"ፖለቲካዊ ተሳትፎና ዕዙዝ'ዩ" ማሕበር ስቪክ ሰብ ሕድሪ ትግራይ

እቲ ማሕበር ነቶም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ብዘይኣበስዎ በደል ንዝበፅሖም ዘሎ ኣባላት ብሄረ ትግራይን ካልኦትን ከይጥቅዑ ንምቅላስን ንምክልኻልን ዝዓለመ'ዩ ክብል ግዝያዊ ኣተሓባባሪ ግዝያዊ መሪሕነት ማሕበር ስቪክ ሰብ ሕድሪ ትግራይ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ማሕበር ህዝቢ ትግራይ ንፍትሕን ማዕርነትን፣ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ዴሞክራስያውነትን ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ ዘዐወቶም ክብርታት ንምዕቃብ ዓሊሙ ከምዝተጣየሸ'ዉን ይገልፅ::

"ካብቶም ቅድሚ ሕዚ ንፈልጦም ስቪክ ማሕበራት ብዝተፈለየ መልክዑ: ምስ ፍትሒ: ልዕልና ሕግን ሕገ መንግስታውነትን ግንዛበ ንምፍጣር እውን ክሰርሕ እዩ። ኣብ ቃልሲ ኣንፃር ኣካብነት ክራይን ብልሽውናን ህዝቢ ተሳትፎ ክህልዎ ዝነቐሐ ሕብረተሰብ ኣብ ምፍጣር እውን ክሰርሕ እዩ" ይብል ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ::

እቲ ማሕበር ዓበይቲ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊን ፖለቲካዉን ዛዕባታት ዝሓቁፍ ኮይኑ ከም ኩሎም ስቪክ ማሕበራት ካብ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ፅልዋ ናፃ'ዩ ከም ኣገላልፃ ኣይተ መሓሪ::

እቲ ማሕበር ንምጥያሽ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምንቅስቓስ ዝተጀመረ እምበር ሃንደበት ዝበቖለ ማሕበር ከምዝይኮነን ኣባል ግዚያዊ መሪሕነት ኣብ ከይዲ ዓንቀፍቀፍ ኣጋጢሚ ምንባሩ ይዛረብ::

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝግብር ዘሎ ቃልሲ ዝተወደበ መልክዕ ሒዙ ንኽካየድ እውን ሰብ ሕድሪ ክሰርሕ እዩ::

ተጋዳላይ ህወሓት ኮይኑ ኣባል ማሕበር ሰብ ሕድሪ ክኸውን እንተኾይኑ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ክኸውን የብሉን:: ትሕቲ መሪሕነት ህወሓት ዝነበረ ተጋዳላይ ግና ኣባል ክኸውን ይኽእል እዩ::

"ተጋደልቲ ክንብል ከለና ዋላ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ዘየለዉ መብዛሕቲኦም ሓርበኛታት: ሕላገት ናይቲ ገድሊ ዘይተጋደፎም: ንነዊሕ ግዜ ነቲ መበገሲ ቃልሲ ሒዞም ግን ድማ ዝተገለሉ ጀጋኑ ስለዝሓውስ ነቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ዘመላኽት ኣይኮነን" እዉን ኢሉ::

ካብዚ ብምብጋስ ካብ ህወሓት ዝኾነ ዓይነት ፅልዋ ዘይብሉን ንተጋደልቲ ዝሐሰሉ ምኽንያት ድማ እቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ መንእሰይ ካብቶም ነባራት ልምዲ ንምርካብን ክብርታት እቲ ቃልሲ ንምውራስን ከምዝኾነ ግልፂ ክኸውን ይግባእ ይብል ኣይተ መሓሪ::

ካብዚ ብምቕፃል እቲ ማሕበር ኣብ ቀረባ እዋን ዝፍፀሙ ዕማማት ኣነፂሩ'ሎ::

ብፍላይ ትካላዊ ቅርፂ ንምትሓዝ ቤት ፅሕፈት ምኽፋትን ኣባላት ናይ ምምዝጋብን ዋኒን ቀዳምነት ክወሃቦም እዩ::

እቲ ማሕበር ሒዝዎም ተበጊሱ ንዘሎ ዕላማታት መሀፍተሚ ዝኸውን ሃነፅቲ ሓሳባት ንምእካብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባታት ትግራይ ዋዕላታት ንምክያድ እውን ተተሊሙ ምህላዉ መግለፃ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ የረድእ::

ሕገ ደንቢ እቲ ማሕበር ክፀድቕን ኣመራርሓ ክምረፅን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምዝፅዋዕ እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ::

ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ ምሁር ፖለቲካዊ ሳይንስ ኮይኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር እዩ:: ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብንጥፈት ከምዝንቀሳቐስ እውን ይፍለጥ::