እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክሳድ ንክሳድ ምትሕንናቕ ዝተረፎም ኦባማን ትራምፕን
ኣብ ዝተፈላለዩ ጎስጓሳት መረጻ ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማን ፕረዚደንት ትራምፕን ንሓድሕዶም ብጽያፍ ቃላት ይመላለሱ ኣለዉ።
ንሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን ወኪሉ ዝጉስጉስ ዘሎ ባራክ ኦባማ፡ ንፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ሓደ 'ጽሉል ኣኮ' ብምምስሳል፡ መዕቆቢ ዓሌታውያን ኬንካ ኢልዎ።
ፕሬዝደንት ትራምፕ ብወገኑ፡ ኦባማ ብዛዕባ ውጽኢት ምርጫ 2016 'ተጋግዩ' (ትራምፕ ክዕወት ኣይክልን'ዩ ኢሉ ነይሩ) ክብል ኣናኢስዎ።
ኣብቲ 13 መዓልታት ዝተረፎ መረጻ ኣመሪካ ብዘሎ ቅድመ ግምታዊ ድምጺ ጆ ባይደን ብሃገር ለኸ ይመርሕ ኣሎ ተባሂሉ።
ይኹነ'ምበር እቲ ፍልልይ ጸቢብ ከም ዝኾነን፡ ገለ ግዝኣታት ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ 3 ሕዳር 2020 ድምጸን ንመን ከም ዝህባ ከም ዘይፍለጥን ይዝረብ።
እተን ዛጊድ ምስ መን ከም ዝወገና ዘይተፈልጣ ግዝኣታት ናይቲ መረጻ ዕጫ ኣብ ምውሳን ዓብዪ ግደ ኣለወን።
ኣመሪካውያን፡ ዛጊድ ካብ ዝተኻየዱ መረጻታት ኣብቲ ሎምዘበን ዝካየድ መረጻ ኣንጊሆም ብኣካልን ብፖስታን ድምጾም ክህቡ ተራእዮም።
ትራምፕ እንታይ እዩ ኢሉ?
ትራምፕ ትማሊ ሮቡዕ ጋስቶንያ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ፡ ኣብ ልዕሊ ተነሓናሒኡ ጆ ባይደን ኣሎ ዝበሎም ቃላት ኣዝኒቡ።
ባይደን ነቲ ሎሚ ሓሙስ ዝካየድ ሓፈሻዊ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ንክዳሎ፡ ካብ ጎስጓስ ግልል ኢሉ እኳ እንተቐነየ ትራምፕ ግን ኣጓሂርዎ ቀንዩ ተባሂሉ።
ትራምፕ፡ ነታ ኣብቲ ዝሓለፈ መረጻ ቀንዲ ተነሓናሒቱ ዝነበረት ሂላሪ ክሊንተን ስማ ኣልዒሉ፡ ኣብ ልዕሊ ኦባማ "መቸም ነታ ዘባል ሂላሪ ክሊንተን ካብ ኦባማ ንላዕሊ ዝጎስጎሰ የለን፤ ኣይኮነን ድዩ?" ክብል ኣባጭዩ።
ቀጺሉ ድማ፡ "በቲ ውጽኢት ድማ ካብኡ ንላዕሊ ዝሓረቐ የለን" ኢሉ።
ኦባማ፡ ምክትሉ ንዝነበረ ጆ ባይደን ሕጹይ ፕረዚደንት ኮይኑ ክቐርብ፡ ድሌት ከም ዘይነበሮ'ውን ትራምፕ ተዛሪቡ።
ኣብ 2016፡ ጆ ባይደን ካብቲ መድረኽ ግልል ክብልን ኣብ ክንድኡ ሂላሪ ክትወዳደር ከም ዝገበረ ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰልፊ ዴሞክራት 'ሓድሽ ደም' የድልዮ ኢሉ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።
ኦባማኸ እንታይ በለ?
ኦባማ ንትራምፕ ኣብ ኣተኣላልያ ጉዳይ ኮቪድ 19ን ቁጠባን እታ ሃገር ነቒፍዎ።
ባይደን ፕረዚደንት እንተኾይኑ፡ "ንዝኾነ ዘይደገፈና ሰብ ኣይንጻረፍን ክንኣስሮ'ውን ኣይነፈራርሕን። እዚ ካብ ሓደ ፕረዚደንት ኣመሪካ ትጽቢት ዝግበር ባህሪ ኣይኮነን" ኢሉ።
እቲ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራት ዛጊድ ዓብዪ ቦታ ዘለዎ ኦባማ፡ " መረጽቲ ንኸምዚ ዓይነት ኣባል ስድራ'ኳ ክዕገስዎ ኣይግባእን፤ ኾን ዶኾን ንጽሉል ኦኮኻ" ክብል ንትራምፕ ኣናሽይዎ።
ወሲኹ ድማ "ፕረዚደንት ትራምፕ ንዓርሱ'ኳ ጥንቃቐ ዘይገብርስ፡ ንዓና ካብ ኮሮናቫይረስ ክሕልወና ኣይኽእልን" ኢሉ።