እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤተልሔም ታፈሰ፡ ዝቕይሮ ነገር የለን ትብል
ኣብ ቀረባ፡ ብቴሌቪዥን ኤልቲቪ ኣቦ መንበር ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ፡ ዶክተር ደሳለኝ ጫኔ፡ምስ ጋዜጠኛ ቤተልሄም ታፈሰ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ኣየር ምስወዓለ፡ ብዙሓት ኣዘራሪቡ'ዩ።
ቢቢሲ፡ ምስ ጋዜጠኛ ቤተልሄም ታፈሰ ዝነበሮ ጻንሒት እነሆ።
ቢቢሲ፡ ኣብቲ ቃለ መሕትት ንስነ ምግባር ጋዜጠኛ ሓሊፈ ኸይደ'የ ኢልኪ'ዶ ትሓስቢ? ክገብሮ ኣይነበረንን እትብልዮ ነጥቢኸ ይህሉ'ዶ?
ቤተልሄም፡ ዝናስሐሉ ጉዳይ የለን። እቲ ኣቦ መንበር ዝኣምነሉ ነገር'የ ሓቲተዮ። ኣብ ናይ ፌስቡክ ኣድራሽኦምን ንጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺን ተሞርኪዘ'የ ሓቲተዮም።
እቲ ሕቶ ናይ ምውጣር ባህርይ ኣለዎ። መልሲ ክሳብ ዝረክብ ድማ ገቲረ ሒዘዮም'የ። ንስብእንኦም ንምጉዳእ ዝተገበረ ነገር የለን። ብዚ ልክዕ ዘዘራርብ ጉዳይ ክኸውን ነይሩዎ ኣይብልን። ክሳብ ሕዚ ካብ ዘካየድኹዎም መሕትታት፡ ምስ ጃዋር መሓመድ ዝገበርኹዎ ቃለ መሕትት'ዩ ጠንካራ'ዩ ዝብሎ።
ጃዋር ከበድቲ ሕቶታት ተሓቲቱ'ዩ። ክኸስስ እንተዝደሊ'ውን ብዙሓት ነገራት ኣልዒሉ ክኸስስ ዝግብኦ ንሱ'ዩ ነይሩ።
ዶክተር ደሳለኝ ዝተሓተቶም ሕቶታት፡ ዝኣመነሎም፣ ዝጸሓፎምን ዝስዕቡዎን'ዩ። ንሱ'ውን በቲ ዝኣምነሉ'ዩ ኣረዲኡ። ስለዝኾነ ዝናስሐሉ ካብ ስነ ምግባር ዝወጽአ ነገር የለን። እንተሃሊዩ'ውን፡ እቲ ናይ ኤዲቶሪያል ጉጅለ ኣየሕልፎን።
ቢቢሲ፡ ካብ ቴሌቪዥን ኣምሓራ ዝተወሰደ፡ ሓረስቶት ኣምሓራ እናተዛተዩ ዘርኢ ቪድዮ ነይሩ። እዚ ቪድዮ እቲ ዶክትረ ኣብ ዝሕተተሉ እዋን ክቐርብ ነይሩዎ ዝብሉ ርኢይቶታት ይወሃቡ ኣለው።
ቤተልሄም፡ ኣነ'ውን ርእየዮ'የ። ኾይኑ ግና፡ ከምዚ ኣይነት ርኢይቶ ክለዓል ዝኽእል ምስ ጃዋር ኣብ ዝነበረኒ ቃለ መሕትት'ውን ክለዓል ይግብኦ። ንጃዋር ከየፍቀድኹ ኣርባዕተ ቪድዮታት ተጠቒመ'የ።
ሽዑ ምለተልዓለ ጽቡቕ ነይሩ። ከምዚ ዓይነት ጉዳይ ሽዑ ከካትዕ ነይሩዎ። ብውልቀይ እቲ ብሄር ዘናእስ ነገር ኣይገበርኩን። ተጠንቂቐ'የ ስርሐይ ሰሪሐ።
ቢቢሲ፡ እቲ ቪድዮ እቲ ቃለ መሕትት ዝግበረሉ ዘሎ ሰብ ርኢይትኡ ክህበሉ ኣብ ዘይኽእል ኩነታት ምቕራቡ፡ ነቲ ጋሻ ዘቃልዕ ኣይኮነን?
