እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ፕረዚደንት ካፍ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ
ፕረዚደንት ኮንፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ-ካፍ ኣሕመድ ኣሕመድ ብኮሮናቫይረስ ብምልካፉ፡ ኣብ ሆስፒታል ንሓሙሽተ መዓልታት ከምዝፀንሕ ተገሊፁ።
እቲ ወዲ 60 ዓመት ኣሕመድ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ካብ ሞሮኮ ናብ ርእሰ ከተማ ግብፂ ካይሮ ተጓዒዙ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰምበት ዝተኻየደ ናይ ፍፃመ ፀዋታ ዋንጫ ኮንፈዴሬሽን ንምዕዳም እዩ ናብ ካይሮ ኣቕኒዑ።
ዳይሬክተር ኮምዩኒኬሽን ካፍ ኣሎክስ ሲዌ ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ፕረዝደንት ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ከምዝፀንሕ ፈሊጥና ኣለና" ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ካይሮ ምስ በፅሐ፡ ቀሊል ምልክት ኮቪድ-19 ብምርኣዩ፡ ሽዑ ምርመራ ከምዝተገበረሉን፡ ብኮሮናቫይረስ ምልካፉ ከምዝተረጋገፀን፡ ካፍ፡ ሎሚ መዓልቲ ዘውፅኦ መግለፂ ይሕብር።
ኣብቶም ዝሓለፉ መዓልታት ምስ ፕረዝደንት ኣሕመድ ምትንኻፍ ዝነበሮም ሰባት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዕዞ ሞሮኮ ምትንኻፍ ዝነበሮም፡ እዚ ሓበሬታ ብቅልጡፍ ክፈልጡ ከምዝተገበረን፡ ግቡእ ስጉምቲ ከምዝወስዱን ድማ ተገሊፁ።
ፕረዝደንት ኣሕመድ ቅድሚ ብኮሮናቫይረስ ምልካፉ'ውን፡ ከቢድ ሰሙን እዩ ኣሕሊፉ፤ ንቐፃሊ ፕረዝደንታዊ መረፃ ከምዝወዳደር ዘፍለጠ'ውን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ እዩ ነይሩ።
እቲ ፕረዝደንት ብዙሓት ቅጥዕታት ስነ-ምግባር ከምዝጠሓሰ፡ ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ንዝቕፅሉ 15 መዓልታት ኣብ ሆቴል ስለዝውሸብ ድማ፡ ምዝገባ ሕፁያት ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ቅደሚ ሓደ መዓልቲ ክወፅእ ትፅቢት ይግበር።