ምሕደራ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ይኣቱ

ምምሕዳር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ [ካፍ] ፋሕብትን ኣትዩዎ ከምዘሎ ጸብጻብ ናይ ሕሳብ መርመራ [ኦዲት] ኣርእዩ።

ውጺኢት ናይ'ቲ ዝተገብረ ጸብጻብ ሕሳባት፣ ምሕደራን ክፍሊታትን ናይ ካፍ ኣብ ሕቶ ምልክት እትዩ ይርከብ።

እቲ ብፕራይስዎተርሃውስ ኩፐርስ (Pricewaterhouse Coopers (PwC) ዝተገብረ ጸብጸብ ነዞም ዝስዕቡ ጉድለታት ረኺቡ፡

  • ሕሳባት ካፍ "ዘይእመንን ዘየተኣማምንን`ዩ"
  • 8.3 ሚሊዮን ዶላር ወጻኢታት ዝተገብረሎም ገለ 35 ካብ 40 ዓበይቲ ክፍሊታት "ዘይንቡራት" ኮይኖም "ሒደት ወይ ፈጺሙ ዝድግፍ ሰነድ የምሎምን"
  • ካፍ "እኹል ቁጽሪ ሰራሕተኛታት የብሉን"፡ እቶም ዘለዉ ሰራሕተኛታት "ብብዝሒ ስራሕ ይሽገሩ" "ፍናን ዘይብሎም" እዮም
  • ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ካፍ ኣብ'ቲ ኣካታዒ ምቑጻር'ቲ ብዙሕ ዘይፍለጥ ታክቲካል ስቲል ዝበሃል ኣፍራዪ ኣቑሑ ምውስዋስ ኣካላት [ጂም] "ቀጥታዊ ኢድ ነይርዎ"። እቲ ትካል ክዳውንቲ ስፖርት ንኸቕርብ`ዩ ተቖጺሩ።
  • ልዕሊ 20 ሚልዮን ወጻኢታት "ናይ ድጋፍ ሰነዳት" የብሎምን ወይ "ልዑል ናይ ክሳራ ሓደጋ" ዝነበሮም'ዮም።

ካልእ ተወሳኺ እቲ ናይ ጸብጻብ ትካል ዝረኸቦ ነገር ድማ ካፍ ፕረዚደንት ኣሕመድን ተጸዋዒኡ ሎይክ ጀራንድን ኣብ ምሃብ'ቲ ኮንትራት ነቲ ፈረንሳዊ ኩባንያ ዝኾነ ታክቲካል ስቲል "ዝተጻወትዎ ተራ" እዩ።

እቲ ኩባንያ ምስ ካፍ ዝነበሮ ገንዘባዊ ውዕላት ድማ "ልዑል ጥርጣረ ዘሕድሩ`ዮም" ተባሂሎም ተገሊጾም።

ሚስተር ኣሕመድ ኣብ`ዚ ጉዳይ`ዚ ኣበሳ ከምዘይብሉ ድሮ ብትሪ ክሒዱ'ሎ።

እቲ ናይ ካፍ ንመብዛሕትኡ ክፍሊት ብጥረ ገንዘብ ናይ ምኽፋል ባህሪ ነቲ ረቂቕ ናይ ሕሳብ መርመራ ሓላሊኽዎ`ዩ። እቲ መርመራ ኣብ መላእ ካፍ ዓቢ ጽገና ክግበር'ውን ሓሳብ ኣቕሪቡ።

መሳርዕ ናይ'ቲ ውድብ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ውሳነታት ናይ'ቲ ፈጻሚ ኮሚቴ'ዩ ዝምርኮስ ድማ ተባሂሉ። እቲ ኮሚቴ "ኣብ ሰለሰተ ወርሒ ሓንሳብ ጥራይ ስለዝእከብ፡ ኣገደስቲ ውሳነታት ኣብ ምሕላፍ ምድንጓያት ይፈጥን ንኣካየድቲ ክፍልታት ድማ ወሰንቲ ዝኾኑ ስጉምትታት ካብ ምውሳድ ይዕንቅፎም"።

