ናይዚ ዓመት ስኑዓት ዜናታታት ኣፍሪቃ

ስኑዕ ዜናታት፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ዓሌታዊ ህውከት (ዕግርግር) ንክውላዕን ኣብ ግዜ ምርጫ ኣብ ኣድመፅቲ ድንግርግር ንክፍጠር፡ ከምኡ እውን ኣብ ሸርፊ ወፃኢ ሃገራት ዝቕባበ ንምንጋስ ድንግርግር ክፈጥሩ ብምጽንሖም ክውቀሱ ፀኒሖም እዮም።

ቢቢሲ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣፍሪቃ፡ ንስኑዓት ናይ ሓሶት ዜናታትት ዝከታተል ፍሉይ ጉጅለ ብምቛም ኣብቲ ዞባ ዓብይ ፅልዋ ዝፈጠሩ ሓሙሽተ ቀንዲ ናይ ሓሶት ዜናታት ብመፅናዕቲ ፈልዩ።

እቲ ቐዳማይ ዜና

1.ሕፁይ ፕረዚዳንታዊ መረፃ ናይጄርያ፡ 'ንጉጅለ ግብረ-ሰዶማውያን ደጊፉ'

እንታይ 'ዩ ነይሩ እቲ ዛንታ?

ኣቲኩ ኣቡባከር ኣብ 2019 ኣብ ናይጄሪያ ንዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረፃ ከምዝወዳደሩ ምስተረጋገፀ፡ ብስም እዚ መራሒ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ዝተኸፈተ ናይ ሓሶት ትዊተር፡ 'ጉጅለ ግብረሶዶማውያን ናይጄሪያ' ንዝሃብዎም ድጋፍ ዘመስግን ፅሑፍ ለጢፉ።

ፕረዚደንት ኮይኖም እንተድኣ ተመሪፆም ድማ፡ ኣብ 2014 ብፕረዚደንት ነበር እታ ሃገር ጉድላክ ጆናታን ዝተፈረመ ኣካትዓይ ሒጊ ግብረሰዶም ናይጄርያ ከምዘልዕሉ ፡ እቲ ኣብ ትዊተር ዝተፅሓፈ 'ትዊት' ይገልፅ።

ኣብ ናይጄርያ ግብረሰዶማዊ መርዓን ምስ ተመሳሳሊ ፆታ ዝግበር ፆታዊ ርክብን ካብ ዝኽልከል ንነዘ፡ ሕጊ እታ ሃገር ምስ ተመሳሳሊ ፆታ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ርክብ፡ ክሳብ 14 ዓመት ከምዘእሰር ተደንጊጉ ይርከብ።

እንታይ ፅልዋ ፈጢሩ?

እዚ ወረ 14 ጥቅምቲ ኣብ ትዊተር ምስተለጠፈ፡ ካልኦት ክልተ ናይጄርያ ዝመቦቀለን መርበብ ሓበሬታት እውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ፅሒፈን፤ ክለተ ኣዝየን ስሙያት ጋዜጣታት ናይጄርያ ዝኾና ጋዜጣታት፤

'ዘነሽን'ን 'ቫንጋርድ'ን እውን ነዚ ወረ ተቐባቢለንኦ።

'ዳይቨርስ' ዝተብሃለ ገጅለ ግብረሰዶማውያን፡ ሕፁይ ኣቡባከር ንፕረዚድትነት ንክወዳደሩ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከምዝገበረን፡ 'ነፃነት ዘለዎም ተወዳዳሪ' (ሊበራል) ገይሮም ከምዝወሰዶን እውን ኣቃሊሐን።

እዚ ዝተነዝሐ ዜና፡ ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ኣቡባከር ኣሉታዊ ርድኢትን ፅልኣትን ንክህልዎም ገይሩ።

ብፍላይ ሕጊ ፀረ ግብረሰዶም ዝድግፉ ዝነበሩ ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖታት ሙስሊምን ክርስትያንን፡ ሰዓብቶም ንከምዚ ዝበለ ሕፁይ ድምፆም ንከይህቡ ጎስጊሶም።

ናይ ሓ ዜና ከምዝኾነ ብኸመይ ፈሊጥና?

