ውሩይ ሰኣላይ ዶክተር ለማ ጉያ ዓሪፎም

ቃላይ ቢሾፍቱ
መግለጺ ስእሊ, እቶም ቀባኢ ነዚ ምስሊ ቃላይ ቢሾፍቱ ዝቐብኡ፡ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ነቲ ቃላይ ካብ ላዕሊ ሙሉእ ንሙሉእ ክርእይዎ ብምኽኣሎም እዩ። ኣብቲ ቅብኢ ንርእዮ ዘለና ሙሉእ መልክኣ-ምድራዊ ኣቀማምታ እቲ ቃላይ ብዘመናዊ ካሜራ ፎቶ ምስኣል ኣዝዩ ከምዘፀግም ይገልፁ።

ኢትዮጵያዊ ተወላዲ ኦሮሞ፡ ውሩይ ሰኣላይ ዶክተር ለማ ጉያ ኣብ 92 ዓመቶም ከምዝዓረፉ ኣባላት ስድርኦም ንቢቢሲ ገሊፆም።

ዶክተር ለማ: ብዘጋጠሞም ሕማም ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፃእን ይሕከሙ ከምዝነበሩ ስድርኦም ሓቢሮም።

ዶክተር ለማ: ቅብእታቶም ኣብ ቆርበት ጤል ብምድላው ናእዳ ዘትረፉ ውሩይ ስነ-ጥበባዊ ነይሮም።

ኣብቶም ዝሓለፉ 65 ዓመታት ልዕሊ 10 ሽሕ ቅብኢታት ቆርበት ዘዳለዉ እንትኾኑ፡ ቅብኢታቶም ድማ ካብ ዝተደርበዩ ተፈጥሮኣዊ ነገራት የዳልውዎም ነይሮም።

ስራሕቶም ድማ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ዝርከብ ማእከል ስነ-ጥበብ የቕርቡ ነይሮም።

ኢሬቻ

ኣብዚ ስርሖም ኦዳ መፍለዪ ህዝቢታት ኦሮሞ ምዃኑን፡ ዘለዎ ክብሪን የርእይ። ካብዚ ብተወሳኺ ንኢሬቻ፣ ባህላዊ ፀዋታታት እሬቻን ምስቲ በዓል ተዛማድነት ዘለዎም ባህላዊ ተግባራትን የርእይ።

ኣብ ቅድሚት ጎሊሀን ዝረኣያ በዓልቲ ፀጋ ዕድመ፡ "ኣደ ነፍሶ" ዝበሃላን ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ይነብራ ዝነበራን ወላዲት እየን። ኣብ መበል 120 ዓመተን ከምዝዓረፋ'ውን ይዝረብ።

ክቡር ዶክተር ለማ ጉያ ንደቆም ሓዊሶም ብሓፈሻ ሓሙሸተ ሰዓብቲ ኣሰሮም ከፍርዩ ክኢሎም እዮም።