ቤተልሄም፡ ከምዚ ዓይነት ቪድዮ ኣብ ናይ ጃዋር መሓመድ'የ ምጥቃም ጀሚረ። ስለዝኾነ ሽዑ ክኽሰስ ነይሩኒ። ኣነ እቲ ዶክተር ንምጥቃዕ ዝገበርኹዎ ነገር የለን። ስርሐይ'የ ሰሪሐ። ኣብዚ ጉዳይ እቲ ኤዲቶሪያል ጉጅለ ክሕተት ዘለዎ ይመስለኒ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ናይ ጃዋር ቪድዮ ምጥቃምኺ፡ ነዚ ልክዕ ይገብሮ ድዩ?
ቤተልሄም፡ ኣብ ናትና ባህሊ ዘይተለመዱ ነገራት ተራእዮም'ዮም። ጃዋር፡ ከበድቲ ሕቶታት ቐሪቦምሉ። ብፍላይ ኣብ ዙርያ ቐዳማይ ሚኒስትር ዝተላእኩ ሕቶታት ቀለልቲ ኣይኮኑን። ካልእ ሰብ ዝምልሶም ኣይመስለንን።
ቅድሚ ሕዚ ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ንሓደ ቀዳማይ ሚኒስትር ወይ መራሒ ሃገር ዝነቅፍ ብሚድያ ቐሪቡ ይፈልጥ ድዩ? ኣነ ናይ መጀመርታ'ዩ ዝመስለኒ። ብወገነይ ዝተፈተንኹሉ ቃለ መሕትት'ውን ንሱ'ዩ።
ቢቢሲ፡ በዓልመዚ ብሮድካስት ኣብ ናይ ጃዋር ስቕ ኢሉ ኣብዚ ጉዳይ ርኢይቶ ምሃቡ ገሪሙኪ ድዩ?
ቤተልሄም፡ ኣብ ናይ ጃዋር ጥራሕ ኣይኮነን። ኮሚሽነር ፖሊስ'ውን ኣብ ናይ ቡራዩ ዝተፈጠረ ግጭት፡ ብዙሕ ከበቲ ሕቶታት ተሓቲቶም'ዮም። ከካትዕ ዝግብኦ'ውን ንሱ'ዩ ነይሩ። ንሶም'ውን ተፈቲኖምሉ'ዮም።
እዚ ጉዳይ ካልእ መልክዕ ንምትሓዝ ዝደለዩ ሰባት ክህልው ይኽእሉ'ዮም። ክርድኣኒ ግና ኣይከኣለን። በዚ ልክዕ ከዘራርብ ዝግብኦ ቪድዮ ኣይነበረን። ስርሔይ ምስ ካልኦት ክነጻጸር እንከሎ ዝተፈለየ ነገር የብሉን።
ቢቢሲ፡ ስለምንታይ ይመስለኪ እዚ ጉዳይ ከምዚ ኣዘራራቢ ዝኾነ?
ቤቴልሄም፡ ዝተረድኣኒ ነገር የለን። ዝገድፎ ነገር ክኣ የለን።
ቢቢሲ፡ ትፈርሒ ኣለኺ ኢኺ ይበሃል? ካብ ገዛኺ ትወጺ'ዶ? ናብ ካፌ ትኸዲ'ዶ?
ቤቴልሄም፡ ቀደሙ'ውን ካፌ ምኻድ ዝፈቱ ሰብ ኣይኮኑን። ነዊሕ ግዘ ከንብብ ኣብ ገዛ እየ ዘሕልፎ። እዚ ማለት ግና ካብ ገዛ ኣይወጽእን ማለት ኣይኮነን። ዘፍርሐኒ ነገር ክኣ የለን። ፈኸራ ዝፍክር ሰብ ኹሉ ቐታሊ ኣይኮነን።
ቐታሊ፡ ድምጹ ኣጥፊኡ እምበር እናተዛረበ ኣይመጽእን። ክቕተል'የ ዝብል ስግኣት ድማ የብለይን። ንዓይ ዘፈራርሑ ነገራት ግና ብተደጋጋሚ ይመጽኡ'ዮም። መዓልትኺ ሓልዊ ይብሉኒ።
ስድራይ በዚ ጉዳይ ከምዘይረግኡ ይፈልጥ'የ። ኣብ ኣርሲ'ዮም ዝነብሩ። ስድራይ ኣብቲ ኸባቢ ሰብ ዝፈትዎም ስለዝኾኑ፡ ክሳብ ሕዚ ናብኦም ብቐጥታ ዝኸደ ነገር የለን። ንዓይ ከምዝሰግኡ ግና ይፈልጥ'የ።
ቢቢሲ፡ መዓልታዊ ናይ ጸሎት ግዜኺ ወሲክኺ'ዶ?
