"ሓወይ ብዘለዎ ኮይኑ ወያነ፡ ኣነ በዚ ኮይነ ሻዕቢያ እናበልኹ ይሰርሕ ነይረ"

ጋዜጠኛ ዮናስ ኣብርሃም ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሓዉ በረኸት ኣብርሃም ድማ ኣብ ኤርትራ፡ መንግስታት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝመርሑዎም ትካላት ሚዲያ ጋዜጠኛታት ኮይኖም ይሰርሑ ነይሮም።

ክልቲኦም ኣሕዋት በብዘለዉዎ 'ሻዕቢያ' 'ወያነ' እናበሉ ንዓመታት ጸብጺቦም'ዮም።

ትዉልዶም'ኳ ኣብ ኢትዮጵያ እንተኾነ፡ ህይወት ኣሽሓት ዝመንዘዐ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ግና፡ 9ተ ዓብይን ንኡስን ዘፍረየት ስድራ ኣብ ክልተ ተገሚዓ ፋሕ ብትን ክትብል ምኽንያት ኮይኑ።

ድሕሪ ን20 ዓመታት ዘቑጸረ ምትዕጽጻዉን ፖለቲካዊ ፍሕፍሕን ንሰላም ቅሩብነተን ዘርኣያ እዘን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ን20 ዓመታት ዝተፈላለያ ኣዒንቲ እዚ ስድራ'ዉን ከራኽባ ተስፋ ተገይሩለን ኣሎ።

ታሪኽ እዞም ጋዜጠኛታትን ደረስትን ነዚ እዩ ዘዘንቱ።

ደቂ ሓንቲ ማህጸን ክልተ ዜግነት

ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኵናት ምስተናኸሳ፡ ነንሓድሕደን ኣይናተይን ዝበለኦ ዜጋ ጨርቀይ ንብረተይ እንከይበለ መኪና እናሳፈራ ሰጕጎንኦ እየን።

ኣብቲ እዋን ጋዜጠኛ ሬድዮ ፋና ዝነበረ ጋዜጠኛ ዮናስ ኣብርሃም፡ ኣብ መንግስታዊ ትካል ይሰርሕ ስለዝነበረ ኣብ ኢትዮጵያ ተሪፉ። ሓዉ ግና ኤርትራዊ ኢኻ ብዝብል ናብ መኪና ተጽዒኑ ተጠሪዙ።

"ሽዑ ነቲ ኩነታት ናብ ሰላም ንምምላስ ዝካየዱ ሰልፊታት፣ መዋጮ፥ ምጥንካር ሓድነት ዝኣመሰሉ ስራሕቲ ንምስራሕ ናብ ዝተፈላለያ ክልላት ይዘዉር ነይረ። እንትምለስ ስድራይ ተሰጒጎም ጸኒሖምኒ" ይብል ጋዜጠኛ ዮናስ ኣብርሃም።

ብዜግነትን ኣሰላልፋን ዝተኸፋፈሉ እዞም ደቂ ሓንቲ ማህጸን፡ እቲ ሓደ ኣፉ ዝፈትሐሉ ቋንቋ ኣምሓርኛ እንትዛረብ፡ ኤርትራዊ ብምዃኑ ዝተሰጎጎ ሓዉ ድማ ቋንቋ ትግርኛ እናተዛረቡ ፍርቂ ናይ ንእስነት ዕድሚኦም ተፈላልዮም ኣሕሊፎም።

ካብ 2006 ጀሚሩ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ 10 ዓመታት ጋዜጠኛ ዝሰርሐ በረኸት ኣብርሃም፡ ኣብ 2016 ናብ ኢትዮጵያ መጺኡ።

"ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኩነታት ንኹሉ ሃንደበት'ዩ። እዞም ብደም ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ክልተ ዉድባት ክበኣሱ'ዮም ዝብል ሓሳብ ስለዘይነበረ፡ ሃንደበት'ዩ ኮይኑና" ክብል ንድሕሪት ተመሊሱ እቲ ኩነታት ዘኪሩ የዘንቱ።

"መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ኤርትራ ወሪራትና' ዝብል መግለጺ ምስ ኣዉጸአ፡ ብቐሊሉ ዝፍታሕ'ዩ ዝመስል ነይሩ። እቲ ነገር እናተጎሃሃረ ምስከደ ግና፡ ትጽቢት ዘይተገበሮ ደልሃመት ተፈጢሩ። ስድራ ንኽልተ ተመቒሉ፣ ብዙሓት ማሕበራዊ ህይወቶም ተመዛቢሉ። ኣዝዩ ክገልጾ ዝኸብደኒ ፍጻመ'ዩ" ይብል ጋዜጠኛ በረኸት።

ጋዜጠኛ በረኸት፡ ዓዲ ሰላም እንከላ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራ ብምኻድ ኤርትራ እትጠልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት 18 ኣዋርሕ ግቡኡ ፈጺሙ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝምለስ ድሕሪ 8 ኣዋርሕ'ዩ እቲ ኵናት ዝተበገሰ።

በዚ ምኽንያት በረኸት ዝርከቡዎም ብዙሓት "ንጸጥታና ስግኣት ኢኹም" ብዝብል ስምምዕ ኣልጀርስ ክሳብ ዝፍጸም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ጸኒሑ።

"ሙሩኻትን ሲቪል እሱራትን ክቀያየሩ ከለዉ 1 ጥሪ 2001 ተጠሪዘ ናብ ኤርትራ ተላኢኸ። ሽዑ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ጋራዥ ተመዲበ ን5ተ ዓመት ምስ ስራሕኹ ቴሌቪዥን ኤርትራ ክጅመር ከሎ፡ ካብ ምምሕዳር ከተማ ከረን ተሳሒበ ኣብ 2006 ጋዜጠኛ ኮይነ ስራሕ ጀሚረ" ይብል።

ሕዉነት ዘይሰኮኖ ኵናት ሚዲያ

ስድርኡ ክጥረዙ ብዓይኒ ማዕዶን ወረ እዝንን ዝሰነየ ጋዜጠኛ ዮናስ ኣብርሃም፡ እቲ ኩነታት ክፈጥሮ ብዝኽእል ስምዒት ከይተስዓረ፡ ኣብ ዝተሰለፈሉ ልኡኽ ሚዲያ ዕለታዊ ዕይኡ ይዓዪ ነይሩ።

"ስድራይ ከምዝተባረሩ ትሒም ከይበልኩ፡ ኣብቲ ዝነበረ ፕሮፖጋንዳ ብሰፊሑ ክሰርሕ ጸኒሐ። ሓወይ ብዘለዎ ኮይኑ ወያነ እንትብል ኣነ ብዚ ኾይነ ሻዕቢያ እናበልኹ ይሰርሕ ነይረ። እቲ ኵናት ክዛዘም ክብል ግና ኤርትራዊ ስለዝኾንካ ካብ ስራሕ ለቒቕኻ ኣለኻ ተባሂለ። ሽዑ ስድራ፣ ስራሕ ዘይብለይ ሰብ ኮይነ ኣብ ጎደና ወዲቐ" ይብል እቲ ክሳብ ሕዚ ኣብ ሕልንኡ ዘሎ ቑስሊ ክዛረቦ እናጽልኦ።

ብተመሳሳሊ ቃላት እቲ ዝነበሮ ኩነታት ዝገልጽ ሓዉ ጋዜጠኛ በረኸት ኣብርሃም ብወገኑ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ነቲ ኵናት ዘጋድድ፣ ናይ ፕሮፖጋንዳ ስራሕ ይስራሕ ምንባሩ የዘንቱ።

"ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእተወ ናይ ሚዲያ ኵናት'ዩ ነይሩ። ክልቲኦም መንግስታት ሓይሎም ከርእዩ ዝገበሩዎ ምትፍናን ልዑል ነይሩ። እዚ ግና ዘምፅኦ ረብሓ የለን። ክልቲኡ ህዝቢ ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዉን ንዋታዉን ኪሳራ'ዩ ወሪዱዎ" ብምባል ስምብራት እቲ ሃንደበታዊ ኵናት ይገልጽ።

"እቲ ዶብ ብ ማህጸን ኣደና'ዉን ዝለሓኾ'ዩ"