ብተወሳኺ፡ ጉድለት ግልጽነት ኣብ ውድባዊ ቅርጺ'ውን ነተን ክፍልታት "ውሑድ ቁጽሪ ሰራሕተኛታት" ክህልወንን እቶም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ድማ "ካብ ዕቕሞም ንላዕሊ ክሰርሑ" "ሓፈሻዊ ሞራላዊ ውድቀት" ድማ ኣስዒቡ።

እቲ ቅድሑ ብቢቢሲ ተራእዩ ዘሎ ውጽኢት ምስጢራዊ መርመራ ሕሳብ፡ ኣካል ናይ'ቲ ዘይልሙድ ውሳነ ፊፋ፡ ምልኣኽ ዋና ጸሓፊቱ ናብ ካፍ ስዒቡ'ዩ መጺኡ። ንሳ ኣሰራርሓ ካፍ ንምምሕያሽ'ያ ተላኢኻ።

ኣብ ፈለማ ለካቲት ተልእኾኣ ኣብ ዝዛዘመትሉ እዋን፡ ፋጥማ ሳሞራ ውጽኢት ተልእኾኣ ንሓለፍቲ ካፍ ኣረኪባ፡ ንሳቶም ድማ ንምኽሪ ናይ'ቲ ብፊፋን ካፍን ዝቖመ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ከተግብርዎ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ።

ገለ ካብ'ቲ ምኽሪ ድማ ዓቢይ ቅርጻዊ ምትዕርራይ ካፍ፣ ምድራት እዋን ስልጣን ፕረዚደንትን ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴን፡ ምትእትታው ሕገ-ደንቢ ስነ-ምግባርን የጠቓልል።

እቶም ኣባላት ፈጻሚት ኮሜቴ ዓርቢ ኣብ ዝጋብእሉ እዋን መሰረታውያን ለውጥታት ከተኣታትዉ ድዮም ኣየተኣኣታትዉን ግን ብሕጂ ዝረአ'ዩ። ኣብ'ዚ ሰሙን'ዚ ዝወጸ መግለጺ ግን እቲ ቅኑዕ ድምጺ ኣስሚዑ።

"እዋኑ ዝሓለፎ ናይ ልዕሊ 30 ዓመት ኣቡናዊ/ኣባታዊ [ብደቂ ተባዕትዮ ዝተዓብለለ] ምሕደራ ኣብ ኩሉ ጽፍሒታት መስርሕ ኣገደስቲ ሕጽረታት ኣስዒቡ'ዩ" ኢሉ ካፍ።

"እቶም ዝለዓሉ ዓለም-ለኻውያን መዓቀንታት ከነተኣታቱ ኢና" ድማ ኢሉ።

እቲ ወንጃሊ/ኮናኒ ጸብጻብ ተወሳኺ መርመራ ዘድልዮም ሓያሎ ፊናንሳዊ ውዕላት ኣጉሊሑ ኣውጺኡ'ሎ። እቲ ወዲ 60 ዓመት ፕረዚደንት ካፍ ዝኾነ ማዳጋስካራዊ ኣሕመድ፡ ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ትሕቲ ክትትል ዘለዉ ሰባት'ዩ።

እቲ ፕረዚደንት

ሚስተር ኣሕመድ ካብ መጋቢት 2017 ኣትሒዙ ፕረዚደንት ካፍ ኮይኑ የገልግል ኣሎ።

"ብመሰረት ብኢመይል ዝተገብሩ ርክባት፡ ታክቲካል ስቲል ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት'ዩ ምስ ካፍ ርክብ ዝጀመረ ይመስል"

