እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያውያን ኣብ መረጻ ኣመሪካ መን ክዕወት ይጉስጉሱ ኣለው?
ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ንክካየድ ሓሙሽተ መዓልታት ጥራየ ተሪፉዎ።
ሕጹይ ሪፐብሊካን ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕን ሕጹይ ዴሞካራት ጆ ባይደንን ዝገብርዎ ወፍሪ ጎስጓስ ምረጹኒ ድማ ናብ ምዝዛሙ ተጸጊዑ ኣሎ።
ዛጊድ ናብ 70 ሚልዮን ዝጽግዑ ኣመሪካውያን ኣድሚጾም ኣለዉ።
እንተኾነ እዚ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ጉዳይ ኣመሪካውያን ጥራሕ ኣይመስልንን።
መላእ ህዝቢ ዓለም ብዝፈተላለየ መገዲ ብሃንቀውታ ዝከታተሎ ክስተት እዩ።
ናይዚ መረጻ ውጽኢት ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ከሕድሮ ዝኽእል ጸቕጢ ክህሉ'ዩ።
ኣመሪካን ኢትዮጵያን ንዓመታት ዝዘለቐ ርክብ ኣለወን።
ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ‘ግብረ-ሽበራ’ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኸፈተቶ ኲናት- ቀንዲ ሸሪኻ ኢትዮጵያ እያ።
ኮይኑ ግና፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ምስ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ብዝተኣሳሰር ኣመሪካ ንኢትዮጵያ እትህቦ ድጋፍ 130 ሚልዮን ዓጺፋ።
ብቐጥታ ድማ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ኣመሪካ ንግብጺ ወጊና ኣላ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘስመዖ ዘረባ ግልጺ ቅዋም ኣመሪካ ኣንጸባሪቑ እዩ።
“ግብጺ ንግድብ ህዳሰ ክተዕንዎ እያ" ምባሉ ይፍለጥ።
ኢትዮጵያውያን ንመን ይጉስጉሱ?
ትውልደ ኢትዮጵያዊት ብርሃኔ ቤካ፡ ነባሪት ዋሺንግተን ዲሲ ኮይና፡ ንሰልፊ ዲሞክራት ጎስጓስ ትገብር ከም ዘላ ንቢቢሲ ትዛረብ።
ብፍላይ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ትውልደ/ኢትዮጵያውያን ኣሜሪካውያን፡ ድምጾም ንጆ ባይደን ክህቡ ትምሕጸን ኣላ።
ሰልፊ ዲሞክራት እንተስዒሩ፡ ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ርክብ ክህልዋ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለዋ።
ነዚ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ምግባሩ ከም ሓደ ሰናይ ኣብነት ትጠቅስ።
ካልእ ትውልደ ኢትዮጵያዊት ምስ ኣባላት ኮንግረስ ተቐራሪባ እትሰርሕ ሴና ጂምጂመ ብወገና፡ ዲሞክራት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ኢሉ’ውን ምስ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ርክብ ከም ዝነበራ ትዛረብ።
ሰልፊ ሪፐብሊካን፡ ንካልኣይ ጊዜ ኣብ ስልጣን ዝቕጽል እንተኾይኑ ግን፡ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ኣብ ዘላ ግድብ ህዳሰ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ትኣምን።
ንኢትዮጵያ ባይደን’ዶስ ትራምፕ?
ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ዩኒቨርሲቲ ኪል መምህር ዝኾነ ዶ/ር ኣወል ኣሎ፡ ሪፐብሊካን ኮነ ዴሞክራት እንተሰዓሩ ነቲ ኣብ መሬት ዘሎ ፖሊሲ ጉዳያት ኣመሪካ ከም ዘቐጽሉ እዩ ዝኣምን።
ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ መሰራታዊ ረብሓ እታ ሃገር ከም ዝድረኽ ብምግላጽ ውጽኢት እቲ መረጻ ዘምጽኦ ለውጢ ከም ዘይህሉ ይዛረብ።
“ዝተፈለየ ዝገብሮ ዶናልድ ትራምፕ ንሕግታት ዓለምለኸን ክልቲኣዊ ስምምዓትን ዘይግዛእ ሰብ ምዃኑ ጥራሕ እዩ። ናይ ህዝቢ ትኹረት ዝረኽበሉ መሲሉ እንተተሰሚዕዎ ዝኾነ ዓይነት ዘረባ ከስምዕ ዝኽእል እዩ” ክብል ነቒፍዎ።
ትራምፕ ከም ፕረዚደንት ዘይኮነስ ከም ወዲ 7 ዓመት ህጻን ዓይነት እዩ ዝሓስብ ድማ ኢልዎ።
እዚ ናይ ‘ህዝበኝነት’ [ርካሽ ተፈታዊነት] ባህሪ ዘለዎም መራሕቲ ተፈጥሮ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
ትራምፕ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ዝተዛረቦ ድማ፡ ካብዚ መንጽር ክረአ ከም ዘለዎ እዩ ዶ/ር ኣዎል ዝገልጽ።
ድርኡ’ውን ኣብ ክሊ እዚ ግድብ ‘ኣመሪካ ንግብጺ ገዲፋ ንኢትዮጵያ ክድግፍ እያ ኢልካ ምሕሳብ ስሕተት’ ከም ዝነበረ ይዛረብ።
ኣመሪካ ኣብ ማእኸላይ ምብራቅ ዓብዪ ድሌት ከም ዘለዋ ገሊጹ።
ብፍላይ ድማ ናይ እስራኤል ረብሓ ንምሕላው ለይትን ቀትርን ከም እትሰርሕ እዩ ዝዛረብ።
ንኣመሪካ ቀንዲ ፈታዊት ንዝኾነት እስራኤል ኣፍልጦ ብምሃብ ድጋፍ ክትገብር ዝጸንሓት ድማ፡ ግብጺ ምዃና የዘኻኽር።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን ዓብዪ ፍታሕ ዝበሎ ‘ትራምፕ ፒስ ፕላን’ ዝበሃል ተበግሶ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ።
ኣካል እዚ ትልሚ ዝኾነ፡ ሕቡራት ዓረብ ኢሜራትን ባህሬን ምስ እስራኤል ስምምዕ ሰላም ፈሪመን ኣለዎ።
ሱዳን ብወገና፡ ሓድሽ ስምምዕ ሰላም ንምፍራም ኣብ ምድላው እያ ትርከብ።
ትራምፕ ኣብቲ መረጻ ዝዕወት እንተኾይኑ እዚ ፖሊሲኡ ሒዙ ክቕጽል እዩ።
ዲሞክራት ጆ ባይደን፡ እንተሰዓረ ‘ውን ኣብ ፖሊስ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ዓብዪ ቦታ ዘለዎ ጉዳይ ማእኸላይ ምብራቕ’ምበር ጉዳይ ኢትዮጵያ ከም ዘይኮነ እዩ፡ ዶር ኣዎል ዝኣምን።
ይኹን’ምበር፡ ጆ ባይደን ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ዝምረጽ እንተኾይኑ ነቲ ጉዳይ ትራምፕ ይኸዶ ብዘሎ ዓይኒ ዕሙተይ መገዲ ኣይኣልዮን- ይብል።
ዝኾነ እንተኾነ ግን፡ ጆ ባይደን እንተኾነ’ውን ንግብጺ ገዲፉ ንኢትዮጵያ ገጹ ከዝር እዩ ኢልካ ምሕሳብ- የዋህነት ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ።
ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ፡ 3 ሕዳር 2020 እዩ ክዛዘም።