ብሩንዲ፡ ቤት ጽሕፈትሕቡራት ሃገራት ክትዓጹ'ያ

መንግስቲ ብሩንዲ፡ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቤት ጽሕፈቱ ክዓጹ ኣዚዙ።

"መንግስቲ ብሩንዲ፡ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ኣኽራሪ መንግስቲ እናኾነ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ" ክብል ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ውልቀ ሰብ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕሬስ ሓቢሩ።

ብሩንዲ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ክካየድ መደብ ወጺእሉ ዝነበረ፡ ብዛዕባ ህሉው ቅልውላው ብሩንዲ ዝዝቲ ጉባኤ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ንከይካድ ዓንቂጻ'ያ።

ኣብ 2017፡ ኣብ ብሩንዲ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት መርምራ ምስ ተጀመረ፡ ብሩንዲ ካብ ቤት ፍርዲ ዓለም ለኸ ገበነኛታት ወጺኣ።

ኣብ 2015፡ ፕሬዝደንት ፒር ንኩርኒዚዛ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ምርጫ ክሳተፍ'የ ምስ በለ፡ ህዝባዊ ናዕቢ ተወሊዑ።

ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ሞት ኣማኢት ዜጋታት ከስዕብ እንከሎ፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ክኣ ንክስደዱ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።

ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ድማ ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ርአሰ ከተማ ቡጁምብራ ኣብ ዝርከባ ሓደ መንበሪ ገዛ፡ ብኣባላት ስለያ እታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ዘስካሕክሕ ቕትለትን መግረፍትን ኣቃሊዑ'ዩ።