ፕራይስዎተርኩፐርስ ተራ ኣሕመድ ኣብ'ቲ ኣካታዒ ውሳነ ምቑጻር ታክቲካል ስቲል ክምርመር ኣለዎ ኢሉ መኺሩ'ሎ።

ኣብ ታሕሳስ 2017 ምስ ታክቲካል ስቲል ዝዓበየ ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር ንምኽታም ክጥዕሞ ምእንቲ ኣቐዲሙ ምስ ኣቕራቢ ክዳውንቲ ስፖርት ፑማ ተኸቲሙ ዝነበረ ናይ 250 ሽሕ ዶላር ውዕል ሰሪዙ እንተኾይኑ ቅድሚ ሕጂ ብቢቢሲ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ጠቐነ "ሓሶት፣ እኩይ/ተንኮለኛ፣ ሽም ምጥፋእን ኣካል ናይ ሕነ ምፍዳይን'ዩ" ኢሉ ኣሕመድ።

ኣሕመድ ነቲ ወግዓዊ ክሲ ናብ ፊፋ ዘቕረበ ዋና ንጸሓፊኡ ዓምር ፋሕሚ ነቲ ዛንታ ብምብታን ጠቂንዎ። ካፍ ፊናንስ ዳይረክተር መሓመድ ኣል ሸረይ'ውን ነቲ ጉዳይ ናብ ፊፋ ኣቕሪብዎ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ክልቲኦም ኣምር ፋሕሚን መሓመድ ኣል ሸረይን ካብ ስራሕ ተባሪሮም።

"ብመሰረት'ቶም ዝተመርመሩ ናይ ጽሑፍ ርክባት፡ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ካፍ ታክቲካል ስቲል ምስ ዘቕረቦ ሓሳብ ኣብ ምስምማዕ ብቐጥታ ዝተሳተፈ ይመስል፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ ኣተሓሕዛ'ቲ ውዕል ክፋሊ ዕድጊ፣ ዕዳጋን ፊናንስን ንዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ክፍልታት ካፍ ኣየሳተፈን" ኢሉ'ቲ ውጺኢት መርመራ ናይ ፕራይስዎተርኩፐርስ።

ታክቲካል ስቲል ሮማልድ ሰይሌር'ዩ ዝካየድ፡ ሰይሌር ድማ ናይ ነዊሕ እዋን ዓርኪ ወኪል ኣሕመድ ዝኾነ ሎይክ ጀራንድ'ዩ።

መርበብ ሓበሬታ ታክቲካል ስቲል ንተራኣ ኣብ ምስራሕን ምዕዳልን ኣቑሑት ጂም ኣጉሊሓ'ላ

ኣብ እዋን'ቲ ውዕል ካፍ ንታክቲካል ስቲልን ጸኒሑ ድማ ምስኡ ምትእስሳር ምስ ዘለዎ ኣብ ኢማራት ዝመደበሩ ኤ ፕሮ ኮንሳልቲን ዝገበሮ ሓያሎ ክፍሊታት ግልጺ ብዘይኮነ ምኽንያት ተመሊሱ።

"እቶም ካብ ታክቲካል ስቲልን ኤስ ፕሮ ኮንሳልቲንን ዝተመልሱ ክፍሊታት ዓቢ ጥርጣረ ዘምጽኡ'ዮም፡ ምኽንያቱ ኣብ መንጎ'ተን ኣብ'ቲ ውዕል ዘልዋ ኣካላት ዝተገብረ ናይ ጉቦ ወይ ቀረጽ ናይ ዘይምኽፋል ውዕል ክመስል ይኽእል'ዩ" ኢሉ'ቲ ጸብጻብ መርመራ።

ኣብ ሰነ 2019፡ ኣሕመድ ብሰብ መዚ ጸረ-ብልሽውና ፈረንሳይ ኣብ ፓሪስ ተታሒዙ ተመርሚሪ ነይሩ። ጸኒሑ ግም ብዘይ ክሲ ተለቒቑ።

እቲ ንፕረሲደንትን ሰለስተ ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ ዝሓቖፈ ህጹጽ [ኢመርጀንሲ] ኮሚቴ ካፍ'ውን ክዕጾ ፕራይስዎተርኩፐርስ መኺሩ፡ ምኽንያቱ እዚ ኮሚቴ'ዚ ንፈጻሚት ኮሚቴ ዘሊሉ ውሳነታት ከቀላጥፍ ስልጣን ኣለዎ።