እዞም ብፖለቲካዊ ጉዳያት እዘን ሃገራት ግዳያት ክልተ ዜግነት ዝኾኑ ጋዜጠኛታትን ደረስትን፡ ክልቲኦም ስርዓታት ኣብ ዝመርሑዎም ትካላት ሚዲያ ኣትዮም ኣብ ዝሰርሑሎም ዓመታት እንትርፎ ብንፋስ ወረ፡ ሓወይ ወዲ እነይ ክበሃሃሉ ዘይፈቐዳሎም ዓመታት ሓሊፎም።

"እቲ ኵናት ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ፡ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ክልተ ምዃኑን ሓደ ስድራ ኣፍትን ኣብትን ምብታኑን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሓንቲ ማህጸን ዘፍረየቶም ሰባት ክልተ ዜግነት ክህልዎም ገይሩ'ዩ" ዝብል ጋዜጠኛ ዮናስ "እቲ ዶብ ኣብ መሬት ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ማህጸን ኣደና'ዉን ዝለሓኾ'ዩ" ይብሎ።

"ኣብ ሓደ ሙያ ተዋፊርና ፕሮፖጋንዳ ንሰርሕ ነይርና። ኣነ ኢትዮጵያዉነተይ ክረክብ ብዙሕ መስዋእትነት ከፊለ። ካብ ሙሉእ ስድራይ ኣነ ንብሕተይ እየ ኢትዮጵያዊ። ሕዚ እንትሰምዕ ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ዓብዮም፡ ወተሃደራት ኮይኖም ኣለዉ፡ ኣቦይ ሞይቱ፡ ኣደይ ድማ ኣብኡ ኮይና ወደይ ክርኢ ትብል ኣላ" ክብል ብዝተሰበረ ስምዒት ይዛረብ።

ከብዲ ወላድ ብቐረባ ዝዕዘብ ዝነበረ ሓዉ ጋዜጠኛ በረኸት፡ "ኣቦይ ወደይ እናበለ ከይርኣዮ ሞይቱ፡ ኣደይ ድማ ወደይ መዓዝ'የ ዝርእዮ እናበለት ኣብ ኤርትራ ኣላ። ኣደይ ኣቦይ ዝረኸቦ ሻቕሎት ሒዛ ክትተርፍ ኣይምነን" ይብል።

"ደቂ ሓንቲ ማህጸን ክልተ ሃገር ኮይንና ኣለና። ሓወይ ኤርትራ ኣይፈልጣን'ዩ። ናይቲ ስራሕ ባህሪ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ዕላማ ተሰሊፍና ነይርና። እቲ ኵናት ኣብ መንግስታት ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ስድራ ቤት'ዉን ወሪዱ ከይንራኸብ ገይሩና'ዩ" እናበለ ነቲ እናናፈቖ፣ እናብሃጎ ክርሕቖ ዝተገደደ ሓዉ ዝነበሮም ናፍቕ ይገልጽ።

ከምዚ ዓይነት ዕጫ ዝጾረ ስድራ ብዙሕ'ዩ። ታሪኽ እዚ ስድራ ፍልይ ዘብሎ ኣብ ኵናትን ጽልንእን ዘለዉ ስርዓታት ዝመርሑዎም ሚዲያታት ሰራሕተኛታት ምዃኖም'ዩ።

ኣጋጣሚ ኾይኑ ግና ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ሰላማዊ ርክብ ንምፍጣር ኣብ ዝጽዕር ኮሚቴ ብዝሓዙዎ ዜግነት ተሰሊፎም ንሰላም ተራኺቦም ኣለዉ።

ድሕሪ ባእሲ ተስፋ ጥዑም ፍቕሪ

"ኣነ ምስ ኩሎም ስድራይ ተራኺበ ኣይፈልጥን። ናይ መወዳእታ ዝዝክሮ ኣደይ ኣዉቶብስ ተጽዒና ክትኸይድ ከላ ካብ ስራሕ ተመሊሰ ዝናብ ይዘንብ ስለዝነበረ ተሓቢአ ርእየያ እየ" ዝብል ጋዜጠኛ ዮናስ፡ ብንቡር ዘይተሰናበተን ወላዲት ኣዲኡ ድምጸን ዝሰምዐሉ ህሞት ዕድሉ ባዶ ከምዝነበረ'ዩ ዝዛረብ።

