ ፖላስ፡ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ፓሪስ ናብ ዝርከብ ሓደ ማእኸል ዝወሰድዎም፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንስደተኛታት ዝዕግት ሓድሽ ሕጊ ምእዋጁ ስዒቡ እዩ።

መብዛሕተኦም እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ትሕቲ-ሳህሪ ኣፍሪቃን ካብ ኣፍጋኒስታንን ዝመጽኡ እዮም።

ኣብ ጥቓ ፓሪስ ዝርከቡ ክልተ ግዝያዊ መዕቖቢ ስድደተኛተታት፡ ካብ ፕላስቲክ ዝተሰርሑ እዮም። ኣብዚ መዕቖቢ ንሓደ ዓመት ዝጸንሓት ጓል 32 ዓመት ተወላዲት ኣይቮሪኮስት ኣዋ፡ "እቲ ዳስ ብጣዕሚ ዝሑል እዩ። ዝናብ ኣሎ። ካብዚ ተላዒለ ናበይ ከምዝኸይድ እንተዘይፈለጥኩ'ኳ፡ ናሕሲ ናብ ዘለዎ ክወስዱና እዮም ኢለ ስለዝኣምን ደስ ኢሉኒ እዩ" ክትብል ተዛሪባ።

ፓሪስ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት መዕቖቢ ከይሰርሑ፡ ኣስታት 16 ሽሕ ሰባት ዝሕዙ ሓደሽቲ ሰለስተ መዕቖቢ ማእኸላት ከምዝተሃንጹ፡ ሚኒሰተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳይ ገሊጹ።

ዛጊት ሕቶ ዕቑባ ኣቕሪቦም፡ ዝረኸቡን ዘይረኸቡን ከምኡ'ውን እዚ መሰል ዝተኸልከሉ ጉዳዮም ኣብ ቀረባ ከምዝረአ ወሲኹ ሓቢሩ።

ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብርትዕ ዝበለ ስጉምቲ እናወሰዱ እዮም።

ፈረንሳይ ካብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጹ ሰራሕተኛታት ከምእትዓግት ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ዕላዊ ገይራ።

ኣብታ ሃገር ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይበሎም ሰባት ድማ ነጻ ኣገልግሎት ሕክምና ከይረኽቡ ተወሲኑ።

ከምኡ ድማ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፓሪስ፡ ካብ ዳስ ዝተሰርሑ ግዝያዊ መዕቖብቲ ማእከላት፡ ኣብዚ ዓመት መወዳእታ ክፈርሱ እዮም ተባሂሉ'ሎ።