"ብመሰረት'ቶም ዝተረኽቡ ሰነዳት፡ እቶም ውሳነታት ናይ'ቲ ህጹጽ ኮሚቴ ግልጺ ብዘይኮነ መንገዲ ዝጸደቑ ይመስሉ" ኢሉ'ቲ ጸብጻብ።

እቶም መርመርቲ [ኦዲተራት] ናይ ጉዕዞ ወጻኢታት ብዝምልከት "ሓያሎ ኣብ ተመሳሳሊ እዋናት/ዕለታት ዝተፈጸሙ ክፍሊታት" ተዓዚቦም።

ወጻኢታት ብዝምልከት፡ እቲ ጸብጻብ'ኳ ስም ኣሕመድ እተዘይረቑሐ፡ እቲ ፕረሲደንት ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓንቲ ሃገር እንከሎ ኣብ ክልተ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝነበር መሲሉ ክልተ ናይ ወጻኢታት ክፍሊታት ከምዝተቐበለ ቢቢሲ ዓሚ ኣቃሊሑ ነይሩ።

እቲ ናይ ሕሳብ መርመራ ብመሰረት "መምርሒ ስነ-ምግባር ፊፋ' ብምፍጻሙ፡ ኣብ ንዕሊ'ቲ ማዳጋስካራዊ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ከምዝውሰድ ጸኒሕካ ዝርአ'ዩ ዝኸውን።

'ዘይንቡር ክፍሊታት'

"ዓቢ መጠን ዘለዎም ክፍሊታት ብጥረ ገንዘብ ተኸፊሎም። ክፍሊት ወጻኢታት ዋኒን ብኸምዚ ዓይነት ብጥረ ገንዘብ እንተተፈጺሙ እቲ ክፍሊት ሕጋዊ ይኹን ኣይኹን ኣብ እዋን መርመራ [ኦዲት] ነቲ ጉድለታት ከተጻርዮ ኣሸጋሪ ይኸውን"።

ኣካል ናይ መርመራኡ፡ ፕራይስዎተርኩፐርስ ብፊፋ ንምዕባለ ኩዕሶ እግሪ ንዝሃቦ 10 ሚሊዮን ዶላር ጥራይ'ዩ መርሚሩ። እንተኾነ ግን ሓሙሽተ ካብ 40 ክፍሊታት ጥራይ "ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ይመስል" ኢሉ'ቲ ጸብጻብ።

እቲ ዝተረፈ 8.3 ሚሊዮን ዶላር "ሒደት ወይ'ውን ፈጺሙ ደጋፊ ሰነዳት ኣይነበሮን" ወይ ድማ ክፍሊታት "ዘይንቡር/ልዑል ናይ ክሳራ ሓደጋ" ተባሂሎም።

ኣብ ገለ ገለ ጉዳያት፡ ንኣብነት፡ ናይ 0.5 ሚሊዮን ዶላር ክፍሊት ነቲ ንግጥማት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ሴካፋ ዘመሓድር ኣካል ተዋሂቡ፡ እቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ ግን ኣብ ቡሩንዲ ንዝተኻየደ ናይ ትሕቲ 17 ዓመት ግጥማት ንምድላው ከምዝቀጸ ጥራይ'ዩ ዝሕብር።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ነቲ ንግጥማት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዘሰናድእ ኮሳፋ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ግጥማት ንምድላው 400 ሚእቲ ሽሕ ዶላር ተመዲብሉ።

ኣብ'ቲ ካፍ ን54 ኣባል ሃገራት ዝህቦ ዓመታዊ ናይ 200 ሽሕ ዶላር'ውን እንተኾነ እቲ ዛንታ ተመሳሳሊ'ዩ። ካብ'ቶም ዝተመርመሩ ልዑል ሓደጋ ክሳራ ዝተባህሉ 66 ክፍሊታት፡ ኣስታት 11 ሚሊዮን ዶላር ዘውጽኡ 48 ክፍሊታት ጥራይ ሰነድ ነይርዎም።

