ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ፡ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓዞ ጉዳያት ፕሮግራማት ይስርሑ?

ዝተሓብኡ ገበናት ግዕዝይና፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ብኽነት ሃብትን ካልእን፡ ብሞያ ጋዜጠኝነት መርመራዊ ስራሕ ብምክያድ፡ ብሚዲያታት ምቅላዕ ልሙድን ብብዙሓት ዝንኣድን ስራሕ'ዩ።

እዚ፡ ልዑል ልምዲ ዝሓትት ኮይኑ፡ 'ኣፍሪካ ኣይ' ዝብል ናይ ቢቢሲ መርመራዊ ምድላው ሓዊስካ፡ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም፡ ብርክት ዝበሉ ብሉፃት ስራሕቲ ይቐርቡ'ዮም።

ፓናማ ፔፐርስ፡ ንድሕሪ 1970ታት ተመሊሱ ክሳብ 2015 ተፈጺሞም ዝተብሃሉ፡ ግን ድማ ዝተሓብኡ ፋይናንሳዊ ሓበሬታታት ውልቀ ሰብሃፍትን ሰበ ስልጣንን ዘቃልዐ፡ በዓል 11.5 ሚሊዮን ገጽ መርመራዊ ሰነድ'ዩ።

እዚ ኣብ 80 ሃገራት ዝርከቡ 107 ጋዜጠኛታት ብምስታፍ፡ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝወሰደ መርመራ፡ ንፈላማ ግዘ ወርሒ ሚያዚያ 2016 ኣብ ኣየር እንትውዕል፡ ኣብ መረዳእታ ንዝተሞርኮዘ ጋዜጠኝነት እምነ ኩርናዕ ዘንበረ ተባሂሉ ናእዳ ረኺቡ።

እዚ እዋን ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓሳቡን ርኢይትኡን፣ ግምቱን ድምዳሜኡን ካብ ዘመሓላልፈሎም ቑጽሮም ዘይነዓቕ ማሕበራዊ ሚዲያ ጀሚሩ፡ ብስሩዕ መንግስቲ ዝምውለንን ውልቀ ሰብሃፍቲ ዝመርሑወንን ሚዲያታት ዝርኣየሉ'ዩ።

እዚ'ውን ኾይኑ ግና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝርከቡ ማዕከናእ ዜናን ጋዜጠኛታትን ዝስዕቡዎ ሞያ ጋዜጠኝነት፣ ዘለዎም ናጽነትን ፋይናንሳዊ ዓቕምን ብማዕረ ዝዳነ ኣይኮነን።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጥራሕ'ኳ እንተርኢና፡ ኬንያ ልዕሊ 90 ኤፍ ኤማት፣ ልዕሊ 60 ቴሌቭዥንን ቑጽሮም ብወግዒ ዘይፍለጥ ጋዜጣን መጽሄትን ኣለዋ። እዚ'ውን ኮይኑ ግና፡ ካብተን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ናጽነት ሚዲያ ኢደን ዝሕውሳ ሓንቲ ተባሂላ'ያ ትንቀፍ።

ኢትዮጵያ ብወገና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እናማዕበሉ ዝመጽኡ ናይ ብሕትን መንግስትን መራኸብቲ ሓፋሽ'ኳ እንተሃለዋ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ እታ ሃገር ዝፍጸሙ ዓበይቲ ገበናት ግዕዝይናን ካልእን ዘቃልዑ መጽናዕቲ መሰረት ዝገበሩ መርመራዊ ምድላዋት ኣብ ምቅላሕ ዝነኣድ ርሕቐት ኣይተጉዓዘትን ተባሂላ ትንቀፍ።

ብሓፈሻ ግና መራኸብቲ ሓፋሽ፡ ኣብ ክንዲ ሓደ መንግስቲ ክጥቀመሉ ዝደልዮ ኣጀንዳ እንትህሉ ብቲ ዝደልዮ ፍጻሜ ተሞርኪዘን ዝሰርሓ፡ ኣቐዲመን ካብ ፈጻሚ ኣካል ቖላሕታ ዝተነፍጎም ጸገማት እቲ ሕብረተሰብን ካልእን ብምፍታሽ፡ ኣካል ፍታሕን ምርግጋጽ ተሓታትነትን ክኸና ትጽቢት ይግበር ይብሉ ሰብ ሞያ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ እናሃለወ ግን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግዕዝይናን ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ስራሕ ሜቴክን ግልጋሎት ድሕንነትን ነበር ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምውዓሎም፡ ዝተፈላለያ ሚዲያታት ዘአንገድኦ ሰነዳዊ ፊልሚ (ዶክመንተሪ) ከካትዕ ቐንዩ።

