እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሞባይልኩም ኢንተርኔት ክትጥቀሙ ከለኹም መጠን ወፃኢ ንምቁፅፃር ክትገብርዎ ዝግበአኩም
ኢትዯ ቴሌኮም ኣስታት 60 ሚልዮን ዓማዊል ሞባይል ስልኪ ከምዘለውዎ ይግመት። ካብዚኦም እቶም 17 ሚልዮን ዝኾኑ ኣብ ሞባይሎም ኣገልግሎት ኢንተርኔት ይጥቀሙ።
ብዙሓት ከምዝብልዎ እቲ ትካል ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብዝነከየ ዋጋ ካብ ዘቕርቡ ኣካላት ሓደ እዩ።
ምናልባት ግን "ሕዚ ዝገዛእክዎ ኢንተርኔት ኣሻብ ተወዲኡ?" ዝብል ሕቶ ደጋጊምኩም ትኾኑ።
ኣብ ኣንድሮይድን ኣይኦኤስን ስልክታትና ገለ ምትዕርራያት ብምግባር ናይ ኢንተርኔት ወፃኢ ምንካይ ዘከኣለሉ መንገዲ ክንሕብረኩም።
ኣንድሮይድን ኣይኦኤስን እንታይ እዮም?
ኣንድሮይድ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኢንተርኔት ዝጥቀሙሉ ብጉግል ዝተሰርሐ መተግበሪ (ኣፕሊኬሽን) እዩ። ንኣብነት ሳምሰንግ፣ ሁዋዌ፣ ኤል ጂ፣ ቴክኖን ዝመሳሰሉን ንኣንድሮይድ ይጥቀሙ።
ኣይኦኤስ (iOS) ብኣፕል ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ኣይፓድን ኣይፓድ ታችን ዝጥቀሙሉ እዩ።
ምንካይ ዋጋ ወይ ከኣ ወፃእታት
ፌስቡክ (Facebook)
ፌስቡክ ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት (ቪድዮ) ንስኻ ከየፍቀድካሎም ብባዕሎም ክፃወቱ ፈቒዲ'ዩ። እዚ ድማ ብዙሕ ዳታ ይጥቀም። እቶም ቪድዮታት ባዕሎም ከይፃወቱ (Video Autoplay off) ምግባር።
ኣብ ኣንድሮይድ ስልክታት፡ ሴቲንግ ኤንድ ፕራይቬሲ (Setting and Privacy) >ዳታ ሴቨር (Data Saver) ዝብል On ምግባር።
ኣብ አይኦኤስ (አይፎን) ከኣ፡ ሴቲንግ (Setting) >ሚዲያ ኤንድ ኮንታክት (Media and Contact) >ቪዲዮ ኤንድ ፎቶስ (Video and Photos) >አውቶ ፕለይ (Auto-play) >ኦን ዋይፋይ ኮኔክሽን ኦንልይ (On Wi-Fi connections only) ዝብል On ክኸውን ምግባር።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኣንድሮይድ ስልክታት ዝነከየ መጠን ዳታ ዝጥቀም ፌስቡክ ላይት (Facebook Lite) ዝተብሃለ መተግበሪ (ኣፕሊኬሽን) ምትቃም።
ፌስቡክ ዝብል ብቐጥታ ካብ ምጥቃም፡ ከም ኦፔራ ሚኒ (Opera Mini) ዝበሉ መእትዊ (Internet Browser Apps) ብምጥቃም ናይ ኢንተርኔት ወፃኢ ምንካይ ይከኣል።
መዘኻኸሪ፡ ንፌስቡክ ብፌስቡክ ላይትን ወይ ድማ ካልኦት ኣፕሊኬሽናት ክትጥቀሙ ከለኹም ሰሓባይነቱን ተወሰኽቲ ኣማራፅታቱን ክንክዩ ይኽእሉ።
ዋትስአፕ (WhatsApp)
