ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣይቮሪኮስት ሰላማዊ መረፃ ክካየድ ፀዊዑ

ፖሊስ ንዝተወለዐ ተቓውሞ እንትኣሊ

ምንጪ ስእሊ, ReutersCopyright

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣይቮሪኮስት ሰላማዊ መረፃ ንኽካየድ ፀዊዑ።

ተወካሊ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ሞሓመድ ኢብን ቻምባስ፡ ንሳልሳይ ግዘ ንዝወዳደር ኣላሲን ኦተራ ረኺቡ ኣዘራሪብዎ።

ፕረዝደንት ኦተራ፡ ክትክኦ ሓርይዎ ዝነበረ ሕፁይ ምስ ሞተ፡ ባዕሉ ኣብ ፕረዝደንታዊ መረፃ ከምዝወዳደር ምግላፁ ስዒቡ፡ ኣብታ ሃገር ተቓውሞ ሰልፊ ዘስዓበ ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።

እቲ መረፃ 31 ጥቅምቲ እዩ ክካየድ።

ኢብን ቻምባስ ንሰለስተ ተነሓናሕቲ እቲ ፕረዝደንት፣ ሰብመዚ ቦርድ መረፃን ተወከልቲ ሲቪል ማሕበረሰብን 'ውን ረኺቡ እዩ።

ኩሎም ኣካላት ድማ ሰላማውን ኣሳታፍን መረፃ ንኽካየድን ሰብኣዊ መሰላት ክኽበሩን ግደኦም ከበርክቱ ኣገንዚቡ።

ኣብዚ ፕረዝደንታዊ መረፃ ቀንዲ ተነሓናሒ ዝኾነ ሄንሪ ኮናን፡ ንሳልሳይ ግዘ ይወዳደር ንዘሎ ፕረዝደንት ካብቲ መረፃ ንምእላይ፡ ጎስጓስ ሕጊ ሲቪላዊ ጥሕሰት ፀዊዑ ኣሎ።

ቅድም ክብል፡ ፕረዝደንት ሎረንት ባግቦን ጉየም ሶሮን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሕፁያት፡ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ሕጊ ካብ ውድድር ተኣጊዶም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዝደንት ኦተራ ከምዝወዳደር ካብ ዘፍልጥ ንነዘ ኣብ ዝተፈጠረ ናዕቢ ብውሑዱ 10 ሰባት ተቐቲሎም።