ምንጪ እዚ ሓበሬታ ዝኾነ ናይ ትዊተር ኣካውንት ናይ ፖለቲከኛ ኣቲኩ ኣቡባከር ወግዓዊ ኣካውንት ኣይነበረን። እቲ ሓቃዊ ኣካውንቶም ካሊእ ሰማያዊ እርማት ዘለዎ ምልክት እዩ።

እቲ ኣብቲ ፅሑፍ ዝተፀርሐ ንመሰል ግብረሰዶማውያን ዝቃለስ ትካል እውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ወግዓዊ መግለፂ ከምዝሃበ ዝገልፅ መረዳእታ ኣይተረኸበን።

ብስሩ እውን ሕጊ እታ ሃገር ግብረሰዶም ኣብ ዝኸልከለሉ እዋን ዕላዊ ትካል ግብረሰዶም ክህሉ ኣይኽእልን።

2.ናይ ሓሶት ናእዳስምይቲ ኬንያዊት ጋዜጠኛ

እንታይ'ዩ ነይሩ እቲ ዜና?

ኣቕራቢ መደብ ቢዝነስ ሲኤንኤን ዝኾነ ሪቻርድ ኩዌስት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ፡ ንቴሌቬዝን ዝኾኑ መደባት ይቐርፅ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ስምይቲ ዜና ኣንባቢትን ጋዜጠኛን ዝነበረት ጁሊ ጊቹሩ፡ ሪቻርድ ኩዌስት ኣብ ኬንያ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ሕጉስ ከምዝኾነ፡ ኣብ ትዊተራ ከምዚ ኢላ ፅሒፋ።

"ኣቀባብላ ጋሻ ኬንያውያን ዋላ ሓደ ዝወዳደሮ የለን። እነሆ ብዘራፋት ተኸቢበ፡ ቁርሰይ ይበልዕ ኣለኹ። ብትካል ባንኪ ዓለም፡ ብልፅቲ ማእኸል ኢንቨስትመንት ተባሂላ ኣብ ዝተሰመየት፡ ከምዚ ዓይነት ኣቀባብላ ምርካበይ ኣይገርምን። ብሓቂ ኬንያ ተኣምራዊት ምድሪ እያ" ዝብል ፅሑፍ ንሪቻርድ ኩዌስት ብምፅራሕ፡ ለጢፋ።

እቲ ዜና እንታይ ፅልዋ ፈጢሩ?

ጁሊ ኣብ ትዊተር ልዕሊ 1 ሚልየን ኣብ ኢስታግራም ድማ ልዕሊ 600 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዋ እንትትኾን፤ ብዘላዋ ልምድን ተቐባልነትን መሰረት ብምግባር ድማ፡ ብዙሓት ኣብ ውሑዳት ደቓይቕ ነዚ ልጥፍ ተቐባቢለሞ።

ኣብ ሚድያ ኢንዱስትሪ ኬንያ ተስማዕነትን ተቀባልነት ዘለዋ ብምዃናን ድማ፡ ስኑዕ ዜና ምልጣፋ ብዙሓት ሓፊሮምላን ድሂሎማን እዮም።

ስኑዕ ዜና ምዃኑ ብኸመይ ተፈሊጡ?

ጋዜጠኛ ሲ ኤንኤን ሪቻርድ ኩዌስት እውን ነዚ ዝተላብዐ ዜና ምስ ሰምዐ፡ ከምዚ ዓይነት መግለፂ ከምዘይሃበ ብምግላፅ ጁሊ ዝፀሓፈቶ ትዊት ትኽክል ከምዘይኮነ ሓቢሩላ።

ጁሊ ነዚ ምላሽ፡ ይቕረታ ብምሕታት እቲ ትዊት ገይራቶ ዝነበረት ፅሑፍ ኣልዒላቶ እያ።

3. 'ኣብ ኢትዯጵያ ሶማላዊያን ናብ ዕምቆት ዘይብሉ መቓብር ይድፍኡ ኣለዉ'

እቲ ዜና እንታይ ነይሩ?

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ፡ ቴሌቬዝን ኢሳት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ብሄሮም ኦሮሞ ዝኾኑ ሰባት፡ ንተወለድቲ ሶማሌ፡ ዕምቆት ናብ ዘይብሉ መቓብር የእትዉ ከምዘለዉ ዘርእይ ዝበሎ ቪድዮ ኣቃሊሑ።

እቲ ቪድዮ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ከምዝተቐረፀ እዩ ዝሕብር። ኣብዚ ዓመት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ሕሱም ጎንፂ ከምዘጋጠመ ዝዝከር እዩ።

እቲ ዜና ዝፈጠሮ ፅልዋ?

ቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ ከምዝሓበሮ፡ እዚ ቪድዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያታት ብምብፅሑ፡ ኣብ ጁቡቲን ኣብ ድሬዳዋን ዝነበሩ ተወለድቲ ኦሮሞ ግዳያት መጥቃዕቲ ኮይኖም እዮም።

ኣብ ጁቡቲ ዝነብሩ ኦሮሞቶት፡ መውቃዕቲ ከምዝበፅሖምን፡ ናይ ንግዲ ትካሎም ከምዝተዘመተን ገሊፆም።

ስኑዕ ዜና ምዃኑ ብኸመይ ተፈሊጡ?

እዚ ዘይተረጋገጸ ቪድዮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ምስ ኣብ ካሜሮን ዝርከቡ ኢንግሊዘኛ ተዛረብቲ ተነጸልቲን መንግስትን ዝዛመድ እዩ ብምባል መጀመርያ ኣብ ካሜሩን እዩ ተቓሊሑ።

እቲ ከይተረጋገጸ ኣብ ቴሌቪዥን ኢሳት ዝተቓለሐ ቪድዮ፡ ዓውዓው ናይ ዝብሉ መናእሰይ ኦሮሞ ድምጺ ብላዕሊ ብምውሳኽ ደጊሙ ዝተሰርሐ እዩ ነይሩ።

እቲ ቪድዮ ናይ ሓሶት (ስኑዕ) ምዃኑ ምስፈለጠ፡ ቴሌቪዥን ኢሳት ካብ መራኸቢታቱ ዘልዓሎ ክኸውን ከሎ ኣብ ናይ ዩቲዩብ ጣብይኡ ድማ ወግዓዊ ይቕረታ ሓቲቱ እዩ።

ቴሌቪዥን ኢሳት ነቲ ቪድዮ ደጊሙ ከምዝሰርሖ ኮነ ስኑዕ ምዃኑ እናፈለጠ ከምዘቃልሖ ዘርኢ ዝኾነ ነገር የለን።

መአረምታ 23 ሕዳር፡ እዚ ጽሑፍ ቴሌቪዥን ኢሳት ነቲ ተደጊሙ ዝተሰርሐ ቪድዮ ሓላፍነት ከምዘይብሉ ከምኡ ድማ ስኑዕ ምዃኑ እናፈለጠ ከምዘየቃልሖን ግልጺ ንምግባር መአረምታ ተገይርሉ እዩ።

4. ምልቃቕ ስልጣን ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ

እቲ ዜና እንታይ'ዩ ነይሩ?

ኣብ ዝሓለፈ ውርሒ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጋዜጠኛ ኤስኤቢሲ፡ ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበሩ ጃኮብ ዙማ፡ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ከምዝተሰማምዑ ፀብፂቡ።

ሰብመዚ ምንጪ እዚ ሓበሬታ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፡ 'ሼቦ ኢካኔንግ' ብቀጥታ ፈነውኡ ሰበር ዜና ክብል ኣመሓላሊፍዎ።

ኣብቲ እዋን ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ኣፍሪካ ናሽናል ኮንግረስ፡ ኣብ ግዘ ስልጣንን መፃኢ ዕድል ጃኮብ ዙማ ንምውሳን ኣብ ኣኼባ ነይሮም።

ካልእ ጋዜጠኛ እታ ሃገር እውን፡ እዚ ዜና ኣብ ትዊተር ገፁ፡ ኣባፂሕዎ።

ፕረዚዳንት ጃኮብ ዙማ ኣብ ከበድቲ ጉዳያት ብልሽውና ኢድ ኣለዎም ብዝብል ከቢድ ተቓውሞ ዝተዘመተሎም እንትኸውን፡ ካብ ውድቦም ንክወርዱ እውን ተደጋጋሚ ሕቶ ቀሪብሎም እዩ።

ዜጋታት እታ ሃገር አውን፤ እቶም ፕረዝዳንት ካብ መዝነቶም ክወርዱ እኽእሉ እዮም ዝብል ዜና፡ ብሃንቀውታ ይፅበይዎ ነይሮም።

እቲ ዜና ዝፈጠሮ ፅልዋ

ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ስልጣኖም ለቒቖም ዝብል ዜና ምቅልሑ ስዒቡ፡ ብሓደ ፐርሰንት ወሲኹ ዝነበረ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ራንድ፡ ወሃቢ ቃል እቶም ፕረዚዳንት እቲ ብኤስኤቢሲ ዝተቓልሐ ዜና ሓሶት እዩ ብምባል ውድቂ ምግባሮም ስዒቡ ሸርፊ ራንድ ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ እዩ።

ስኑዕ ዜና ድዩ ነይሩ?

