ሞት ስደተኛታት፡ ቁጽሪ ሬሳኦም ዝተረኽበ ግዳያት 43 በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, IOM
ቁጽሪ እቶም ብሰንኪ ሓደጋ ምጥሓል ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ ጃላቡ ዝሞቱ ግዳያት ከም ዝወሰኸ ትካል ስደት ዓለም (ኣይ ኦ ኤም) ሓቢሩ። ዛጊት ሬሳ ናይ 43 ግዳያት ከም ዝተረኽበ፡ 16 ድማ ካብቲ ሓደጋ ብሂወት ከም ዝደሓኑን ተፈሊጡ።
ሃለዋት ናይቶም ዝበዝሑ ግን ጌና ከም ዘይተፈልጠን፡ ብሂወቶም ይኹን ሬሳኦም ንምርካብ ዝካየድ ጻዕርታት ይቕጽል ምህላዉ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ገሊጾም።
ብረቡዕ ጥራይ 38 ሬሳታት ከም ዝተረኽበ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ኣረጋጊጾም። ቁጽሪ ናይቶም ግዳያት ክውስኽ ከም ዝኽእል ትጽቢት ይግበር።
እተን ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ ጃላቡ ካብ ጂቡቲ ተበጊሰን ናብ የመን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምስጋር ጉዕዘአን ምስ ጀመራ ድሕሪ 30 ደቓይቕ እቲ ሓደጋ ከም ዘጋጠመን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ተዛሪቦም።
እቲ ሓደጋ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ጂቡቲ ዝርከብ ኦቦክ ዝተባህለ ከባቢ ከም ዘጋጠመን፡ ሓለዋ ባሕሪ እቲ ከባቢ፡ ብሰሉስ ሓሙሽተ ሬሳን ክልተ ብሂወቶም ዝደሓኑን ከም ዝረኸቡ'ውን እቲ ትካል ጠቒሱ።
እተን ጃላቡ፡ ልዕሊ ዓቕመን ብምጽዓነን እቲ ሓደጋ ኣጋጢምወን ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
እቲ ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ ሬሳ ናይ ሰለስተ ደቂ-ኣንስትዮን፡ ክልተ ደቂ ተባዕትዮን'ዩ።
እቲ ትካል ምስ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ብምትሕብባር ነቶም ሃለዋቶም ዘይተረኽበ ንምንዳይ ዝካኣሎም ይገብሩ ከም ዘለዉን፡ ኣባላት ናይቲ ትካል ሓደ ብሂወቱ ዝደሓነ ሰብ ከም ዝረኸቡን ወሲኹ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, IOM
እቲ ሰብ ከም ዝሓበሮ፡ እታ ተጻዒኑላ ዝነበረ ጃልባ 16 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 130 ሰባት ጽዒና ምንባራ ተዛሪቡ።
እተን ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ንየመን ዝኸዳ ዝነበራ ክኾና ከም ዝኽእላ ይግለጽ።
ካብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተበገሱ ስደተኛታት ናብ ማእከላይ ምብራቕ (ሃገራት ወሽመጥ) ንምእታው ነቲ መስመር ክጥቀምሉ ከም ዝጸንሑን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተመሳሳሊ ሓደጋታት ከጋጥም ከም ዝጸንሐን ይፍለጥ።
ካብ 2014 ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 199 ሓደጋታት ከም ዘጋጠመ እቲ ትካል ዘውጽኦ መጽናዕታዊ ሓበሬታ የረድእ።
- 2014 - 249
- 2015 - 82
- 2016 - 109
- 2017 - 111
- 2018 - 156
ብወለንተኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ኣብ ኣቦክ ኣብ ትሕቲ እቲ ትካል ይእለዩ ከም ዘለዉ'ውን ኣይ ኦ ኤም ጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣስታት 350 ኣብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ የመን ተኸርዲኖም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ብሓገዝ እቲ ትካል ኣብዚ ሰሙን'ዚ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም ኣይ ኦ ኤም ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