'ፍርዲ ብሚዲያ'

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ብገበን ግዕዝይናን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝጥርጥሮም ሰባት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ምጽራይ ከምዘካየደን፡ ብቐጻሊ'ውን ከምዘካይድን ምግላጹ ዝዝከር'ዩ።

ኣብዚ እዋን፤ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኣካይደዮ ዝበሎ ምጽራይ ገበን ግዕዝይና፡ ኣብ ሓደ መንግስታዊ ትካል መሰረት ዝገበረ ኾይኑ፡ ፖሊስ መረዳእታ ረኺበሎም'የ ዝበሎም ጥርጡራት ድማ ናብ ሕጊ ኣቕሪቡ'ዩ።

ብመሰረት እዚ ብበናት ግዕዝይናን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን 63 ሰባት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ውዒሎም"ዮም ተባሂሉ።

ገና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘይኣተው ድማ፡ ብቐጻሊ ምጽራይ ኣካይዱ ናብ ፍርዲ ከምዘቕርብ ኣብ ዝገለጸሉ ቕጽበት ግና፡ ገለ ኣብታ ሃገር ዘለዋ መራኸብቲ ሓፋሽ፡ ኣብ ኮርፖሬሽን ኢንጅነሪንግ ሓጺነ መጺን (ሜቴክ) ተፈጺሙ ተባሂሉ ንዝጥርጠር ገበን ግዕዝይና፡ ዝድምድም ሰነዳዊ ምድላው ኣቕሪበን ተባሂሉ ብዙሓት ክነቕፉወን ተራእዩ።

መምህር ሕጊ ሚዲያ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ሰለሞን ጎሹ፡ ሚዲያ ብሕጊ ዝግዛእ ትካል ኾይኑ ሞያዊ ስነ ምግባር'ውን ዘለዎ ስለዝኾነ፡ ብመንጽር ስነ ምግባር ጋዜጠኝነት 'ከምዚ ምግባር እንታይ ማለት'ዩ?' ዝብል ከለሊ ሓላፍነት ኣለዎ ኢሉ።

"ብመንጽር ሕጊ ድማ፡ ቤት ፍርዲ ክሳብ ዘይፈረዶም ጥርጡራት ንጹሃት ኮይኖም ክርኣዩ መሰል ኣለዎም። ሕጊ ድማ፡ እዞም ሰባት ክሳብ ዘይተፈረዶም ንጹሃት'ዮም ዝብል'ዩ ዝወስድ" ዝብል ኣቶ ሰለሞን፡ ፖሊስ ዝገመቶ ነገር እንትውዳእ ዓቃቢ ሕጊ ድማ ናይ ምኽሳስ መሰል ኣለዎ ኢሉ።

እቲ ሙሁር ኣካይዳ ኽስን ቤት ፍርድን እንተብርህ፡ ድሕሪ ፖሊስ ዘቕረቦን ዝሓዞን፡ ካብ ዓቃቢ ሕጊ ኽሲ ክምስረት ትጽቢት ከምዝግበርን ዓቃቢ ሕጊ ድማ፡ ፖሊስ ሒዘዮም ካብ ዝበሎም መረዳእታታት ልዕል ዝበለን ዝዓሞቐን መረዳእታ ክቐርብ ከምዘለዎም ይገልጽ።

"ድሕሪ እዚ፡ ቤት ፍርዲ፡ ተኸላኸል ይብለካ፤ የማነ ጸጋም ዘሎ ክትዕ ድማ ይሰምዕ። ክሳብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ይግብኣኒ ኢልካ ክሳብ ዝኸይድ፡ ሓደ ጥርጡር ዓርሱ ናጻ ናይ ምግባር መሰል ስለዘለዎ ጥፍኣተኛ ኢልካ ኣይትግምቶን" ክብል ይገልጽ ሙሁር ሕጊ ኣቶ ሰለሞን።

ጉዳይ ሓደ ጥርጡር እዚ ከይዲ ተኸቲሉ ኣብ ዝኸደሉ ህሞት ዝርአይ ንጥርጡራት 'ገበነኛታት' ዝብል ምስሊ ዘትሕዝን ዘሕልፍን ጸብጻብ ግና፡ "ፍርዲ ብሚዲያ" ምሃብ እዩ ክኸውን ብምባል ይነቅፍ።