ዝያዳ ዘጨንቑ ሰለስት ክፍሊታት ካብ'ኣቶም ነናይ 100,125 ዶላር ኣብ ረብሓ ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ላይበሪያ ውዒሉ ዝተባህለ ግንዖ፡ እቲ ሓደ ክፍሊት ናብ ኤውሮጳዊት ሃገር ኤስቶኒያ፡ እቶም ክልተ ድማ ናብ ሓንቲ ኣብ ፖላንድ እትርከብ ምስጢራዊት ኩባኒያ ተላኢኾም።

እዛ ኩባኒያ ኣብ 2019 ቅድሚ ምጥፍኣ፡ ሮሰንባም ኮንተምፖራሪ ተባሂላ ትፍለጥ ነይራ። እቲ ገንዘብ ንምንታይ ናብኡ ተላኢኹ ንጹር ኣይኮነን። ፕራይስዎተርኩፐርስ ግን ነቲ ገንዘብ ንምምላስን "ውሽጣዊ ሽጣራታት ናይ ካፍ እንተነይርዎ ንምፍላጥን" ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ኢሉ።

ዋላ ንሰራሕተኛታት ዝወሃብ ክፍሊታት'ውን ብጥረ ገንዘብ'ዩ ዝኽፈል።

ኣብ ታሕሳስ 2017 ካብ ባንኪ ዝወጸ 350 ሽሕ ዶላር "ናይ ደሞዝ ወጻኢታት" ጥራይ ዝብል መግለጺ ተዋሂብዎ።

ሰለስተ ፕራይስዎተርኩፐርስ ክወሃብዎ ካብ ዝጠለቦም 25 ሓበሬታታት፡ ኣይተዋህብዎን፡ እቶም ክልተ "ሞቕሽሻት" ኣቲ ሓደ ድማ "ናይ መገሻ ወጻኢታት" ተባሂሎም ተነጊሮሞ።

ፈጻሚ ኮሚቴ

ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ ንስራሕ ካፍ ይዕንቅፉ ደኣ'ምበር ኣይሕግዙን'ዮም ተባሂሎም

"መብዛሕትኡ ምምሕዳራዊ ወጻኢታት ንኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ ዝተዋህቡ ክፍሊታትን ካሕሳ ወጻኢታትን'ዮም"

ንኣባላት'ታ ከም ናይ'ቲ ውድብ ቦርድ ኮይና እተገልግል ፈጻሚት ኮሚቴ ናይ ወጻኢታት ካሕሳ ተሃሂሉ ዝወሃብ ገንዘብ'ውን ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ'ዩ።

"ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ - ኩሎም ብሓባር ወይ ብኸፊል (ንኣብነት ምስ ኮሚቴ ካሕሳ ኮይኖም) ደሞዛት፣ ሞቕሽሻት፣ ናይ ስንብት ረብሓታት፣ ናይ መድሕን ኣበልን ኣባላት ይእምሙን የጽድቑን። እዚ ድማ ባዕላዊ ረብሓ የስዕብ ማለት'ዩ"።

ሰላሳን ሓሙሽተን ንኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ ዝተኸፍሉ ክፍሊታት ተመርሚሮም፡ ዋላ ሓደ ካብ'ኣቶም ድማ "ንሕጋውነት'ቶም ክፍሊታት ዘርእዩ ሰነዳት" የብሎምን።

ኣብ 2016፡ ኣብ እዋን ፕረሲደንትነት ሙሳ ሓያቱ ማለት'ዩ፡ 36,150 ዶላር ንኣንስቲ ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ ተዋሂቡ፡ ኣንስቶም ክኽፈለን ከምዘለዎ ዘርእዩ ሰነዳት ግን ከቕርቡ ኣይከኣሉን። ዋላ ሓደ ናይ ድጋፍ ሰነድ ግን ኣይቀረበሎምን" ኢሉ'ቲ ጸብጻብ።

እቲ ንስራሕ ኣብ ዝዋፈርሉ እዋን ንነፍሲ ወከፎም ዝኽፈሎም 450 ዶላር መዓልታዊ ኣበልን፡ ብውሑዱ 60,000 ዶላር ዓመታዊ ሞቕሽሽን ብዘየገድስ፡ ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ ንመዓልታዊ ስራሕ ካፍ ከምዝዕንቅፉ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ምሕደራ