ወሃቢ ቃል ጃኮብ ዙማ፡ እቲ 'ዜና ስኑዕ' ብምባል ውድቂ ገይሮምዎ። ይኹን'ምበር ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ካብ ስልጣን ወሪዶም።

5. መራሒ ታንዛንያ፡ ሽርሙጥና ንምትራፍ፡ ልዕሊ ሓደ ሰበይቲ ምእታው ምድጋፎም

እንታይ ነይሩ እቲ ዜና ?

ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ፡ ሽርሙጥና ንምትራፍ፡ ደቂተባዕትዮ እታ ሃገር ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ኣንስቲ ምእታው ከምዘለዎም ተዛሪቦም ዝብል ዜና ብጣዕሚ ተላቢዑ።

14 ሽሕ ደቂተባዕትዮ ኣብ ዝተሳተፍሉ ጉባኤ፡ እቶም ፕረዚደንት ካብ ሞንጎ 70 ሚልየን ታንዛንያውያን 40 ሚልየን ደቂኣንስትዮ እቶም 30 ሚልየን ድማ ደቂተባዕትዮ ምኸወኖም ከምዝገለፁን፤ ብሰንኪ ሕፅረት ደቂተባዕትዮ፡ ነብስኻ ሸይጥካ ምሕዳርን ኣመንዝራነትን እናወሰኸ ምምፅኡ፡ ኣብቲ ፅሑፍ ተገሊፁ።

እቲ ዜና ዘስዓቦ ፅልዋ?

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዛምቢያ 'ኦብዘርቨር' ብቋንቋ እንግሊዝኛ ዝተቓልሐ ዜና፡ ክሳብ ክንድቲ ፅልዋ ኣየሕደረን ነይሩ። ደሓር ግና ብሃገራዊ ቋንቋ ስዋሂሊ፡ ኒፓሽኦንላይን ኣብ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ምስተሓትመ፡ ብዙሓት ኣንቢበምዎ።

እዚ ስዒቡ ድማ፡ ስሙይ ኣብ ዝኾነ መርበብ ሓበሬታ ጃማይ ፎረምስ ምስ ተሓትመ፡ ኣብ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ኬንያ፣ ዛምቢያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ተቓሊሑ።

ስኑዕ ምዃኑ ብኸመይ ተፈሊጡ?

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ታንዛንያ፡ እቶም ፕረዚደንት ከምዚ ዓይነት ርኢቶ ከምዘይህቡን፡ ሰባት ክንዕቕዎ ከምዝግባእ ብቋንቋ ስዋሂሊ ኣብ ትዊተሩ ፅሒፉ።

ቢቢሲ ስዋሂሊ እውን ፡ ሓቃውነት እቲ ዝተነዝሐ ዜና ንምርግጋፅ ብዝገበሮ ፃዕሪ ስኑዕ ምዃኑ ኣረጋጊፁ እዩ።

ኣብዚ ስኑዕ ዜና፡ እቶም ፕረዚደንት በዝሒ ህዝቢ ታንዛንያ 70 ሚልየን ምዃኑን ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂተባዕትዮ እታ ሃገር ብ10 ሚልየን ከምዝዛይድ እዩ ተገሊፁ።

ይኹን'ምበር ኣብ ቀረባ እዋን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘውፅኦ ግምት በዝሒ ህዝቢ ታንዛንያ ትሕቲ 60 ሚልየን ከምዝኾነን፡ ኣብ ሞንጎ ፆታ ዜጋታት እታ ሃገር ኣፈላላይ ከምዘየለን እዩ ሓቢሩ።

ፈለማ እዚ ዜና ዝተቓልሐሉ መርበብ ሓበሬታ እውን፡ ምስ ስሙይ ጋዜጣ ኒፓሼ ከምዝመሳሰል ፀብፃብ ቢቢሲ ስዋሂሊ የረድእ።

እንተኾነ፡ እዚ ስኑዕ ዜና ዝተቓልሐሉ መርበብ ሓበሬታን ሓቃዊ ጋዜጣን ዋላ ሓደ ርክብ ከምዘይበሎም ተረጋጊፁ እዩ።