እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስልጣን ፕረዝደንት ፒዬር ንኩሩንዚዛን ክሳብ 2034 ንኽናዋሕ ዘኽእል ህዝባ-ውሳነ ሎሚ መዓልቲ ክካየደ'ዩ።
ኣብ ሕገ-መንግስቲ ብሩንዲ ዝካየድ ህዝበ ውሳነ ንስልጣን ፕረዚደንት ንኩሩንዚዛ ክሳብ 2034 ከናውሖ ይኽእል።
ኣብ 2015 ንፕረዚደንትነት ብምውድዳሮም ምኽንያት ምውላዕ ጎንፂ ከም ምዃኑ ብተወሳኺ፡ ዘይተዓወተ ፈተነ ዕላዋ ክካየድ ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ።
እቲ ህዝበ ውሳነ ግዜ ስልጣን ፕረዚደንት ካብ ሓሙሽተ ናብ ሸውዓተ ክዓቢ ወይ ድማ ብዝነበሮ ክቕፅል ንምግባር'ዩ። ቀዳማይ ሚንስትር ንክህልው ዘፍቅድ ስርዓት'ውን ክዝርጋይ ዘኽእል ምርጫ ክቕርበሉ'ዩ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ሕጊ ነቲ ዝደልይዎ ምምሕያሽ ከማልአሎም፤ ጎንፂ፣ ወፅዓን ስግኣትን ንክነግስ ሰሪሖም ክብል ነቶም ፕረዚደንት ይነቅፍ።
እቲ ዝካየድ ህዝበ ውሳነ ልክዕ ከምቲ ኣብ መረፃ 2015 ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከይፍጠር ስግኣቶም ይገልፁ።
ህዝቢ ኣብቲ ውሳነ ከይሳተፍ ፃውዒት'ኳ እንተቐረበ፡ ነዚ ዝገብር ሰብ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝፅሕ ማእሰርቲ ይፅበዮ ተባሂሉ'ሎ።
መንግስቲ'ውን ንዝቐርቡ ክስታት ቅቡል ኣይገበረን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ 50 ኣባላት ተቓወምቲ ሰልፍታት ከምዝተኣሰሩ ፀብፃብ መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር የመልክት።