ፕረዚደንት ብሩንዲ ነበር፡ ንምእሳሩ ዝሓለፈ ወሳነ ኣመልኪቱ ኣጠንቑቑ

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንፕረዝደንት ብሩንዲ ነበረ ፕረ ብዮያን ካልኦት 16 ላዕለዎት ሓለፍትን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንኽኣትዉ ዝሓለፈ ዓለምለኻዊ ውሳነ፡ ንሰላም ብሩንዲ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ ክብል ስክፍትኡ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ክሱሳት ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ምስቲ ኣብ 1993 ዝተቀተለ ካብ ሁቱ ዝኾነ ቀዳማይ መራሒ ብዝተሓሓዝ እዩ።

መቕተልቲ መልቻር ንዳዳየ ከንዲ፡ ካብ መበገሲ ኩናት ሕድሕድ ቡሩንዲ ምንባሩ ይዝከር።

ካብ ዓሌት ቱትሲ ዝኾነ ቡዮያ፡ ንዝቀረበሉ ክሲ ንዘሎ ወጥሪ ኣንፈቱ ንምቕያር ኮነ ኢልካ ዝተገበረ መደናገሪ ዘረባ ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ ሞንጎ ትቱስን ሁቲን ን12 ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ፡ ልዕሊ 300,000 ሰባት ከምዝሞቱ ይንገር።

ቡዮያ ንብሩንዲ ብክልተ እብረ ዝመረሐ ኮይኑ ( ካብ 1987- 1993 ከምኡ'ውን 1996-2005 )፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ስሙ ብጽቡቕ ክልዓል ዝጸንሐ መራሒ'ዩ።

ኣብ ምብቃዕ ኲናት ሕድሕድን ዝተገበረ ዘተ ሰላም ላዕለዋይ ኢድ ከምዝነበሮ ዝንገር ፔረ ብዮያ፡ ኣብ 2005 ፕረዝደንታዊ ምርጫ ብምክያድ ብመራሒ ሁቱ ዝነበረ ፒየር ንኩሪንዚዛ ተሳዒሩ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ እዩ።

እዚ ሕጂ ዘሎ ዘይምርግጋእ ብሩንዲ፡ ፕረዝደንት ንኩሪንዚዛ ኣብ 2015 ንሳልሳይ ግዜ ንፕረዚደንትነት ንኽወዳደር ምውሳኑን ተመሪጹ ኣብ ስልጣን ብምህላዉን ዝተላዓለ እዩ።

ወዲ 69 ዓመት ፔረ ብዮያ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማሊ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ እንትኾን፡ "በዚ ዝወረደኒ ጠቐኒ ኣዝየ እየ ተገሪመ፡ ንዓይ ኮነ ኢልካ ክብረይን ዝናይን ንምብላል ዝተዘረበ መደናገሪ ዘረባ'ዩ" ክብል መልሲ ሂቡ'ሎ።

ብዮያ ብተወሳኺ፡ ቅትለት ንዳዳየ፡ ዲሞክራስያዊ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድሕሪ ምክያድ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኮይኑ፡ ኣብ እዋኑ ብዙሕ ኣካታዒ ምንባሩ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ ስዓት ብመንግስቲ ብሩንዲ ኣብ ዝተረኸብዎ ተታሒዞም ንኽእሰሩ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ንብሩንዲ ኣብ ዓሌታዊ ጎንጺ ክሸምም ዝኽእል እዩ ኢሉ።

ብዙሓት መራሕቲ ተቃወምቲ ሰልፍታት ብሩንዲ፡ ንኩሪንዚዛ ነቲ ኣብ 2000 ዝኣተዎ ውዕል፡ ሕቅኡ ብምሃብ ንሳልሳይ ግዜ ነታ ሃገር ይመርሓ ምህላዉ ተቓውመኦም ከስምዑ ጸኒሖም'ዮም።

ካብ 2015 ንድሕሪት ኣብ ብሩንዲ ብዝተላዓለ ዘይምርግጋእ ፡ ኣማኢት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ድማ ተመዛቢሎም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ቅደሚ እቲ 27 ታሓሳስ 2018 ዝገብሮ ዞባዊ ኣኬባ፡ ኩሎም ወገናት ብሩንዲ ካብ ዝኾነ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከኸትል ዝኽእል ፖለቲካውን ፍርዳውን ጉዳያን ክቁጠቡ ጸዊዑ'ዩ።