ኣብ ክንደይ ናይ ዋትሳፕ ጉጅለታት (ጉሩፕ) ኣለኹም? እቲ ዝለኣኸልኩም ፎቶን ቪድዯን ኣብ ውሽጢ 'ፎቶ ጋለሪ' ኣሎ ማለት፡ ብዙሕ ናይ ሞባይል ኢንተርኔት ትጥቀሙ ኣለኹም ማለት'ዩ። እዚ ንምንካይ
ናይ ዋትስአፕን ሴቲንግ (Setting) ክፈቱ >ዳታ ኤንድ ስቶሬጅ ዩሴጅ (Data and Storage Usage) > ካብኡ ሰሌክት ሚዲያ አውቶ ዳውንሎድ ኦፕሽንስ (Select Media Auto Download Options) ዝብል ብምምራፅ > ዌን ዩዚንግ ሞባይል ዳታ (When Using Mobile Data) ዝብል ''ኖ ሚዲያ (No Media)'' ብዝብል ቀይርዎ።
ዋትስአፕ ዝጥቀሞ ዳት (ኢንተርኔት) ብዝያዳ ንምንካይ፡ ኮል ሴቲንግ (Call Setting) ኣብ ትሕቲ ዝብል ዘሎ ሎው ዳታ ዩዜጅ (Low Data Usage) ምምራፅ ይከኣል።
ዩቱዩብ (YouTube)
ኣብ ዩቱዩብ ቪድዮ ንምርኣይ ብዘሕ ኢንትርኔት ዳታ ይሓትት። ምንካይ ግን ይከኣል'ዩ። ነታ ናይ ሴቲንግ ምልክት ብምጥዋቕ 240p ወይ 144p ኣብ ዝብል ብምምራፅ ብዝተሓተ ፅርየት ምስሊ ምርኣይ ይከኣል።
ነዚ ብምግባር ክሳብ 60 ሚኢታዊት ወፃኢ ምንካይ።
ብዘይካ'ዚ ሕጋዊ ፍቓድ ናይቲ ቪድዮ ካብ ዘለዎ ኣካል ነቲ ዝፈተናዮ ቪድዮ ካብ ዩቱዩብ ብምውራድ (ዳውንሎድ ብምግባር) ን30 መዓልታት ብዘይ ኢንተርኔት ክርሪኦ ንኽእል።
ኣብ መተግበርታት (ኣፕሊኬሽናት) ምምሕያሽ ምግባር (Updating Apps)
ኣብ ስልክታትና ተፃዒኖም ዝርከቡ ዝተፈላኀዩ መተግበርታት ብመሃዝቶም እዋናዊ ምምሕያሻት ይግበረሎም'ዩ።
እዚኦም ንምምሕያሽ ከኣ ሞባይል ዳታ (ኢንተርኔት) ምጥቃም ስለዝሓትት ወፃኢ ምግባር ይህሉ። ስለዝኾነ ኣገልግሎት ዋይፋይ (Wi-Fi) ኣብ ዝርከቦ ቦታ ከይድካ ምፅዓንን ምምሕያሽን የድሊ።
ኣብ ኣፕሊኬሽናት ምምሕያሽ ክትገብሩ ከለኹም ዋይፋይ ጥራሕ ንምጥቃም ዝስዕብ መንገዲ ሰዓቡ።
ኣብ ኣንድሮይድ ስልክታት፡ ጉግል ፕለይ ስቶር (Google Play Store) > ሴቲንግ (Setting) > አውቶ አፕዴት አፕስ (Auto-update apps) > አውቶ አፕዴት አፕስ ኦቨር ዋይፋይ ኦንሊ (Auto-update apps over Wi-Fi only) ዝብል ኦን (On) ግበርዎ።
ኣብ አይፎን ስልክታት፡ ሴቲንግ (Setting) > አይቲዩንስ & አፕ ስቶር (iTunes & App Stores) > ዩዝ ሞባይል ዳታ (Use Mobile Data) ዘዝብል ኦፍ (Off) ግበሩ።
ብሓፈሻ ስልክና ዝጥቀሞ ዳታ ንምንካይኸ?
ስልክኹም ኣንድሮይድ ዝጥቀም እንተኾእኑ፡ ኣብ ስልክኹም ነዞም ምምሕያሻት ብምግባር ኣብ ኣጠቓቕማ ኢንተርኔት ገደብ ምግባር ይከኣል።
(ሴቲንግ) Setting > (ኔትዎርክ ኤንድ ኢንተርኔት) Network & Internet > (ዳታ ዩዜጅ) Data Usage > (ዳታ ሴቨር) Data Saver >