ቤተልሄም፡ (ነዊሕ ሰሓቕ)፡ ኹል ግዘ'የ ዝጽሊ። ዝተፈለየ ጸሎት ግና ኣይጀመርኩን። ሞት ክሳራ'ዩ ኢለ ዝሓስብ ሰብ ስለዘይኾንኩ፡ ንሞት ኣይፈርሕን።
ቢቢሲ፡ እዚ ቃለ መሕትት ተፈላጥነኺ ዘዕበየልኺ ይመስል?
ቤተልሄም፡ ኣነ ከምኡ ምዃነይ ኣይፈልጥን። ኣብ ፌስቡክ ዝጸሓፉ፣ ሰባት ብዛዕባ ዝብሉዎም ነገራት ይርእይ'የ። ኣነ ግና ምንም ነገር ኣይሰራሕኩን። ንሃገረይ ክገብሮ ዝግባእ ነገር ገይረ'የ ኢለ ኣይኣምንን። ዓበይቲ ሰባት ብዛዕባይ እንትጽሕፉ፣ እንትዛረቡ እናርኣኹ ክሳብ ዝነብዕ'የ ዝስሕቕ።
ቢቢሲ፡ ምስ ዶክተር ደሳለኝ ዘካየድኽዮ ቃለ መሕትት ዳግማይ ንክትሰርሕዮ ዕድል እንተዝወሃበኪ፡ እትቕይርዮ ነገር ይህሉ'ዶ?
ቤተልሄም፡ ዝቕይሮ ነገር የለን። ይደገም እንተዝበሃልማ ጠንኪሩ'ዩ ክመጽእ።ምኽንያቱ ናተይ ፕሮግራም በብሰሙኑ እናጠንከረ'ዩ ዝመጽእ።
ቢቢሲ፡ እቲ ቃለ መሕትት ምስተወድአ ምስ ዶክተር ደሳለኝ እንታይ ኣውጊዕኹም?
ቤተልሄም፡ እናስሓቐ፡ 'ቀጥቂጥኽኒ ሓቀይ?' ኢሉኒ። ኣነ'ውን ናተይ ፕሮግራም ባህሪኡ ከምኡ'ዩ ኢለ እናስሓቕኹ መሊሰሉ። "ሓደራ ናይ ውልቂ ከይመስል" ኢለዮ'የ፤ ንሱ'ውን "ክልመድ ዘለዎ ነገር'ዩ" ኢሉኒ ብሰላም ተፈላሊና።
ቢቢሲ፡ ቅርታኺ ድኣ እንታይ'ዩ?
ቤተልሄም፡ ንቃለ መሕትት ፍቓደኛ ኾይኑ ስለዝመጽአ ንሱ፡ እዚ ኹሉ መዓት እንትወርድ፡ "ኣይ ተሰማሚዐ'የ ኸይደ፤ ክምለስ ዘለዎ ድማ መሊሰ'የ" ክብል ትጽቢት ገይረ ነይረ።
ቢቢሲ፡ ጋዜጠኝነት ዲኺ ተማሂርኺ?
ቤተልሄም፡ ምህንድስናን ፋርማስን'የ ኣጽኒዐ።
ቢቢሲ፡ ድሕሪ ሕዚ፡ እቲ "ሃርድ ቶክ' ናብ 'ሶፍት ቶክ' ክቕየር'ዶ ይኸውን?
ቤተልሄም፡ ዝመጽኡ ኣጋይሽ እንተዘይኣድሐርሒሮም፡ ብዚ መገዲ'ዩ ክቕጽል። ናተይ ስግኣት ዕድማት ኣጋይሽ ይመጽኡ ድዮም ኣይመጽኡን'ዩ። ኾይኑ ግና ብድሕሪኡ ኣቶ በቀለ ገርባ መጺኦም ስለዝተዓደሙ፡ ከድሐርሕሩ'ዮም ኢለ ኣይሓስብን።
እቲ ዓብዪ ትምህርቲ፡ ዝመጽኡ ኣጋይሽ እኹል ምድላው ገይሮም'ዮም ክመጽኡ። እዚ ንኣይ'ዉን ክፍትነኒ'ዩ።