እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዓለም ለኸ ቤት-ፍርዲ ገበነኛታት ዝተኸሰሱ መራሒ ኣይቮሪኮስት ነበር ላውረንት ባግቦ ነፃ ተባሂሉ
ነበር ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስት ላውረንት ባግቦ፡ ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝነበሮ ክሲ ድሕሪ ምቁራፁ፡ ናብ ቤልጅየም ኣቕኒዑ።
ላውረንት ባግቦ፡ እቲ ኣብ 2010 ዓ. ም. ፈ ዝተኻየደ ኣካታዒ መረፃ ስዒቡ ብዝተፈጠረን፡ሰለስተ ሽሕ ሰባት ዝሞቱሉን 500 ሽሕ ዝተመዛበሉሉን ህዉከት ምኽንያት፡ ብግህሰት መሰል ደቂ ሰባት ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ክኢሉ እዩ።
እዚ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ፈላማይ ፕረዚደንት፡ ዝቐረበሉ ክሲ ውድቂ ምስ ኮነ ፡ኣብ ቤልጅየም ክነብር መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተሰማሚዑ።
ኣብታ ካብ ዓለም ዝዓበየት መፍረይት ካካዋ ዝኾነት ኣይቮሪኮስት፡ ጎንፂ ዝተፈጠረ፡ ላውረንት ባግቦ ውፂኢት መረፃ ብዘይምቕባል፡ ንቐንዲ ተናሓናሒኡ ኣላሳን ኦታራ ስልጣን ኣየረክብን ብምባሉ እዩ።
ነዚ ስዒቡ እዩ ድማ ፡ ኣብ 2011 ብሕቡራት መንግስታትን ብፈረንሳይን ብዝድገፉ ሓይልታትን፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ቡንከር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ።
ዓቃቢ ሕጊ ብግህሰት መሰል ደቂሰባት፣ ቅትለት፣ ፆታዊ ዓመፅን ጥቕዓትን፣ ምስቓይን ካልኦት ኢ-ሰብኣዊ ተግባራትን ዝኸሰሶ እቲ ፕረዚደንት ነበር ፡ ንኹሎም ክስታት ፖለቲካዊ እዮም ክብል ኣይተቐበሎምን።
ነዚ ጉዳይ ክርእዩ ዝፀንሑ ዳያኑ ላውረንት ባግቦ፡ ብምግሃስ መሰል ደቂ ሰባት ንምኽሳስ፡ እኹል መረዳእታ ኣይረኸብናን ድሕሪ ምባሎም ፡ እቲ ዓለምለኸ ቤት-ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክፍትሑ ወሲኑ እዩ።
ሓደ ሓደ ሰብ ሞያ እቲ ውሳነ ነቲ ስም ናይቲ ቤት ፍርዲ ዝጎድእ እዩ እንትብሉ፡ ገለገሊኦም ድማ እቲ ቤት ፍርዲ ካብ ኢድ ኣእታውነት ነፃ ምዃኑ የርኢ ይብሉ።