እዞም ዝተጠቕሱ ጸገማት ብዘየገድስ፡ ካፍ ዘብለጭልጭ ጽምብል ምዕዳል ህያባት ሎም ዘመን ኣብ ግብጺ ኣካይዱ

"ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ንምምዕባል ከም ዘመሓድር ኣካል ካፍ ንናይ ደገ ይኹኑ ናይ ውሽጢ ወነንቲ ብርኩ ብኣድማዕነት ክኣሊ ይግብኦ። ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ሰብ ብርኪ ናይ ንፈሲ ወከፍ ክፍሊ በዓል መን ምዃኖም ዝፍለጥ ነገር የለን"።

ንጹር መሳልል ማዕረግ ኣብ ዘይብሉን ውሳነታት ኣብ ዝድንጉይሉን ኩነታት፡ መስርሕ ምሕደራ ካፍ ኣበር-ኣልቦ'ዩ ክትብሎ ካብ እትኽእል ኩነታት ኣዝዩ ርሒቑ ይርከብ። ሰራሕተኛታቱ ድማ "ሞራል-ኣልቦ" እዮም ዝበሃሉ።

"ሰራሕተኛታት ኣብ ጉዳይ ወሰንቲ ውሳነታት ኣገባብ ዘለዎ መስርሕ ርክባት የለን ይብሉ። እዚ ድማ ዓቢ ዘይንጽሩነትን ስምዒት ተነጽሎን የስዕብ" ኢሉ'ቲ ጸብጻብ።

"ሰራሕተኛታት ቅርጺ ናይ'ቲ ውድብ ኣይፈልጥዎን'ዮም። ብጽሒት ስራሕን ሓላፍነትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ብግቡእ ኣይግለጽን ኣይፍለጥን"።

ካብ ሕጽረት መሪሕነት ጀሚርካ ዘይስሩዕ ኣኼባታት ኮሚቴታት፡ ክሳብ ዘይምህላው ምዱብ ክፍሊ ኣይ ቲ [ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ]፡ እቲ ዝርዝር ናይ'ቶም ድኽመታት መወዳእታ የብሉን።

ብተወሳኺ፡ ሰዓታት ምእታው [ኣቴንዳንስ] ሰራሕተኛታት፣ ክፍሊት ስራሕ ትርፊ ሰዓት፣ ዕረፍቲ [ቫኬሽን] ክትትል ኣይግበረሎምን ኣይምዝገቡን ድማ ይበሃል።

እዚ ከም'ዚ'ሉ እንከሎ፡ ዓበይቲ ሰነዳት ፊናንስ ብቐሊሉ ይጠፍኡ፡ ፕራይስዎተርኩፐርስ ድማ ካብ 2014 ክሳብ 2019 ንዝነበር እዋን ዝሽፍኑ 20 ሚእታዊት ናይ'ቶም ዝድለዩ ሰነዳት ከምዘይተዋህብዎ ይገልጽ።

"ዛጊት ኣብ'ዘን ምስ ፊፋ ኮይንና ብሽርክነት ዝሰራሕናለን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓያሎ ሰፋሕቲ ናይ ምሕደራ ስጉምትታት ተተግቢሮም ኣለዉ፡" ኢሉ ካፍ ዘውጽኦ መግለጺ።

"ነቲ ናይ 2020-21 መራሕ ጎደና [ሮድ ማፕ] ንምጽዳቕ፡ እታ ፈጻሚት ኮሚቴ ን14 ለካቲት ዝጋባእ ዋዕላ ወጢና'ላ። ንኹሎም'ቶም ዝተዋህቡ ምኽርታት ድማ ኣብ ግምት ከእቱ'ዩ"።

እቲ መራሕ ጎደና ነታ ፈጻሚት ኮሚቴ ካብ ሓልፍነት ምሕደራ ከምዝኣልያ ኣተንቢሁ ምህላዉ ግን ነዊሕ ጉዕዞ ክኽየድ ምዃኑ ተስፋ ይህብ።