እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ሰውራ ሮቦት': ኣብ 2025 ፍርቂ ስራሓት ዓለም ብማሸን ክዕመም'ዩ ተባሂሉ
ኣብ 2025 ፍርቂ ዕማማት ዓለም ብማሽናት ክፍጸሙ ምዃኖም 'መድረኽ ቁጠባ ዓለም' ('ዎርልድ ኢኮኖሚክ ፎረም) ዘውጽኦ ጸብጻብ ተነቢዩ።
እቲ ትካል መጽናዕቲ ከም ዝበሎ፡ እቲ እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ "ሰውራ ሮቦት" ኣብ ምሉእ ዓለም 97 ሚልዮን ናይ ስራሕ ዕድላት ክፈጥር'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ክንድኡ ዝኣክል ዕድላት ክዓጹ ስለዝኾነ፡ ንብዙሓት ማሕበረሰባት ንሓደጋ ዘቃልዕ ክኸውን'ዩ።
ብፍላይ እቶም ብጉልበት ሰብ ዝዕየዩ፡ ከም መሰረታዊ ናይ ምምሕዳር ንጥፈታትን፡ ምምሕዳር ማዕከን ሓበሬታታትን ዝበሉ ስራሓት ካብቶም ክጸንቱ ትጽቢት ዝግበረሎም'ዮም።
ይኹን እንበር ይብል እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ሓልዮት (ማሕበራዊ ደገፍ)፡ ዓበይቲ ማዕከናት ሓበሬታን፡ ቀጠልያ ቁጠባን ሓደሽቲ ዕድላት ሽቕለት ክፍጠሩ'ዮም።
እቲ ትካል ኣብ ዝገበሮ መጽናዕታዊ ዳህሳስ፡ 50 ሚእታዊት ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ኣስራሕቲ፡ ንገለ ንጥፈታት ትካላቶም ብማሽናት ክዕየዩ ንምግባር ይመጣጠሩ ከምዘለዉ ክገልጹ እንከለዉ፡ 43 ሚእታዊት ድማ ብሰንኪ ቴክኖሎጂ ቁጽሪ ሰራሕተኛታት ምንካዮም ከምዘይተርፍ ሓቢሮም።
ኣብቲ መጽናዕቲ ኣብ ዓለም እተን ዝዓበያ ዝበሃላ 300 ኩባንያታት ከም ዝተሳተፋ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ'ውን፡ ነቲ መስርሕ ምስግጋር ካብ ሰብ ናብ ማሽን ኣቃላጢፍዎ ኣሎ። ብዙሓት ትካላት፡ ወጻኢ ንምንካይ፡ ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምትእትታው ይርከባ ኣለዋ።
እዚ ማለት ከኣ፡ ሰራሕተኛታት ካብ "ቅልጡፍ ምስግጋጋር ናብ ቴክኖሎጂን ለበዳ ኮቨዲድ-19 ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቅልውላውን" ድርብ ሓደጋታት ኣንጸላልዩዎም ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ኣጠንቂቑ።
"እዚ ነቲ ኣብ ዕዳጋታት ሽቕለት ዘሎ ዘይምዕሩይነት መሊሱ ዘዕሙቕን፡ ነቲ ድሕሪ'ቲ ካብ 2007 ክሳብ 2008 ዘጋጠመ ፋይናንሳዊ ቅልውላዉ ዝተረኽበ ዓወታት ዝቕልብስ'ዩ" ትብል ኣካያዲት ናይቲ ትካል፡ ሳዕድያ ዛሂዲ።
'እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጠለብ ሰባዊ ሞያ'
ትካል መድረኽ ቁጠባ ዓለም ከም ዝሕብሮ፡ ሓደ ሲሶ ካብ ንጥፈታት ዓለም ብማሽናት፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ብሰብ ከምዝዕመም ብምሕባር፡ ኣብ 2025 ግን እቲ ሚዛን ናብ ማሽናት ክዘብል'ዩ።
ሰባዊ ሞያታት ዝድለየሉ ዓውድታት፡ ኣብ ምኽሪ (advising)፡ ውሳነ ምሃብ (decision-making)፡ ምሕሳብ/ምምዝዛን (reasoning), ከምኡ'ውን ርክብን ምርድዳእን (communicating and interacting) ክኸውን ከምዝኽእል'ውን ኣሚቱ'ሎ።
ኣብ ቀጠልያ ቁጠባ (green economy)፡ ምህድስና (ኢንጂኒሪንግ) ናይ 'ክላው ኮምፒተር' ዝበለ ዓውድታት'ውን ጠለብ ሰራሕተኛታት ክዓቢ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ዕዳጋ ዕዮ ዝርከቡ፡ ድሩት ክእለትን ውሑድ መሃያን ዘለዎም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ግን በቲ ለውጢ ክህሰዩ እዮም።
ነቲ ሃስያ ንምጉዳል፡ ሚልዮናት ሰራሕተኛታት ሓደሽቲ ሞያታት ከምዝድልቡ ምግባር ከምዘድልን፡ መንግስታት ድማ ነቶም ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾኑ ውሕስነት ክረኽቡ ኣብ ምግባር ክዳለዉ ኣለዎም ይብል እቲ ጸብጻብ።