"እዚ ኣቐዲምካ ብሚዲያ ዝወሃብ ፍርዲ ስርዓት ገበን መጋብኣያ ምድፋር'ዩ። እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኾነ ስርዓት ፍትሒ ይመርሑ ዝነበሩ ሰባት፡ ዝኽተሉዎ ዝነበረ'ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ውልቀ ሰባት ተሓተትቲ ንምግባር ዝስርሑ ፕሮግራማት ነይሮም'ዮም።

እቲ ሚዲያ ድኹም ስለዝነበረ እምበር፡ ብሚዲያ ዘሎን ዘየለን ጌርካ መንግስቲ ናብ ዝደልዮ ኣንፈት ምኻድ ነይሩ'ዩ። ሕዚ'ውን እዚ እዩ ዝድገም ዘሎ። እዚ ግቡእ ኣይኮነን፡ ክቕጽል'ዉን የብሉን። መንግስቲ ብቤት ፍርዲ እምበር ብሚዲያ ኣይኮነነን ክረትዐካ ዝግብኦ" ብምባል ነቒፉ።

እዚ'ውን ኮይኑ ግና ይብል ሙሁር ሕጊ፣ ኮምዩኒኬሽንን ማሕበራዊ ለውጥን ጋዜጠኛ ሚኪያስ ሰብስቤ፡ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓዞ ጉዳይ ሚዲያታት ሰነዳዊ ምድላው ሰሪሐናሉ ምቕራቡ ዘይኮነ ዓቕሚ ውሳነ ወሃብነት እቲ ቤት ፍርዲ'ዩ ክርአ ዘለዎ ይብል።

"ናይተን መራኸብቲ ሓፋሽ ጸብጻብ ዘይኮነ ንንዓቕሚ ውሳነ ወሃብነት ኣብያተ ፍርዲ ዝጻባእ፡ እቶም ኣብያተ ፍርዲ ካብዚ ናጻ ናይ ምኻን ዓቕሞም ትሑት እንተኾይኑ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ክኸውን ዝግብኦ ይብል ጋዜጠኛ ሚኪያስ፡ ኣወዳድባ እቶም ኣብያተ ፍርዲ ካብ ጽዕንቶ ፈጻሚ ኣካል ክንደየናይ ናጻ'ዩ? እዚ ሰነዳዊ ምድላው ተሰርሐ ኣይተሰርሐ፡ እዞም ሰባት ብናጽነት ይዳንዩ'ዶ? ዝብል እምበር፡ ጸብጻባት ሚዲያ ጥራሕ፡ ቤት ፍርዲ ናብ ጽዕንቶ የእቱ'ዶ ኣየእቱን ናብ ዝብል ክውሰድ የብሉን" ብምባል ካብ ሰለሞን ዝተፈለየ ሓሳብ የቕርብ።

እዚ'ውን ኮይኑ ግና ምስ ገበናት ዝተትሓሓዙ ጸብጻባት ክተቕርብ እንከለኻ፡ እቲ ጥርጡር 'ገበነኛ'ዩ' እናበልኸ ኣይኮነን ዝብል ሙሁር ሕጊ ኣቶ ሰለሞን፡ ቤት ፍርዲ ርኢይቶ ኣብ ዘይሃበሉ ጉዳይ ምስራሕ'ዩ እቲ ግጉይ መገዲ በሃሊ'ዩ።

"ህዝቢ ድማ ኣብቲ ትካል ከምዚ ዓይነት ርኢይቶታትን ሕቶታትን የልዕል ነይሩ፣ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐርቡ ዝነበሩ ጸብጻባት'ውን መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ጽዕንቶ የሕድሩ ነይሮም ምባል ትኽእል ኢኻ። ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓዞ ጉዳይ ብጸብጻብኻ ፍርዲ ምውሃብ ግና፡ ኣብ ዳይነት ጣልቃ ምእታው'ዩ" ክብል የስምረሉ።

ናጽነት ዳይነትን ርድኢት ሕብረተሰብን

ኢትዮጵያ፡ ልዑል መጠን ብልሽውና ካብ ዝርኣየለን ሃገራት ሓንቲ ምኻና'ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ እታ ሃገር'ውን ኣብ 2015 ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ድሕሪ ዝተልዓሉ ዓመጻትን ናዕብን፡ ምኽንያት ስእነት ዕግበት ሕብረተሰብ ዝኾኑ ጸገማት ብልሽውናን ኣወሃህባ ኣገልግሎትን መመሓየሺ ስጉምታት ከምዝወስድ ክመጻባዕ ጸኒሑ።

