ብዓለም ለኸ ቤት-ፍርዲ ገበነኛታት ዝተኸሰሱ መራሒ ኣይቮሪኮስት ነበር ላውረንት ባግቦ ነፃ ተባሂሉ

ላውረንት ባግቦ፡ ኣብ ቤትፍርዲ መጋባእያ ገበነኛታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ላውረንት ባግቦ፡ ኣብ ቤትፍርዲ መጋባእያ ገበነኛታት ዝቐረቡ ፈላማይ መራሒ ሃገር እዮም

ነበር ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስት ላውረንት ባግቦ፡ ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝነበሮ ክሲ ድሕሪ ምቁራፁ፡ ናብ ቤልጅየም ኣቕኒዑ።

ላውረንት ባግቦ፡ እቲ ኣብ 2010 ዓ. ም. ፈ ዝተኻየደ ኣካታዒ መረፃ ስዒቡ ብዝተፈጠረን፡ሰለስተ ሽሕ ሰባት ዝሞቱሉን 500 ሽሕ ዝተመዛበሉሉን ህዉከት ምኽንያት፡ ብግህሰት መሰል ደቂ ሰባት ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ክኢሉ እዩ።

እዚ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ፈላማይ ፕረዚደንት፡ ዝቐረበሉ ክሲ ውድቂ ምስ ኮነ ፡ኣብ ቤልጅየም ክነብር መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተሰማሚዑ።

ኣብታ ካብ ዓለም ዝዓበየት መፍረይት ካካዋ ዝኾነት ኣይቮሪኮስት፡ ጎንፂ ዝተፈጠረ፡ ላውረንት ባግቦ ውፂኢት መረፃ ብዘይምቕባል፡ ንቐንዲ ተናሓናሒኡ ኣላሳን ኦታራ ስልጣን ኣየረክብን ብምባሉ እዩ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2010 ድሕሪ መረፃ ኣብ ዝነበረ ናዕቢዝተጎድኡ ግዳያት ምፍታሕ ባግቦ ይቃወሙ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2010 ድሕሪ መረፃ ኣብ ዝነበረ ናዕቢዝተጎድኡ ግዳያት ምፍታሕ ባግቦ ይቃወሙ ኣለዉ

ነዚ ስዒቡ እዩ ድማ ፡ ኣብ 2011 ብሕቡራት መንግስታትን ብፈረንሳይን ብዝድገፉ ሓይልታትን፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ቡንከር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ።

ዓቃቢ ሕጊ ብግህሰት መሰል ደቂሰባት፣ ቅትለት፣ ፆታዊ ዓመፅን ጥቕዓትን፣ ምስቓይን ካልኦት ኢ-ሰብኣዊ ተግባራትን ዝኸሰሶ እቲ ፕረዚደንት ነበር ፡ ንኹሎም ክስታት ፖለቲካዊ እዮም ክብል ኣይተቐበሎምን።

ነዚ ጉዳይ ክርእዩ ዝፀንሑ ዳያኑ ላውረንት ባግቦ፡ ብምግሃስ መሰል ደቂ ሰባት ንምኽሳስ፡ እኹል መረዳእታ ኣይረኸብናን ድሕሪ ምባሎም ፡ እቲ ዓለምለኸ ቤት-ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክፍትሑ ወሲኑ እዩ።

ሓደ ሓደ ሰብ ሞያ እቲ ውሳነ ነቲ ስም ናይቲ ቤት ፍርዲ ዝጎድእ እዩ እንትብሉ፡ ገለገሊኦም ድማ እቲ ቤት ፍርዲ ካብ ኢድ ኣእታውነት ነፃ ምዃኑ የርኢ ይብሉ።