"ምፍልላይና መልክዕ ኣይነበሮን። ሽዑ ገና ናይ 22 ዓመት መንእሰይ ነይረ። ዕድል ኮይኑ ኣደይ ድምጻ ድሕሪ 16 ዓመት ንሓደ ደቒቐዕ'የ ሰሚዐዮ። ሞት ኣቦይ'ኳ ብፌስ ቡክ እየ ሰሚዐዮ። ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስድራይ ካብዚ ዝዘለለ ርክብ የብለይን፡ ብዙሕ ቑስሊ ስለዘለኒ ብዙሕ ኣይራኸብን" ክብል'ዩ ኣልዒሉ ክዛረበሉ ዘይደልዮ ዝተደፈነ ናይ 20 ዓመታት ታሪኩ ዘዘንትዎ።

ኣብ 2016 ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽአ ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝነበረ በረኸት ኣብርሃም በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑ'ኳ እንተኾነ ወዲ 12 ዓመት ወዱ ሒዘ'ዩ ናብዛ ሃገር ኣትዩ።

ፍቕሪ ወለዳን ሓዋን ዘይጸገበት ጓል ኣንስተይቲ ዉላዱ ምስ ዕድመ ዝደፍኣ ኣዲኡ ገዲፉ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽአ በረኸት፡ እቲ ዘሎ "ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት" ሃዋህዉ እዘን ሃገራት ማሕበረ ፖለቲካዊ መልክዕን ስለዝጸለዎ ሳዕቤኑ ብምፍልላይ 9ተ ኣሕዋት ዘፍረየት ሓንቲ ስድራ ጥራሕ ዘይኾስ፡ ናብቲ ዝመስረቶ ናብራ'ዉን ከምዝለሓኾ'ዩ ዝዛረብ።

"ኣነ ወደይ ሒዘ መጺአ። ጓለይ ምስ ዓባያ አብ ኤርትራ ኣላ። ኣዲኦም ክኣ ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣላ። ኩልና ኣብ ሰለስተ ቦታ ተገሚዕና ኣለና። ጓለይ ምስ ሓዋ ከይተጻወተት፣ ፍቕሪ ስድራ ከይረኸቡ እንትዓብዩ ከመይ ዓይነት ስነ ልቦና ይፈጥር ምግማት ይከኣል" ብምባል ሕዚ ዝነፍስ ዘሎ ናይ ሰላም ኣየር ዝግሃደሉ መዓልቲ ክቐርበሉ ይምሕጸን።

"ብዙሓት ዘይተነገሩኒ ነገራት ከምዘለዉ ይስመዐኒ'ዩ፡ ግና ክሰምዕ ኣይደልን" ዝብል ጋዜጠኛ ዮናስ ድማ፡ "ጉዳይ እዘን ሃገራት ዝተረስዐ ነገር ኮይኑ ብምጽንሑ ብናተይ ዕድመ ዝኸዉን'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን" ይብል።

ሕዚ ይቀላቐል ንዘሎ ምቅርራብ መንግስታት እዘን ሃገራት ደልሃመት ምፍልላይ ጋሊሁ ብዓይኒ ዝናፍቐን ኣዲኡን ኣሕዋቱን ክርኢ ከምዝትስፎ ይዛረብ።

"ድሕሪ ባእሲ ጥዑም ፍቕሪ ኣሎ" ኢሉ ዝኣምን ጋዜጠኛ በረኸት ንዝሓለፉ ዓመታት ከም ሓዉ'ዉን ክቐርቦ፣ ሰላም ክብሎ ብዝነበሩ ስክፍታታትን ፍርሕን ዝርሕቖ ዝነበረ ሓዉ ናብ ስድርኡ ተጸምቢሩ ክርኢ ጥራሕ ዘይኮነ ሕሉፍ ታሪክ እዘን ሃገራት ዝረብሖ ነገር ብዘይምህላዉ፡ ፍቕርን ሰላምን ጎንፅታት ዓለም ዝስዕሩ ጸጋታት ከምዝኾኑ ይገልፅ። ብፍቕሪ ኣቦነት ክደራርዛ ንዝደሊ ጓሉ ክረክብ ከምዝናፍቕ'ውን ይዛረብ።