ብገበናት ብልሽውና ጠርጢረዮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ኣካላት ክወስዶ ጀሚሩዎ ዘሎ ስጉምቲ፡ ኣካል መብጽዕኡ ክኸውን ይኽእል'ዩ'ኳ እንተተብሃለ፡ ሚዲያታት እዞም ጉዳያት ከመይ ክሕዝኦም ኣለወን ዝብል ግና እቲ ዝነበረ ኣካይዳ ለውጢ ከምጽእ ከምለዎ እቶም ሰብ ሞያ ይሕብሩ።

ሙሁር ሕጊ ሚዲያን መምህር ሕግን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ሰለሞን ጎሹ፤ ንኣብ ፍርዲ ዘሎ ዛዕባ ጠሚቶም ዝመሓላለፉ ስራሕቲ ሚዲያን ጋዜጠኝነትን፡ ልክዕ ከምዘይኾኑ ብምግላጽ፡ ቤት ፍርዲ ናይ ምቕጻዕ መሰል ከምዘለዎ የቐምጥ።

"ቤት ፍርዲ መሰረታዊ ናይ ሕጊ ናይ ምስማዕን ናይ ምክልኻልን ከይዲታት ማእኸል ገይሩ፡ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል'ዩ። እቲ ዝመሓላለፍ ዘሎ ነገር፡ ናተይ ገለልተኝነት ዝነክእ'ዩ ኢሉ እንተሓሲቡ፡ ጠጠው ናይ ምባል፣ እቲ ትካልን ነቲ ጸብጻብ ዝሰርሐ ጋዜጠኛን ናይ ምቕጻዕ ስልጣን ድማ ኣለዎ"።

እዞም ጸብጻባት ናብ ሓደ ጸግዒ ዘዘንበሉ ኾይኖም፡ ናይቲ ሚዲያ ወገናውነት ብምርኣይ፡ ህዝቢ ግጉይ ድምዳመ ክሕዝ፣ ተጠርጠርቲ ናይ ምክልኻል መሰሎም ብምድፋእ ኣብ ዝከላኸልሉ እዋን ኣሉታዊ ጸቕጢ ከሕድርን ተኣማንነት ከጉድልን ይገብሩ'ዮም ኣብ ዝብል ግን ይስማምዑ፡ እቶም ሙሁራት።

"ቅድም ኢሉ'ውን ምስ ዝስርሑ ዝነበሩ ሰነዳዊ ምድላዋት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ንኢትዮጵያ ሓድሽ ኣይኮነን። ሕብረተሰብና ኣብ ሕጊ ዘለዎ ፍልጦ ትሑት ብምኻኑ፡ ጽዕንቶ ከሕድርን ንሓደ ኣካል ዘለካ ወገናውነትን ከርእን ይኽእል'ዩ። ሓደ ሰብ ተኸሲሱ እንትበሃል ግን፡ ናይ ኹሉ ወገን ድምጺ ኣትዩ ክስራሕ ኣለዎ። ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ግና፡ ኣብያተ ፍርዲ ሚዲያ ከሕድረለን ካብ ዝኽእል ጽዕንቶ ናጻ ክኾና ይግባእ" ይብል ሙሁር ሕጊ ጋዜጠኛ ሚኪያስ።

በዓል ሞያ ሕጊ ሰለሞን ብወገኑ፡ "እቲ ዝቐረበ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ንዝቐርብ ክርክር ኣቐዲምኻ ቅዋም ክትሕዝ ዝገብር'ዩ ብምባል፡ ክትትሕዞ ንዝግብኣካ ሓቂ ከምዘዋቕዕ የስምረሉ።

"ከም ኣብነት እቲ ዝሓለፈ ሰነዳዊ ምድላው፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ተሰሪሑ ከምዝቐረበ ይገልጽ። ብቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ተዳልዩ ማለት፡ ሓደ ዳኛ እቲ ላዕለዋይ ኣካል ከምዚ ኢልካ ወስን'ዩ ዝብለኒ ዘሎ ኢሉ ብምሕሳብ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ንምሕጓስ ግጉይ ስጉምቲ ክወስድ ክገብሮ ይኽእል'ዩ። እዚ ድማ ናጽነት ዳይነትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ክጉሕጓሕ ዝገብር'ዩ" ኢሉ።